ኣብ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ንምንባር ዝሕግዝ መምርሒ ናይ ሆም ኦፊስ
ዝተመሓየሸ 21 April 2026
ዕላማ ናይዚ መምርሒ
እዚ መምርሒ እዚ ብቐንዱ ኣብ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ዝቅመጡ ዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ ዝዓለመ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ደገፍ ንምርካብ ሴክሽን/ዓንቀጽ 95 ዘቕረብኩሞ ሕቶ ይግምገም እንዳሃለወ እንከሎ፡ ሴክሽን 95 ድጋፍ ጸዲቅልኩም ዘሎ ኮይኑ ናብቲ ናይ ዳሕራይ መንበሪ ቤት ክሳብ ትብተኑ ወይ ትምደቡ ወይ ድማ ብመሰረት ሴክሽን 4 ድጋፍ ትረኽቡ ኣለኹም እንተ ኾይኑ።
ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገራት ዝሓዘ ድማ እዩ ፡
- ካባና ናይ መንበሪ ቤት ከምኡ እዉን ኣገልግሎታት ክትረኽቡ ትጽቢት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
- ነዚ ኣገልግሎት ዝህባ ከምኡ እዉን ዘቕርባ ትካላት።
- ንሕና ካባኹም እንታይ ትጽቢት ከም እንገብር
- ዝኾነ ዓይነት ጸገማት፡ ስክፍታታት ከምኡ እዉን ኣብ ኩነታትኩም ዘሎ ለዉጢ ብዝምልከት ናበይ ሪፖርት ከም ትገብሩ
ነዚ ናይ ሓበሬታ መጽሓፍ ብኸመይ እየ ክጥቀመሉ ዘሎኒ ፧
ነዚ ናይ ሓበሬታ መጽሓፍ ብጥንቃቐ ከተንብብዎ ንላቦ። ንዓኹም ከምኡ እዉን ንናትኩም ቤተሰብ ኣገዳሲ ዝኾነ ኩሉ ዓይነት ሓበሬታ ክትሕዙ ንላቦ። ኣብዚ ናይ ሓበሬታ መጽሓፍ ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ እዩ ስለዚ ድማ ኣብ ኣዝዩ ዉሑስ ቦታ ከተቀምጥዎ ንላቦ፡ በዚ መሰረት ድማ ኣብ መጻኢ ነዚ መጽሓፍ ክትዉከስዎ ትኽእሉ።
ኣብቲ መንበሪ ቤት ምስ በጻሕኩ እንታይ ክንገረኒ እዩ፧
ኣብቲ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ምስ በጻሕካ፡ እቲ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ኣቅራቢ ኣካል ብዛዕባ እዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ ንዓኹም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበሬታ ክህበኩም እዩ፡
- መንበሪ ቤት ምቅራብ ።
- ዉልቃዊ ዉሕስነት ከምኡ እዉን ደሓን ምዃን፡ ናይ ህጹጽ እዋን ወይ እዉን ናይ ኤመርጀንሲ ክንክን ጥዕናን ምርካብ ዝምልከት ዘጠቃልል።
- ብዛዕባ እቲ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ዘለዎ ኣቀማምጣ ከምኡ እዉን ብስሩዕ ዝግበሩ መዓልታዊ ንጥፈታት ዝምልከት፡ ከምኡ እዉን ብዛዕባ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት።
- ብዛዕባ ንናይ ሓፈሻዊ መነባበሪ (ዝምልከቶ ነገር እንተደኣ ኮይኑ) ከምኡ እዉን ንምቾት ዝገልግሉ መሳርሒታት፡ መሳለጥያታት ከምኡ እዉን ዝተገጠሙ ንብረታት ከመይ ከም ዝሰርሑ ዝሕብር ሓበሬታ
- ናይ ጥዕና መርመራ ከምኡ እዉን ተመሳሰልቲ ኣገልግሎታት ንምርካብ ዘድሊ መስርሕ እንታይ ምዃኑ
ብተወሳኺ እዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ እዉን ክትረክብ ኢኻ:
- ሓበሬታ ብዛዕባ ንዓኻ መንበሪ ቤት ዘቅረበልካ ኣካል ከምኡ እዉን ካብኣቶም እንታይ ትጽቢት ክትገብር ከም ዘሎካ።
- ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ማይግራንት ሄልፕ ከምኡ እዉን ካብኣቶም እንታይ ትጽቢት ክትገብር ከም ዘሎካ፡ ከምኡ እዉን
- እቲ ናይ ሓበሬታ መጽሓፍ፡ ንስኻ ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ብዛዕባ ክትረኽቦ እትኽእል ኣገልግሎታት ከምኡ እዉን ብዛዕባ ባህሊ ናይ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝምልከት ሓበሬታ ዝጠቃለለ። እዚ እንድሕር ደኣ ዘይብልካ ኮይኑ ነቲ መንበሪ ቤት ዘቅረበልካ ኣካል ቅዳሕ ናይዚ ክህበካ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ፡
እንድሕር ደኣ ናይ መእተዊ/ መቀበሊ መግለጺ ዘይተወሃበካ ኮይኑ ወይ ድማ እዞም ትሕዝቶታት ዘይተወሃበካ ኮይኑ፡ ነቲ መንበሪ ቤት ዘቅረበልካ ኣካል እዚኣቶም ክህቡኻ ክትሓቶም ንላቦ። እዚ ናይ ሓበሬታ መጽሓፍ ኣብ ኣዝዩ ዉሑስ ቦታ ኣቀምጦ ምኽንያቱ ኣብ ካልእ ግዜ ተመሊስካ ከተንብቦ ምእንቲ።
በጃኻትኩም ኣስተዉዕሉ: እዚ ሰነድ ንመምርሒ ጥራይ ዝዓለመ ሰነድ ኮይኑ ንዝኾነ ዓይነት ብዕሊ ዝተሓትመ ፖሊሲ ዝትክእ ኣይኮነን ወይ ድማ ኣብ ክንዲ ብዕሊ ዝተሓትመ ፖሊሲ ኣብ መዓላ ዝዉዕል ኣይኮነን። እቲ መምርሒ ዝተዳለወ ብቐንዱ ነቶም ብ ናይ ሴክሽን 98 ድጋፍ ዝቅበሉ ዘለዉ ኮይኖም ነቲ ናይ ሴክሽን 95 ድጋፍ ዘቕረብዎ መመልከቲ ውሳነ ዝጽበዩ ዘለዉ ዝተዳለወ መምርሒ እዩ። እዚ መምርሒ እዚ ነቶም ብ ሴክሽን 95 ድጋፍ ተቀባልነት ዝረኸቡ ኮይኖም ግን ድማ ናብቲ ናይ ዳሕራይ መንበሪ ቤት ክሳብ ዝብተኑ ኣብቲ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት እንዳነበሩ ዝጽበዩ ዘለው እውን ዝምልከት መምርሒ እዩ። ኣብ ሴክሽን 4(2) ጠለብ ኣቅረብቲ (ብ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዑቕባን 1999 ሴክሽን 4(2) መሰረት ድጋፍ ዝረኽቡ ናይ ዑቅባ ሕቶኦም ተቀባልነት ዘይረኸበ ሓተትቲ ዑቕባ) ዝተፈልየ ምድላዋት ኣብ ዝኾነሉ እዋን እዚ ይንጸባረቅ እዩ።
ኣብ መንበሪ ቤትኩም ወይ ድማ ኣብ ዝወሃብ ድጋፍ ዝኾነ ጸገም እንተሃልዩኩም፡ ወይ ድማ እቲ መንበሪ ቤት ንጠለባትኩም (ወይ ኣብ ትሕቴኹም ዝርከቡ ሰባት) ዘየማልእን እኹል ከምዘይኮነ እንተደኣ ኣሚንኩም፡ ንኣብነት ብሰንኪ ዘሎ ስንክልና ዘድልየኩም ነገራት፡ ብዛዕባ እዚ ናብ ሚግራንት ሄልፕ ክትዉከሱ ንላቦ። መንበሪ ኣባይቲ ‘ብዘይ ዝኾነ ምርጫ’ ዝወሃብ ኮይኑ፡ ምደባ ናይ መንበሪ ቤት ድማ ኣብ ምህላው ናይ መንበሪ ኣባይቲ ከምኡ እዉን ኣድላይነት ምሕላዉ ድሕነት ውልቀሰባትን ምርኩስ ዝገበረ እዩ። ማይግራንት ሄልፕ ን ሆም ሆፊስ ከምኡ እዉን ንኣቅራቢ መንበሪ ኣባይቲ ነቲ ጉዳይ መርሚሮም መፍትሒ ክህብዎ ክሓትት እዩ። ማይግራንት ሄልፕ በዚ ዝስዕብ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም፡
ዌብቻት ኣብ ሚግራንት ሄልፕ ዌብ ቻት/ Migrant Help Web Chat
ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ/ ዌብሳይት ዘለኩም ጉዳይ ኣቅርቡ
ናጻ ናይ ሓገዝ ቁጽሪ ስልኪ ኣብ 0808 8010503.
ብዛዕባ ናይ እቲ መንበሪ ቤትኩም ዝምልከት ጉዳያት ምስ ሚግራንት ሄልፕ ተራኺብኩም ገሊጽኩም እንተኾነ ግና እዞም ናይ መንበሪ ቤት ጉዳያት መፍትሒ እንተደኣ ዘይተጌርሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣቅረብቲ ናይ መንበሪ ቤት፡ ኣብ ልዕሊ ሆም ኦፊስ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይግራንት ሄልፕ ወግዓዊ ቅሬታ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት እንድሕር ደኣ ዘለዎም ቅሬታ ኣቕሪቦም፡ ሆም ኦፊስ ነቲ ዘቅረብዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ክነጽጎ ወይ ድማ ነቲ ዝህቦም ናይ ገንዘባዊ ደገፍ ወይ ድማ ናይ መንበሪ ቤት ድጋፍ ከቋርጾ እዩ ኢሎም ይጭነቑ እዮም። እዚ ግና ሓቂ ኣይኮነን። ብዛዕባ መንበሪ ቤት እተቅርቦ ቅሬታ ኣብ ውጽኢት ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ወይ ድማ ኣብ ድጋፍን መንበሪ ቤትን ክትረክብ ዘለካ ብቑዕነት ፈጺሙ ዝኾነ ዓይነት ጽልዋ የብሉን።
ንዓይ ብዛዕባ መንበሪ ቤት ከምኡ እዉን ዝወሃብ ድጋፋት ዝምልከት ኣብ ምቅራብ ዝሳተፉ ኣገደስቲ ዝኾኑ ትካላት በዓል መን እዮም ፧
ማይግራንት ሄልፕ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል ኮይኑ ካብ ሆም ኦፊስ ነጻ/ገለልተኛ ዝኾነ ትካል እዩ፡ ማይግራንት ሄልፕ ንዓኻ ምኽሪ ንምሃብ፡ ብዛዕባ እቲ ትረኽቦ ድጋፍ ሓበሬታ ንምሃብ፡ ብዛዕባ ናይ መንበሪ ቤትካ ዝምልከት ዘሎካ ጸገማት ወይ ጉዳያት ሪፖርት ኣብ ምግባር ወይ ድማ ቅሬታ ንምቅራብ፡ ወይ ድማ ብዛዕባ ዝኾነ ኣብ ኩነታትካ ዘሎ ለዉጢ ንሆም ኦፊስ ንምሕባር ዝተቆጸረ ትካል እዩ። ንማይግራንት ሄልፕ በዞም ዝስዕቡ ኣገባብ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፡
ዌብቻት ኣብ ሚግራንት ሄልፕ ዌብ ቻት Migrant Help Web Chat
ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ/ ዌብሳይት ዘለካ ጉዳይ ምቅራብ : Raise an Issue - Self Service Portal
ናጻ ናይ ሓገዝ ቁጽሪ ስልኪ ኣብ 0808 8010503.
ናትካ መንበሪ ቤት ኣቕራቢ። ሆም ኦፊስ ንዓኻ መንበሪ ቤት ንኽቅርበልካ ናይ ግሊ ትካላት እዩ ዝጥቀም። ናብዚ መንበሪ ቤት ምስ መጻእካ ድማ ሓደ ሃዉሲንግ ኦፊሰር (ናይ መንበሪ ቤት ኦፊሰር) ክምደበልካ እዩ እዚ ኦፊሰር ድማ ናብኡ ኣብ ትመጽኣሉ ዝቅበለካን ናብ መንበሪ ቤትካ ዘእትወካን ዝኾነ ዘሎካ ሕቶታት ዝምልሰልካን እዩ
ምምሕዳራት ከባቢ፡ ኮዉንስል ተባሂሎም እዉን ዝፍለጡ፡ ክፋል ናይ መንግስቲ ኮይኖም ኣብቲ ከባቢ ከም ቤት ትምህርቲ ከምኡ እዉን ሾሻል ሰርቪስ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን መሳለጥያታትን ዝቕርቡ እዮም። እቶም ኣብቲ ኣከባቢ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ከምኡ እዉን እዞም ኣገልግሎታት መን እዩ ዝቅርቦም ዝብል ኣብቲ ንስኻ ትቕመጦ ቦታ ኢዩ ዝዉሰን።
ናትካ ናይ ኣከባቢኻ ኮዉንስል ፖስትኮድ ብምጥቃም ኣብዚ ኣድራሻ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ: Find your local council - GOV.UK (www.gov.uk) ብመንገዲ እቲ ናትካ ናይ ኣከባቢ ካዉንስል ዌብሳይት ከም ናይ ላይብረሪ ከምኡ እዉን ናይ ድጋፍ ጉጅለታት ዝኣመሰለ ናይቲ ኣከባቢ ኣገልግሎት ዝርዝር ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ግዜ ህጹጽ እዋን ኤመርጀንሲ እንታይ ክትገብሩ ከም ዘሎኩም
ኣብ ግዜ ህጹጽ ናይ ሕክምና ኤመርጀንሲ እዋን ህጹጽ ናይ ሕክምና ሓገዝ እንተደኣ የድሊ ኣሎ ኮይኑ፡ እንድሕር ደኣ ንስኻ ግዳይ ናይ ገበን እንተደኣ ኮይንካ ወይ ድማ እንድሕር ደኣ ናይ ምፍጻም ገበን ጠርጢርካ፡ ወይ ድማ ናይ እሳት ሓደጋ ሪፖርት ክትገብር እንተደኣ ደሊኻ ብቀጥታ ናብ 999 ብምድዋል ነቲ ናይ ኣገልግሎት ኦፐሬተር እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዝደለኻ ግለጸሉ – ፋየር/እሳት፡ ፖሊስ ወይ ኣምቡላንስ ብምባል። ኣብ ግዜ ህጹጽ እዋን/ ኤመርጀንሲ እዋን ናብዘን ቁጽሪ ጥራሕ ክድዉል ኣሎካ።
እንድሕር ደኣ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዘይትዛረብ ኮይንካ ናብ 999 ምስ ደወልካ ኣቀዲምካ ስም ናይቲ ንስኻ ክትዛረበሉ እትመርጽ ቋንቋ ክትጽዉዕ ኣሎካ፡ እንድሕር ደኣ አሎ ኮይኑ ድማ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከቕርቡልካ እዮም። ናብ 999 ዝግበር ደወል ክፍሊት ዘይብሉ ናጻ ደወል እዩ።
ፖሊስ: ሓደ ሰብ ዓመጽ ምስ ዝገብር ወይ ዓመጽ ናይ ምግባር ምፍርራሕ ዝገብር እንተደኣ ኾይኑ፡ ወይ ድማ ገበን ክፍጸም እንተደኣ ርኢኻ፡ ናብ 999 ደዊልካ ፖሊስ ከዛርቡኻ ክትሓትት ይግባእ። ብዛዕባ ገበን ክትሕብር ምስ እትደሊ ወይ ድማ ግዳይ ናይ ሓደ ህጹጽ ምላሽ ዘየድልዮ ገበን እንተደኣ ኮይንካ ናብ 101 ክትድውል ኣሎካ። ንፖሊስ ምርካብ/ ምዝራብ ነቲ ዘሎካ ናይ ዑቕባ ሕቶ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ከምዘይጸልዎ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።
ፋየር/ እሳት ሓደጋ: እንድሕር ደኣ ባርዕ ሓዊ ሪኢኻ ወይ ድማ ከም ትኪ ዝኣመሰሉ ናይ እሳት ሓደጋ ምልክት እንተደኣ ሪኢኻ ቅድሚ ናብቶም ኣብቲ መንበሪ ቤትካ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ብምቅራብ ምሕባርን ናብ 999 ናይ እሳት ሓደጋ ኣገልግሎት ንምሕታት ምድዋልን እታ ንዓኻ ዝቀረበት ዘላ ናይ እሳት ሓደጋ አላርም ወልዓያ። ናይ ባርዕ ሓዊ ከተጥፍእ ክትፍትን ወይ ድማ ናብኡ ክትቀርብ የብልካን።
ኣምቡላንስ: ዝኾነ ሰብ ኣዝዩ ብኸቢድ ሓሚሙ ወይ ድማ መጉዳእቲ በጺሕዎ እሞ ሂወቱ ኣብ ሓደጋ ኣላ ኮይና እሞ ህጹጽ ዝኾነ ናይ ሕክምና ኤመርጀንሲ ኩነታት ኮይኑ ናብ 999 ብምድዋል ኣምቡላንስ ክትጠልብ ይግባእ። ን ኣምቡላንስ ዘየድልዮም ሓፈሻዊ ናይ ጥዕና ጸገማት ምኽሪ ንምርካብ ናብ 111 ክትድዉል ይግባእ። ብዛዕባ እዚ ድጋፍ ንምርካብ ኣብቲ ናትካ መንበሪ ቤት ዘለዉ ሰራሕተኛታት ክትዉከስ ትኽእል ኢኻ።
ዩቲሊቲ: እንድሕር ደኣ ጋዝ ጨንዩካ ናብ ሃገራዊ ናይ ጋዝ መስመር ናይ ኤመርጀንሲ ቁጽሪ (ናሽናል ግሪድ ጋዝ ኤመርጀንሲ) ብቁጽሪ ስልኪ 0800 111 999 ን ኢንግላንድ፡ ስኮትላንድ ከምኡ እዉን ዌልስ ወይ ድማ ኣብ ኖርዘርን ኣየርላንድ 0800 002 001 ብምጥቃም ብቐጥታ ክትድዉል ኣሎካ፡ ካብኡ ቐጺልካ ድማ ብቀጥታ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ብምድዋል ጉዳዩ ክትሕብር ክትክእል ኣሎካ።
ሕቶ ኣሎካ ድዩ፧
ኣብቲ ናይ መእተዊ ሓበሬታ ከምኡ እዉን ናይ ሓበሬታ መጽሓፍ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ
ዌብቻት ኣብ ሚግራንት ሄልፕ ዌብ ቻት/ Migrant Help Web Chat
ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ/ ዌብሳይት ዘለካ ጉዳይ ምቅራብ
ናጻ ናይ ሓገዝ ቁጽሪ ስልኪ ኣብ 0808 8010503.
1ይ ክፋል ናይ ሓተቲ ዑቕባ ዓይነታት መንበሪ ኣባይትን ጉዕዞን
ንሓደ ናይ ዑቕባ ሕቶ ንምስላጥን ናብ ዉሳኔ ንምብጻሕን ዝወስድ ግዜ ዝተፈላለየ ክኸዉን ይኽእል እዩ። እቲ ናትካ ጉዳይ ማዕረ ክንደይ ዝተሓላለኸ እዩ ከምኡ እዉን መርትዖን ሰነዳትን ንኽቀርቡ ክንደይ ዝኣክል ግዜ የድሊ ኣብ ዝብሉ እዩ ዝምርኮስ።
ናይ መንበሪ ቤት ሓዊስካ ንሓደ ሓታቲ ዑቕባ ዝወሃብ ድጋፍ እቲ ሓታቲ ዑቕባ ካልእ ንገዛእ ርእሱ ክድግፈሉ ዝኽእል አማራጺ ዘይብሉ ምስ ዝኸዉን እዩ ዝወሃብ። ናይ ሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ቤት ዝወሃበሉ ኣገባብ ‘ምምራጽ ብዘይፍቀደሉ’ አገባብ እዩ፡ ስለዚ ድማ ኣበይ ክትነብር ከም እትደሊ ክትመርጽ ኣይፍቀደካን እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ቦታ ክትነብር/ክትምደብ ዘድለየካ ፍሉይ ምኽንያት ኣለካ እንተደኣ ኮይኑ፡ ሆም ኦፊስ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዎ እዩ – ብዛዕባ ምምዳብ መንበሪ ቤት ዝምልከት መምርሒ ኣብዚ ዝስዕብ ክርከብ ይከኣል እዩ ፡ Allocation of asylum accommodation policy እቲ ናትካ ናይ መንበሪ ቤት ኣቅራቢ እቲ ንዓኻ ዝቅርበልካ መንበሪ ቤት ንዓኻ ዘድልየካ ዝተፈለየ ነገር እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ እቲ ቤት ነዚ ከም ዘማልእ ከረጋግጽ ኣለዎ።
ክልተ ቀንዲ ዓይነታት ናይ ሆም ኦፊስ መንበሪ ቤት ኣለዉ – ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት (ኢኒሽያል ኣኮሞዴሽን) (እዚ ዓይነት መንበሪ ቤት ሆቴል ወይ ድማ ዓበይቲ ሳይት/ቦታታት ከጠቃልል ይኽእል እዩ) ከምኡ እዉን ናይ ዳሕራይ ትብተነሉ መንበሪ ቤት (ዲስፐርሳል ኣኮሞዴሽን)። ኣብ ናይ ሆም ኦፊስ መንበሪ ቤት ክትነብር ግድን ኣይኮነን፡ ስለዚ ድማ ምስ ቤተሰብ ወይ ድማ መሓዛ ክትቅመጥ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እንድሕር ደኣ እዚ ኣማራጺ ክትወስድ ደሊኻ ንማይግራንት ሄልፕ ክትረኽቦም ንላቦ።
1. ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት
ንስኻ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ትነብር ኣሎኻ። ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት መንበሪ ቤት ሙሉእ ናይ መግቢ ኣቅርቦት፡ ፍርቂ ናይ መግቢ ኣቅርቦት ወይ ድማ መግብኻ ባዕልኻ ትቅርበሉ ዓይነት መንበሪ ቤት ክኸዉን ይኽእል እዩ። እዚ ዝበዝሕ እዋን ናይ ሓባር መንበሪ ቤት (ሼሪንግ ኣኮሞዴሽን) ኮይኑ ኣብ ሆስቴል ዓይነት ወይ ድማ ሆቴል ክኸዉን ይኽእል፡ እንተኾነ ግና ካልእ ዓይነት ቤት እዉን ክኸዉን ይኽእል እዩ። እዚ ነቶም ሓተቲ ዑቅባ ኮይኖም ዘቅረብዎ ናይ ሴክሽን 95 ድጋፍ ማመልከቻ ዉሳኔ ክሳብ ዝወሃቦ ነዚ ኣገልግሎት ተዘይረኺቦም ናብ ፍጹም ድኽነት/ነዳይነት ክወድቁ ዝኽእሉ ምስ ዝኾኑን ብህጹጽ መንበሪ ቤት ዘድልዮም ምስ ዝኸዉንን ዝወሃብ እዩ። ብተወሳኺ እዉን ናይ ሴክሽን 95 ድጋፍ ማመልከቻኦም ተቀባልነት ዝረኸበ (ወይ ድማ ሴክሽን 4) ሓተቲ ዑቅባ ኮይኖም ናብቲ ዝብተኑሉ ናይ ዳሕራይ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ግዝያዊ መንበሪ ቤት (ዲስፐርሳል ኣኮሞዴሽን) ክግዕዙ ዝጽበዩ ዘለዉ እዉን ዝወሃብ እዩ። ካብ ሆም ኦፊስ ድጋፍ ንምርካብ ተቐባልነት ዝረኸቡ ሓተቲ ዑቕባ ኣብቲ ናይ ዳሕራይ ዝብተኑሉ መንበሪ ቤት ቦታ ክሳብ ዝርከብ ወይ ድማ እቲ ዘቅረብዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ሙሉእ ብሙሉእ ዝዉሰን ኣብቲ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም።
2. ናይ ዳሕረዋይ ትብተነሉ መንበሪ ቤት
ናይ ዳሕረዋይ ትብተነሉ መንበሪ ቤት (ዲስፐርሳል ኣኮሞዴሽን) ንነዊሕ እዋን እትጸንሓሉ መንበሪ ቤት ኮይኑ ኣብ ክንዲ ሆም ኦፊስ ኮይኖም ብዝዓዩ ኣቅረብቲ ናይ መንበሪ ቤት ድማ ይመሓደር። እቲ ናትካ ናይ ዑቕባ ሕቶ ሙሉእ ዉሳኔ ክሳብ ዝረክብ ድማ ኣብዚ ናይ ናይ ዳሕረዋይ ትብተነሉ መንበሪ ቤት ክትጸንሕ ኢኻ። ኩሉ ግዜ ኣብ ሓንቲ መንበሪ ቤት ጥራሕ ትጸንሕ ማለት ኣይኮነን።
3. ምስ ቤተሰብ ወይ መሓዛ ምንባር (ብገዛእ ርእስኻ ምንባር)
ከም መጠን ሓታቲ ዑቕባ፡ እቲ ዘቅረብካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዉሳኔ ክሳብ ዝረክብ ኣብ ናይ ሆም ኦፊስ መንበሪ ቤት ኣብ ክንዲ ምንባር ምስ መሓዛ ወይ ድማ ምስ ቤተሰብ ክትቅመጥ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ንስኻ ትቕመጠሉ ዘሎኻ ቦታ ንዉጽኢት ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣይጸልዎን እዩ።
ብቁዑ እንተደኣ ኮይንካ፡ ንኣገደስቲ ዝኾኑ ናይ መነባብሮ ወጻኢታት ድጋፍ ክወሃበካ ብቁዕ ክትከዉን ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ብገዛእ ርእስኻ ምንባር ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ አሳይለም ሳፖርት፡ ምስ መሓዛ ወይ ቤተሰብ ምንባር ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ዑቅባ ዉሳኔ ዉሳኔ ድሕሪ ምዉሃቡ ካብኡ ንቕድሚት ምቕጻል(ሙቭ ኦን)
ኣሉታዊ ዉሳኔ
እንድሕር ደኣ እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ተነጺጉ(ዋላ እዉን እቲ ይግባይ) እሞ ምሳኻ ዝነብሩ ቆልዑ እንተዘይብልካ ካልእ ዝተፈልየ ናይ ሆም ኦፊስ ድጋፍ ክሳብ ዘየመልከትካ ካብቲ መንበሪ ቤት ክትወጽእ ኣሎካ። እንድሕር ደኣ እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ተነጺጉ እሞ ምሳኻ ዝነብሩ ቆልዑ ድማ ኣለዉኻ ኮይኖም እቲ ናይ ሕቶ ዑቅባ ደገፍ ዝቅጽል ክኸዉን እዩ። እንድሕር ደኣ እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ተነጺጉ እሞ ዝኾነ ናይ ግዝያዊ ዕንቅፋት ዘየለ ኮይኑ ካብ ሃገረ ዩኬ ክትወጽእ እዩ ትጽቢት ዝግበረልካ። እቲ ዉሳኔ ካብ ሆም ኦፊስ ምስ ተወሃበካ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ማይግራንት ሄልፕ ምኽርን መምርሕን ክህቡኻ እዮም። ብዛዕባ እዚ ኣማራጺ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደኣ ደሊኻ፡ ብወለንታ ናይ ምምላስ ኣገልግሎት ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ 9ቅ.ቀ ክሳብ 5ድ.ቀ ብቴሌፎን 0300 004 0202 ኣገልግሎት ይህብ።
ኣወንታዊ ዉሳኔ
እንድሕር ደኣ ናይ ሊቭ ቱ ሪሜይን መንበሪ ፍቃድ ተዋሂቡካ፡ ንስኻን ምሳኻ ዘለዉ ኣባላት ስድራቤትካን ካብቲ ናይ ሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ቤት ክትወጽኡ ኣለኩም፡ ናይ ሆም ኦፊስ ሳፖርት ድጋፍ ድማ ጠጠዉ ክብል እዩ። እንድሕር ደኣ ናይ ግራንት ሊቭ ቱ ሪሜይን መንበሪ ፍቃድ ተዋሂቡካ፡ ስራሕ ናይ ምስራሕ ፍቓድ ኣሎካ፡ ናይ ህዝባዊ ድጋፍ(ፓብሊክ ሰርቪስ) ክትረክብ ይፍቀደካ እዩ፡ ገዛ ክትደሊን ብዛዕባ እዚ ድማ ከም ኩሉ ናይ ሃገረ ዩኬ ነባሪ ሓደ ዓይነት ድጋፍ ክትረክብ ብቁዕ ኢኻ። ኣስተዉዕል፡ ኣብ ሃገረ ዩኬ ሕጽረት ናይ ገዛ ስለ ዘሎ ናይ ባዕልኻ ገዛ ንኽትረክብ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ዋላኳ እቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓበሬታን ምኽርን ዝህበካ እንተኾነ ናይ ባዕልኻ ናይ ብሕቲ ገዛ ክትደሊ ከድልየካ ይኸዉን እዩ። ምስ ማይግራንት ሄልፕ ዝግበር ከም ናይ ‘ንቕድሚት ምቕጻል(ሙቭ ኦን)’ ደወል ምኽርን መምርሕን ክወሃበካ እዩ፡ እዚ ድማ እቲ ዉሳኔ ምስ ተወሰነ ኣብ ዉስጢ 24 ሰዓታት ዝካየድ እዩ ወይ ድማ ናብቲ ምምሕዳር ከባቢ ብምድዋል ነዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ትጽቢታት
ኩሉ ግዜ ብኽብረት፡ ብፍትሓዉነትን ዘይወገናዉነትን እኻ እትተሓዝ። ብማዕሪኡ ድማ ንስኻ ንኹሎም ሰራሕተኛታትን ምሳኻ ንዝነብሩ ሰባትን ልክዕ ብኸምኡ ኣገባብ ክትሕዞም ኣሎካ።
ብዛዕባ ናይ መንበሪ ቤትካ ዝምልከት ዝኾነ ሽግር እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ እዚ ኣብ ዝረኣኻሉ እዋን ቀልጢፍካ ንማይግራንት ሄልፕ ብምርካብ ሪፖርት ክትገብር ኣሎካ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ወይ ናይ ዑቕባ ድጋፍ ናይ ምርካብ መሰልካ ዝኾነ ነገር ወይ ጸገም ሪፖርት ብምግባርካ ዝትንከፍ ኣይኮነን።
እንድሕር ደኣ ናይ ሊቭ ቱ ሪሜይን መንበሪ ፍቃድ ተዋሂቡካ፡ ንስኻን ምሳኻ ዘለዉ ኣባላት ስድራቤትካን ካብቲ ናይ ሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ቤት ክትወጽኡ ኣለኩም፡ ናይ ሆም ኦፊስ ሳፖርት ድጋፍ ድማ ጠጠዉ ክብል እዩ። እንድሕር ደኣ ናይ ግራንት ሊቭ ቱ ሪሜይን መንበሪ ፍቃድ ተዋሂቡካ፡ ስራሕ ናይ ምስራሕ ፍቓድ ኣሎካ፡ ናይ ህዝባዊ ድጋፍ(ፓብሊክ ሰርቪስ) ክትረክብ ይፍቀደካ እዩ፡ ገዛ ክትደሊን ብዛዕባ እዚ ድማ ከም ኩሉ ናይ ሃገረ ዩኬ ነባሪ ሓደ ዓይነት ድጋፍ ክትረክብ ብቁዕ ኢኻ። ኣስተዉዕል፡ ኣብ ሃገረ ዩኬ ሕጽረት ናይ ገዛ ስለ ዘሎ ናይ ባዕልኻ ገዛ ንኽትረክብ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ዋላኳ እቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓበሬታን ምኽርን ዝህበካ እንተኾነ ናይ ባዕልኻ ናይ ብሕቲ ገዛ ክትደሊ ከድልየካ ይኸዉን እዩ። ምስ ማይግራንት ሄልፕ ዝግበር ከም ናይ ‘ንቕድሚት ምቕጻል(ሙቭ ኦን)’ ደወል ምኽርን መምርሕን ክወሃበካ እዩ፡ እዚ ድማ እቲ ዉሳኔ ምስ ተወሰነ ኣብ ዉስጢ 24 ሰዓታት ዝካየድ እዩ ወይ ድማ ናብቲ ምምሕዳር ከባቢ ብምድዋል ነዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ትጽቢታት
ኩሉ ግዜ ብኽብረት፡ ብፍትሓዉነትን ዘይወገናዉነትን እኻ እትተሓዝ። ብማዕሪኡ ድማ ንስኻ ንኹሎም ሰራሕተኛታትን ምሳኻ ንዝነብሩ ሰባትን ልክዕ ብኸምኡ ኣገባብ ክትሕዞም ኣሎካ።
ብዛዕባ ናይ መንበሪ ቤትካ ዝምልከት ዝኾነ ሽግር እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ እዚ ኣብ ዝረኣኻሉ እዋን ቀልጢፍካ ንማይግራንት ሄልፕ ብምርካብ ሪፖርት ክትገብር ኣሎካ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ወይ ናይ ዑቕባ ድጋፍ ናይ ምርካብ መሰልካ ዝኾነ ነገር ወይ ጸገም ሪፖርት ብምግባርካ ዝትንከፍ ኣይኮነን።
ምስጢራዉነትን ሓበሬታ ምክፋልን
ሆም ኦፊስን ናትና ኣቅረብቲ ናትካ ዉልቃዊ ሓበሬታታት ብምስጢራዊ መንገዲ ይሕዝዎን ይዕቅብዎን። ገለ ገለ ኩነታት ግና ኣለዉ እቲ ናትካ ሓበሬታ ምስ ካልኦት ኤጀንሲታት እንካፈሎ። እዚኣቶም ዘጠቃልልዎ ድማ፡
- ምስ ናይ ኣከባቢ ኮዉንስል ሓበሬታ ምክፋል እዚ ድማ ሾሻል ኬር፡ ናይ መንበሪ ቤት ስፔሻሊስት፡ ወይ ድማ ምትዕርራያት ናይ መንበሪ ንኽግበረልካን እዩ።
- ምስ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ሓበሬታ ምክፋል እዚ ድማ ነቲ ንስኻ ዘሎካ ሓፈሻዊ ናይ ጥዕና ድሌታትን ዝኾነ ናይ ጥዕና ጸገማትን ብዝምልከት እቲ ግቡእ ናይ ጥዕና ክንክን ትረክብ ከም ዘሎኻ ንምርግጋጽ እዩ።
- ንዓኻ ንምሕላዉን ናትካን ናይ ቤተሰብካን ብፍላይ ድማ ናይ ቁልዑን ንሓደጋ ተጋለጽቲ ዝኾኑ ሰባትን ‘ዉሕስነት’ ንምሕላዉ ሓበሬታ ምክፋል።
- ኣገልግሎት ክህቡ ንኽክእሉ ምእንቲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሓብሬታታት ምስ ናይ ትምህርቲ በዓል ስልጣን ምክፋል።
- ንዓኻ ኣብዚ ማሕበረሰብ ዉሕስነት ብዘለዎ መንገዲ ክንሕዘካ ክንክእል ምእንቲ ብዛዕባ ገበን ዝምልከት ናብ ፖሊስ ሪፖርት ምግባር።
- ምትላል ንምምካት ሓበሬታ ምክፋል
- ብዛዕባ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ ብዝተኣሳሰር ሓበሬታ ምግላጽ
ዝኾነ ናትካ ሓበሬታ ዝተወሃቦም ኤጀንሲ ድማ ነቲ ናትካ ዉልቃዊ ሓበሬታ ሚስጢራዉነቱ ክሕልዉ ኣለዎም። ንሆም ኦፊስ ወይ ካልኦት ትካላት ድማ ብዛዕባኻ ሒዞሞ ዘለዉ ሓበሬታ ንኸርእዩኻ ብመንገዲ ርእሰ-ጉዳይ ናይ ምርኣይ ሕቶ/ሳብጀክት ኣክሰስ ሪኩየስት “subject access request” ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ናይ ድጋፍ ቅድመ ኩነት
- ነቲ ንዓኻ ዝተገብረልካ ናይ ጉዕዞ ምድላዋት ክትክተሎ ኣለካ። ንኣብነት ናብ ካልእ መንበሪ ቤት ምግዓዝ። ነቲ ናይ ጉዕዞ ምድላዋት ክትክተል ዘይትኽእለሉ ምኽንያት እንተሃልዩካ ኣቐዲምካ ንሆም ኦፊስ ክትሕብር ኣለካ።
- ኣብቲ ንኽትነብረሉ ዝተፈቀደልካ ኣድራሻ ክትቅመጥ ኣሎካ። ኣከታቲልካ ንልዕሊ 7 መዓልታት ካብቲ ቦታ ወጺኻ ክትከይድ እንተደኣ ደሊኻ ንማይግራንት ሄልፕ ብምርካብ ካብ ሆም ኦፊስ ፍቃድ ክትረክብ ከድልየካ እዩ። ኣብ ዝኾነ ናይ 6 ወርሒ ግዜ ንልዕሊ 14 መዓልታት ወይ ለይትታት ብኩራት ክህልወኩም የብሉን።
- ሕግታት ናይቲ እትነብረሉ መንበሪ ቤት ክትክተል ኣለካ። ኣቅራቢ ናይ መንበሪ ቤት ሕግታት ናይቲ መንበሪ ቤት ክነግረካ እዩ።
- ዓመጽ ዘለዎ ባህሪ ክትገብር የብልካን ወይ ናይ ቓል ወይ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክትገብር የብልካን ሕግታት ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ክትክተል ኣለካ። ዓመጽ ዝመልኦ ባህርያት ምርኣይ ብገበን ከኽስሰካን ከምኡውን ናይ መንበሪ ቤትን ፋይናንሳዊን እትረኽቦ ድጋፍ ናይ ምስኣን ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል።
- ናይ ፋይናንሳዊ ድጋፍ ዝወሃበካ ብስሩዕ ክትወስዶ ክትክእል ኣሎካ ናይ ሴክሽን 95/ሴክሽን 4 ድጋፍ ተቀባልነት ምስ ረኸብካ፡ ኣብቲ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ኣብ ዘለኻሉ እዋን ዘሎካ ዝኾነ ተወሳኺ ወጻኢታት ንምሽፋን ሰሙናዊ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክወሃበካ እዩ።
- ነቲ ናይ ሆም ኦፊስ ሕቶ ክትምልስ ክትክእል ኣሎካ። እዞም ዝሕተቱ ነገራት ነዞም ዝስዕቡ ከጠቃልል ይኽእል፡
- ምስ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ።
- ምስ ናይ ዑቕባ ደገፍካ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ ከምኡዉን
- ኣብ ዝኾነ ቃለ መሕትት ክትርከብ ምኽኣልካ
ቅድመ ኩነት ናይቲ ዝወሃበካ ድጋፍ እንተዘይኣማሊእካ እቲ ድጋፍ ናይ ምስኣን ሓደጋ ኣለካ።
ኣብ ኩነታትካ ዘሎ ለውጢ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ቤትን ደገፍን ኣብ እትቕበልሉ እዋን፡ ኣብ ኩነታትካ ዘጋጥም ዝኾነ ለውጢ እንተሃልዩ ብቕልጡፍ ንሆም ኦፊስ ክትሕብር ኣለካ። ነዚ ንምግባር እቲ ዝቐለለ መንገዲ በማይግራንት ሄልፕ እዩ። ድሕሪ ሕጂ መንበሪ ቤት ዘየድልየካ እንተኾይኑ፡ ኣብዚ ኩነታት እዚ እዉን ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ እንተኾነ ግን መጀመርታ ክትሓትት ኣለካ (እንተኾነ ግን እዚ ነቶም ብመሰረት ሴክሽን 4 ደገፍ ዝወሃቦም ሓቂ ኣይኮነን)።
ንሆም ኦፊስ ክትነግሮም ዘለካ ናይ ኩነታትካ ለውጢ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
- ገንዘብ ወይ ፋይናንሳዊ ንብረት እንተረኺብካ ወይ ኽትረክብ እነተክኢልካ
- ስኮላርሺፕ ወይ ካልእ ዝኾነ ኣካዳሚያዊ ሽልማት እንተረኺብካ
- ስራሕ እንተረኺብካ (ቅድሚ ስራሕ ምርካብካ ክትሰርሕ ይፍቀደካ እንተደኣ ኮይኑ ከተረጋግጽ ኣለካ
- ኣቅረብቲ ናይ መንበሪ ቤት ከይፈለጡ ናብ ካልእ ኣድራሻ እንተግዒዝካ፡ ወይ ምስ ስድራቤትካ፡ ኣዕሩኽትኻ ወይ መጻምድትኻ ክትነብር እንተ ወሲንካ።
- እንድሕር ደኣ ንስኻ ተመርዒኻ፡ ተፋቲሕካ፡ ተፈላሊኻ፡ ወይ ሲቪላዊ ዝምድና ጌርካ እንተደኣ ኮይንካ
- ሆስፒታል እንተደኣ ኣቲኻ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተ ኣቲኻ
- ንስኻ (ወይ መጻምድትኻ) እንተጠኒስካ ወይ ቆልዓ እንተወሊድካ
- ዝኾነ ካብ ደቅኻ ካብ ቤት ትምህርቲ እንተወጺኡ ወይ ካብ ገዛ እንተወጺኡ
- ካልእ ኣባል ስድራቤትካ ኣብ ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ እንተተጸንቢሩካ ወይ ካብ ዓዲ እንግሊዝ እንተወጺኡ
- ካልእ ሰብ ናብ ስድራቤትካ እንተተጸንቢሩ ወይ እንተወጺኡ
- ስምካ እንተደኣ ለዊጥካ
- ካብ ዓዲ እንግሊዝ ወጺእካ ናብ ዓድኻ ክትምለስ መደብ ኣለካ እንተኾይኑ
ብዛዕባ ኣብ ኩነታትካ ዘጋጠም ለውጢ እንተዘይነጊርካና፡ እዚ ዝስዕብ ከጋጥም ይኽእል እዩ:
- ካብ ሆም ኦፊስ እትረኽቦ ድጋፍ ምቁራጽ
- ክትረኽቦ ዝግበኣካ ተወሳኺ ደገፍ ዘይምርካብ” ( ናይ ጥንስን ወሊድን ክፍሊት ዝኣመሰለ)
- ክትረኽቦ ዝግበኣካ ዘይነበረ ዝተወሃብካዮ ዝኾነ ደገፍ መሊስካ ክትከፍሎ
- ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዑቕባን 1999 ብዝተፈጸመ ገበን ገበነኛ ክትከውን
ብዛዕባ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ድጋፍ ዉሳኔ ዝምልከት ይግባይ ምባል
መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ (ናይ ሓተቲ ዑቕባ ደገፍ) ይግባይ ክትብል ትኽእል እዞም ዝስዕቡ እንተደኣ ኣጋጢሞም እዩ:
- ናይ ዑቕባ ደገፍ ከምኡዉን/ወይ ድማ ናይ መንበሪ ቤት ሕቶኻ ተነጺጉ እንተደኣ ኮይኑ
- ብመሰረት ሴክሽን 4 ናይ ዑቕባ ደገፍ ትረክብ ነይርካ፡ ግና ሕጂ ደው ኢሉ እንተደኣ ኮይኑ።
- ብመሰረት ሴክሽን 95 ናይ ሓተቲ ዑቕባ ደገፍ ትረክብ ነይርካ፡ እቲ ደገፍ ብኻልእ ኣገባብ ከይተወድአ ድማ ደው ኢሉ ምስ ዝህሉ።
ማመልከቻኻ እንተተነጺጉ ወይ እቲ ዝወሃበካ ደገፍ እንተደኣ ጠጠዉ ኢሉ ንምንታይ እቲ ውሳነ ከምዝተወሰነ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ ሆም ኦፊስ ክመጸካ እዩ። እቲ ደብዳበ ይግባይ ክትብል ትኽእል እንተኾንካን ብኸመይ ይግባይ ክትብል ከም እትኽእልን እውን ክሕብረካ እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ካብ መንግስቲ ነጻ እዩ። እቲ ዳኛ ቅድሚ ውሳነ ምሃቡ ንኽልቲኡ ወገን ናይቲ ክትዕ ክሰምዕ እዩ። ዝወሃበካ ደገፍ ደው ኢሉ እንተኾይኑ፡ ነዚ ዉሳኔ ድማ ይግባይ እንተ ሓቲትካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ይግባይ ክሳብ ዝውዳእ ዝወሃበካ ደገፍ ክቕጽል ኣለዎ። ናይ ይግባይ ቅጥዕታት ኣብዚ ክርከብ ይከኣል እዩ
ቅድሚ ይግባይ ምባልካ ሓገዝን ምኽርን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ:
- ናይ ይግባይ ቅጥዒ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ (ናይ ሓተቲ ዑቕባ ደገፍ) እንተሰዲድካ ነጻ ሕጋዊ ውክልና ንምርካብ ንናይ ሓተቲ ዑቕባ ድጋፍ ናይ ይግባይ ፕሮጀክት (አሳይለም ሳፖርት አፒል ፕሮጀክት ኤኤስኤፒ) ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።
- ምኽርን ደገፍን ንምርካብ ንረፊጂ ኣክሽን (ኣብ ፍሉያት ዞባታት ናይ ኢንግላንድ ዝሰርሕ) ከምኡዉን ንረፊጂ ካዉንስል (ኣብ ኢንግላንድን ዌልስን) ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ - እዚኦም ድማ ካልእ ዝሕግዘኩም ትካል ክረኽቡልኩም ይኽእሉ እዮም።
- ጠበቓ ሓዊሱ ካልእ ሕጋዊ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ተወከስ
- ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
2ይ ክፋል ኣገደስቲ ትካላት
ሆም ኦፊስ
ሆም ኦፊስ ማለት እንታይ እዩ ፧
ሆም ኦፊስ ኣብ ጸጥታን ቁጠባዊ ብልጽግናን ዓባይ ብሪጣንያ መሰረታዊ ተራ ዘለዎ እዩ። ሆም ኦፊስ ብዛዕባ ኢሚግሬሽንን ፓስፖርትን፡ ፖሊሲ ዕጸፋርስ፡ ገበን፡ ባርዕ ሓዊ፡ ጸረ-ሽበራን ፖሊስን ዝመርሕ ክፍል መንግስቲ እዩ። ንስኻ ብቐጥታ ክትራኸቦ እትኽእል ናይ ሆም ኦፊስ ክፋል ጉዳያት ዑቕባን ሓለዋን ይበሃል።
ኣነ ካብ ሆም ኦፊስ እንታይ ክጽበ ይኽእል ፧
ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ብኣገልግሎት ዓማዊል ናይ ዑቕባ ዳይረክቶሬት ጉጅለ ስርሒታት(ካስተመር ሰርቪስ ዳይሬክተሮት አሳይለም ኦፐሬሽንስ ቲም) ክረኣይን ክግምገምን እዩ። እዚ ናይ ሆም ኦፊስ ክፍሊ እዩ። ናትካ ናይ ሕቶ ዑቕባ ዕዉት ድዩ(ኣወንታዊ ዉሳኔ ዝወሃቦ ድዩ) ኣይኮነን ኣብ ገምጋም ናቶም እዩ ዝምርኮስ፡ ብዛዕባ እቲ ዝውሰድ ውሳነ ድማ ምሳኻ ክራኸቡ እዮም።
ኣብ ውሽጢ ሆም ኦፊስ ዝርከቡ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ደገፍ ጉጅለታት ንስኻ እንታይ ዓይነት ደገፍ ክትረክብ ከም ዘለካ ናይ ምውሳንን ነዚ ደገፍ ድማ ዘቕርቡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ምክትታልን ሓላፍነት ኣለዎም። ናይ ሓተቲ ዑቕባ ደገፍ ጉጅለታት እውን ብኣቅረብቲ መንበሪ ቤት ዝወሃብ ኣገልግሎት ኣብዚ ናይ ሓበሬታ መጽሓፍ ዝተቐመጠ ትጽቢታት ከምዘማልኡ ዘለው ከረጋግጹ እዮም።
ሆም ኦፊስ ካባይ እንታይ እዩ ዝጽበ፧
ሆም ኦፊስ ናይ ዝወሃበካ ድጋፍ ኩሉ ቅድመ ኩነት ክትሕሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኩነታትካ ዘጋጥም ዝኾነ ለውጢ ክትነግረና ንጽበ። እዚ እንተዘይጌርካ፡ እቲ ዝወሃብካ ቀጻሊ ናይ ደገፍ መሰልካ ክጽሎ ተኽእሎ ኣሎ።
ካብ ሆም ኦፊስ ዝለኣኸልካ ደብዳቤታት ሸለል ኣይትበል ምኽንያቱ እዚ ነቲ ትወሃቦ ድጋፍ ክቋረጽ ወይ ክንጸግ ክገብሮ ይኽእል እዩ። እቲ ደብዳቤ እንታይ ማለት ምዃኑ ርግጸኛ እንተዘይኮይንካ፡ ምኽርን መምርሕን ንምርካብ ምስ ማይግራንት ሄልፕ ተራኸብ።
ብዛዕባ ብመንግስቲ ዝወሃቡ ኣገልግሎት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽብ ትኽእል ኢኻ
ናትካ መንበሪ ቤት ኣቅራቢ
መንበሪ ቤት ኣቅራቢ ማለት እንታይ እዩ፧
ኣቅራቢ መንበሪ ቤት ንሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ኣባይቲ ንምቅራብን ነቲ መንበሪ ቤት ንምምሕዳርን ብሆም ኦፊስ ኩንትራት ዝተወሃቦ ትካል እዩ። ናይ መንበሪ ቤት ኣቅረብቲ ከከም ቦታኦም ይፈላለዩ እዮም።
ትርጉም ናይ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ
ስኮትላንድ፡ ሚርስ ግሩፕ
ኖርዘርን ኣየርላንድ፡ ሚርስ ግሩፕ
ኖርዝኢስት፡ ዮርክሻየርን ሃምበርሳይድ፡ ሚርስ ግሩፕ
ኖርዝዌስት፡ ሰርኮ
ሚድላንድን ኢስት ኢንግላንድን፡ ሰርኮ
ዌልስ፡ ክሊርስፕሪንግ ሬዲ ሆምስ
ሳዉዝ፡ ክሊርስፕሪንግ ሬዲ ሆምስን ሲቲኤም(ሆቴል ጥራሕ)
ካብቲ ኣቅራቢ መንበሪ ቤት እንታይ እየ ትጽቢት ክገብር ዘሎኒ፧
- ኣቅራቢ መንበሪ ቤት ዝህቦ ኣገልግሎት ነዞም ዝስዕቡ የጠቃልል:
- ጽሩይ፡ ውሑስን ንኽትነብረሉ ትኽእልን መንበሪ፡ ኣቑሑት ገዛ፡ መሳርሒታትን ኣገልግሎታትን ዘለዎ መንበሪ ገዛ ምቅራብን ምምሕዳርን
- መጀመርያ ኣብ ዝመጻእካሉ እዋን ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዝቐርብ ኣገልግሎታት ዘጠቃልል ብዛዕባ እቲ መንበሪ ቤት ዝምልከት መእተዊ ሓበሬታ ምሃብ።
- ምግቢ ዘለዎ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ናይ መግቢ ኣቅርቦት ዘለዎ ኣገልግሎትን ኣገደስቲ ናይ ውልቃዊ ጽሬት ኣቑሑትን ናይ ሽቓቕ ኣቑሑትን ምቕራብ።
ከም ኣማራጺ ድማ ነቶም ኣብ ባዕሎም መግቦም ኣዳልዮም ዝምገቡሉ መንበሪ ኣባይቲ ዘለዉ፡ ነዚኦም ድሌታት ንምምላእ ዘኽእል ወጻኢታት ንምሽፋን ጥረ ገንዘብ ምሃብ። ኣስተዉዕል፡ እቶም ኣብ ሰክሽን 4 ደገፍ ዘለዉ ሰባት ናይ ገንዘብ ደገፍ ክወሃቡ መሰል የብሎምን፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ናብ ኣስፐን ካርድ ዝኣቱ ገንዘብ ክወሃቦም እዩ)።
- ነፍሰጾራትን ዕሸላትን ኣብ ምሉእ ናይ መግቢ ኣቅርቦት ወይ ፍርቂ ናይ መግቢ ኣቅርቦት ኣብ ዝህብ መንበሪ ቤት ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ተወሳኺ ናይ መግቢን መነባብሮን ዘድልየን ነገራት ንምምላእ ተወሳኺ ኣቅርቦት (ናፒስ፡ ፎርሙላ፡ ጸባ፡ ምውሳኽ ኣቅርቦት ናይ መግቢ፡ ናይ ህጻናት መስተዩ ጥጦ መጽረዩ መሳርሒታት ወዘተ) ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።
- ጽቡቕ ሂወት ናትካ ምድንፋዕ፡ እዚ ሓጋዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ናብ ዝምልከቶም ኤጀንሲ ሪፈራል ምግባር ዘጠቃልል።
- ምሳኻ ኣብ ዝዘራረቡሉ እዋን እዋን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ናይ ዘረባን ጽሑፍን ትርጉም ኣገልግሎት ምሃብ
- ናይ ርእይቶን ጥርዓናትን መስርሕ ምግላጽን ዝኾነ ጥርዓን ኣብ ዘቅረብካሉ እዋን ድማ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ምፍታሕ።
- ኣብቲ መንበሪ ቤት ክኽሰቱ ዝኽእሉ ጸረ-ማሕበራዊ ወይ ረባሺ ባህርያት ምምሕዳር።
- ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ናይ ሓፈሻዊ ሓኪም (ጂፒ) ኣበይ ከምዘሎ ምሕባር ወይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረካ ናይ ጥዕና ጸገማት እንተሃልዩካ ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክትምዝገብ ምሕጋዝ (ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ነርስ ፕራክቲሽነር እንተዘይሃልዩ)
- መጀመርያ ኣብ ዝመጻእካሉ እዋን፡ ወይ ኣብቲ መንበሪ ቤት እትነብረሉ ዘሎኻ እዋን፡ ክንክን ጥዕና እንተድኣ ኣድልዩካ ክትረክብ ምሕጋዝ (እዚ ብመንገዲ ኣካየድቲ ድሕነት ነበርቲ፡ ጉጅለታት ዉሕስነት፡ ወይ ናይ ቤት ማናጀራት ክካየድ ይኽእል)
- ናይ ሴክሽን 4ን ሴክሽን 98ን ድጋፍ ዝቅበሉ ዘለዎ ሰባት ናይ ጉዕዞ ሓገዝ ምሃብ - ወይ መጓዓዝያ ብምቕራብ ወይ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ትኬት ብምሃብ - ንሓኪም፡ ንሓኪም ስኒን ሆስፒታልን ቆጸራታት፡ ቅድሚ ሕርሲ ወይ ድሕሪ ሕርሲ ዝግበር ቆጸራታት፡ ወይ ድማ ናይ ዉልደት ወይ ሞት ናይ ኣባላት ስድራቤት ንምምዝጋብ ንዝግበር ጉዕዞ። በጃኻ ኣስተውዕል፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕናን ህዝባዊ መጓዓዝያን ክትጥቀም ኣሎካ፡ ከምኡ’ውን ናይ ዝኾነ ቆጸራ መረጋገጺ (ንኣብነት፡ ናይ ቆጸራ ደብዳበ) ከተቕርብ ኣሎካ ብዝተኻእለ መጠን ነዚ ወሃቢ ኣገልግሎት ኣቀዲምካ ምልክታ ክትህብ ኣሎካ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝምችእ ግዜ ነዚ ነከሳልጥ ስለ ዝሕግዞ እዩ። ንዝኾነ ናይ መጓዓዝያ ዝምልከት ጉዳይ እንተሃልዩ ንማይግራንት ሄልፕ ክትዉከስ ንላቦ።
ኣብ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ኣብ እትነብረሉ ዘሎኻ እዋን ኣብ መንበሪ ቤትካ ዝኾነ ጸገም እንተሃልዩካ ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ በዞም ዝስዕቡ ብምጥቃም ክትሕብር ኣሎካ:
ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ/ ዌብሳይት ዘለካ ጉዳይ ምቅራብ:
ናጻ ናይ ሓገዝ ቁጽሪ ስልኪ 0808 8010503.
ብድሕሪኡ ኣብ ክንዳኻ ኮይኖም ነቲ ጉዳይ ምስ ኣቅራቢ መንበሪ ቤት ከልዕልዎ እዮም። ንዝያዳ ሓበሬታ ‘ብዛዕባ ጉዳያት ሪፖርት ምግባርን ጥርዓናትን’ ተመልከት።
ኣብ ናይ ሆም ኦፊስ መንበሪ ቤት ክትነብር ግድን እዩ ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ዘቅረብካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዉሳኔ ክሳብ ዝረክብ ኣብ ናይ ሆም ኦፊስ መንበሪ ቤት ኣብ ክንዲ ምንባር ምስ መሓዛ ወይ ድማ ምስ ቤተሰብ ክትቅመጥ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ንስኻ ትቕመጠሉ ዘሎኻ ቦታ ንዉጽኢት ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣይጸልዎን እዩ። ብዛዕባ ብገዛእ ርእስኻ ምንባር ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ አሳይለም ሳፖርት፡ ምስ መሓዛ ወይ ቤተሰብ ምንባር
ኣቅራቢ ናይ መንበሪ ቤት ካባይ እንታይ እዩ ክጽበ፧
ነቲ መንበሪ ቤት ብግቡእ ኣተሓሕዛ ክትሕዞም ይግባእ። እዚ ድማ ጽሬቱ ምሕላውን ኣብ ውሽጢ እቲ መንበሪ ቤት ንዝርከቡ መሳርሒታትን ንብረታትን ከይዓኑ ምጥንቃቕን የጠቓልል።
ንዝኾነ ኣብቲ መንበሪ ቤት ምሳኻ ሓቢሩ ዝቅመጥ ሰብን ንዝኾነ እትረኽቦ ሰራሕተኛን እውን ኣኽብሮት ክትሕዞም ይግባእ።
ማይግራንት ሄልፕ
ማይግራንት ሄልፕ ማለት እንታይ እዩ፧
ማይግራንት ሄልፕ ካብ ሆም ኦፊስ ዝተፈለየ ኣካል ኮይኑ ምኽሪ፡ ጉዳያት ሪፖርት ምግባርን ብቑዕነትን (አድቫይስ፡ ኢሹ ሪፖርቲንግ ኢሊጂቢሊቲ/ ኤ.ኣይ.ኣር.ኢ/AIRE) ዝበሃል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘካይድ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል እዩ። ማይግራንት ሄልፕ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባን መሰላትካን ናጻን ዘይወገናዉን ምኽርን መምርሕን ክህበካ ይኽእል እዩ። ናብ ካልኦት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኣገልግሎታት እውን ክመርሑኻ ይኽእሉ እዮም። ነቲ መንበሪ ቤት ብግቡእ ኣተሓሕዛ ክትሕዞም ይግባእ። እዚ ድማ ጽሬቱ ምሕላውን ኣብ ውሽጢ እቲ መንበሪ ቤት ንዝርከቡ መሳርሒታትን ንብረታትን ከይዓኑ ምጥንቃቕን የጠቓልል።
ንዝኾነ ኣብቲ መንበሪ ቤት ምሳኻ ሓቢሩ ዝቅመጥ ሰብን ንዝኾነ እትረኽቦ ሰራሕተኛን እውን ኣኽብሮት ክትሕዞም ይግባእ።
ካብ ማይግራንት ሄልፕ እንታይ እየ ትጽቢት ክገብር ዘሎኒ፧
ማይግራንት ሄልፕ ፋይናንሳዊ ደገፍ፡ መንበሪ ቤት፡ ሕጋዊ ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ብሕጊ ክትረኽቦም ዝግበኣካ ኣገልግሎታት ክትረክብ ክሕግዘካ እዩ። ቅድሚ ናይ ዑቕባ ሕቶ ቃለ-መጠይቕ ምግባርካ፡ መስርሕ ናይ ዑቕባ ምሕታት፡ ናይ ደገፍ መሰላትካን ካልኦት ኣገደስቲ ኣገልግሎታት (ክንክን ጥዕናን ሕጋዊ ምኽርን ሓዊስካ) ብኸመይ ክትረኽቦ ከም እትኽእል ንምርዳእ ዝሕግዘካ ሓበሬታ ክህቡኻ እዮም። ኣድላዪ እንተኾይኑ ናይ ቋንቋ ተርጓሚ ክገብሩልካ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ምጅማር ናይቲ ደወል ክትሓትት ኣሎካ።
ናይ ማይግራንት ሄልፕ ነጻ ናይ ሓገዝ መስመር ብቋንቋኻ ምኽሪ ክህበካ ይኽእል እዩ። ማይግራንት ሄልፕ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም፡
- ከመይ ጌርካ ዑቕባ ትሓትት
- ገንዘባዊ ደገፍ
- ሕጋዊ ውክልና ምርካብ
- መስርሕ ናይ ዑቕባ ምሕታት
- ክንክን ጥዕና ምርካብ
- ናይ መንበሪ ቤት ደገፍ
ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ብዛዕባ ሆም ኦፊስ ቅሬታ ከተቅርብ ትኽእል ኢኻ፡ እንተኾነ ግና እዚ ቅሬታ ምስ ናይ ሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ቤት ወይ ዝወሃብ ደገፍ ዝተሓሓዝ ክኸዉን ኣለዎ። መጀመርታ ዝኾነ ዘሎካ ስክፍታታት ቅድሚ ናብ ዝኾነ ካልእ ዓይነት ስጉምቲ ወይ ጥርዓን ምኻድካ ከም ቀዳማይ ደረጃ ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ቅሬታኻ ከተቅርብ ኣለካ።
ብዛዕባ ምሕታት ዑቕባ ወይ ኣብ ልዕሊ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ይግባይ ምባል ዝምልከት ዝቐርብ ጥርዓን ተቐባልነት ኣይረክብን እዩ፡ ነዚኦም ንምስላጥ ድማ ኣብ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ደብዳቤታት ዝተዋህበ መምርሒታት ክትክተል ይግባእ።
ኢ-ቪዛ, ኣፕሊኬሽን ረጂስትሬሽን ካርድ (ኤ.ኣር.ሲ) ጌጋታት፡ ከምኡውን ምስ ፍቓድ ስራሕ (ፒ.ቲ.ዳብሊዉ) ዝምልከት ጉዳያት ምስ ማይግራንት ሄልፕ ክለዓሉ የብሎምን። ኣብ ክንድኡ፡ እዞም ጉዳያት እዚኦም ናብዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ሪፖርት ክትገብር ኣሎካ
- ኢ - ቪዛ - https://www.gov.uk/evisa/report-error-evisa
-
ኤ.ኣር.ሲ - https://www.gov.uk/government/publications/application-registration-card-arc
-
ኣብተን ቀዳሞት 12 ኣዋርሕ ሕቶ ዑቕባኻ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ስራሕ ክትሰርሕ ኣይፍቀደካን እዩ። እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ። እንተኾነ ግን ነቲ ዘቅረብካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ውሳነ ክወሃበሉ ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ትጽበ እንተደኣ አሎኻ ኮይንካ ስራሕ ክትሰርሕ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቶም ንስኻ ክጸርሓሎም እትኽእል ናይ ስራሕ ዓይነታት ዝተወሰኑ ናይ ስራሕ ዓይነታት ጥራይ ዝተሓጽሩ እዮም። ንውሳነ ናይ ሕቶ ዑቕባኻ እናተጸበኻ ናይ ወለንታ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ድማ ዝተባባዕ እዩ።
- ፒ.ቲ.ዳብሊዉ -https://www.gov.uk/government/publications/working-whilst-an-asylum-claim-is-considered/working-in-the-uk-whilst-an-asylum-case-is-considered
ናይ ማይግራንት ሄልፕ ናይ ሓገዝ መስመር ንኹሎም ሓተትቲ ዑቕባ ይሕግዝ፡ እዚ መስመራት ቴሌፎን ድማ ናይ ስራሕ ጻዕቂ ክህልዎ ይኽእል እዩ እዚ ድማ ነቲ ናትካ ደወል ኣብ ምምላስ ምድንጓይ ከስዕብ ይኽእል። ብትዕግስቲ ክትጽበ ንላቦ እቲ ጻውዒትኩም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ክቅበሉኻ እዮም። እንተ ተኻኢሉ፡ ህጹጽ ንዘይኮነ ጉዳያት ዌብቻት ብምጥቃም ጉዳያት ምልዓል/ ምሕባር ዝብሉ ተግባራት ምጥቃም ኣብ ግምት ከተእትዎ ንላቦ።
ማይግራንት ሄልፕ ነቲ ናይ ገንዘባዊ ደገፍን መንበሪ ቤትን (ናይ ሓተቲ ዑቕባ ደገፍ) (ኤ.ኤስ.ኤፍ1/ASF1) ወይ ንናይ ተወሳኺ ናይ ዑቕባ ደገፍ (ኤ.ኤስ.ኤፍ2/ASF2) ማመልከቻ ቅጥዒ ንምምላእ እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኣብ ኩነታትካ ዘሎ ለውጢ ንሆም ኦፊስ ክትሕብር እንተድኣ ኣድልዩካ እውን ክሕግዙኻ እዮም።
ማይግራንት ሄልፕ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ውክልና ክህብ ኣይክእልን እዩ። ሕጋዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እትረክብ ሓበሬታ ክህቡኻ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ኣብዚ ዝስዕብ ሕጋዊ ኣማኻሪ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። http://www.gov.uk/find-a-legal-adviser
ኣብ ልዕሊ ኣቅራቢ መንበሪ ቤት፡ ወሃቢ ክፍሊት ናይ ገንዘብ፡ ሆም ኦፊስ፡ ወይ ባዕላቶም ማይግራንት ሄልፕ ቅሬታ ከተቕርብ ምስ እትደሊ እውን ንማይግራንት ሄልፕ ክትረኽቦም ይግባእ። ኣብ መንበሪ ገዛኻ ዝኾነ ጸገም እንተሃልዩካ እዉን ንማይግራንት ሄልፕ ክትረኽቦም ይግባእ። ብዛዕባ እዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቅሬታ/ኮምፕሌንት ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡ ዝቐርብ ቅሬታ ኣብ ውጽኢት ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ወይ ኣብ ደገፍን መንበሪ ቤትን ንኽትረክብ ዘሎካ ብቑዕነት ፈጺሙ ጽልዋ የብሉን።
ማይግራንት ሄልፕ ካባይ እንታይ እዩ ክጽበ፧
- ምስ ማይግራንት ሄልፕ ኣብ እትዘራረበሉ እዋን፡ ኣብ ናይ ሆም ኦፊስ ሰነዳት ዝርከብ መወከሲ ቁጽሪ ምሳኻ ሒዝካ ክትረኽቦም ንላቦ።
- ዝኾነ ንዓኻ ዝግበረልካ ቆጸራ ክትሳተፍ ኣሎካ። ምስ ሕቶኻ ዝተኣሳሰር ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ወይ ሰነዳት ምሳኻ ውሰድ።
- ንመሓዛኻ ወይ ቤተሰብካ ኣብ ክንዳኻ ኮይኖም ንማይግራንት ሄልፕ ክዘራረቡ ካብ ምሕታት ብዝተኻእለ መጠን ምስ ማይግራንት ሄልፕ ባዕልኻ ክትዘራረብ ፈትን። ቋንቋ እንግሊዝኛ ዘይትዛረብ እንተደኣ ኮይንካ ኣይትሻቐል፡ ናይ ቋንቋ ተርጐምቲ ኣለዉ እዮም።
- ቅድሚ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ምድዋልካ ወይ ኣብ ቆጸራ ቅድሚ ምርካብካ መዘኻኸሪ ኣዳሉ፡ በዚ ድማ ኩሉ ሕቶታትካ ብብቕዓት ክምለስ ይኽእል።
- ንሕቶታት ናይቶም ኣማኸርቲ ብዝተኻእለ መጠን ምሉእ ብምሉእ መልሲ ምሃብ። ብዛዕባ እቲ ዘሎካ ሕቶ ንምሕጋዝ ክሓቱዎ ኣብ ዘለዎም ሕቶታት ስልጠና ዝወሰዱ እዮም።
- ኣብ ናትካ መራኸቢታት ዝኾነ ለውጢ ከም ለዉጢ ቁጽሪ ተሌፎንን ኣድራሻ ኢመይልን ሓበሬታ ምሃብ።
- ማይግራንት ሄልፕ ኩሉ ግዜ መንነትካ የረጋግጽን ንኻልኦት ወገናት ድማ ውልቃዊ ሓበሬታ ፈጺሙ ኣይገልጽን እዩ። ካልእ ውልቀሰብ ወይ ትካል ንዓኻ ወኪሉ ክሰርሕ እንተደሊኻ፡ ነዚ ንምምችቻእ፡ ምስ ማይግራንት ሄልፕ ክትዛረብ ከለኻ፡ ናይ ስልጣ ምሃብ ደብዳበ(ሌተር ኦፍ ኣዉቶሪቲ) ክትፍርም ወይ ብቓል ፍቓድ ክትህብ(ኮንሰንት ቨርባሊ) ክትህብ ከድልየካ እዩ። ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ ዝያዳ ምኽሪ ንምርካብ ንማይግራንት ሄልፕ ተወከስ። ናይ ፍቓድ ቅጥዒ ኣብዚ እውን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡
ማይግራንት ሄልፕ ምጽራፍ፡ ምፍርራሕ ወይ ቍጡዕ ባህርያት ኣይጻወርን እዩ። ሰራሕተኛታቶም ብስነ-ስርዓትን ብኣኽብሮትን ክሕዙኻ እዮም። ንስኻ እዉን ኣብ ልዕሊኦም ከምኡ ዓይነት ግቡእ ባህሪ ከተንጸባርቅ ንላቦ።
ንማይግራንት ሄልፕ ብኸመይ ይረኽቦም
ንማይግራንት ሄልፕ በዞም ዝስዕቡ መንገዲ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ:
- ዌብቻት ኣብ ሚግራንት ሄልፕ ዌብ ቻት
- ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ/ ዌብሳይት ዘለካ ጉዳይ ምቅራብ:
- ናጻ ናይ ሓገዝ ቁጽሪ ስልኪ 0808 8010503.
እዞም ኣገልግሎታት እዚኣቶም ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ሰሙን 7 መዓልታት ክፉታት ኮይኖም ምሉእ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ዝህቡ እዮም። ኣስተውዕል፡ ኣብ ናፒየር ትነብር ኣለኻ እንተደኣ ኮይንካ፡ ናይ ማይግራንት ሄልፕ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ቦታ ኣለዉ።
ተወሳኺ ሓበሬታን ናብ 10 ቋንቋታት ዝተተርጎመ ምኽርን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ማይግራንት ሄልፕ ይርከብ ።
3ይ ክፋል ብዛዕባ ጉዳያት ሪፖርት ምግባርን ጥርዓንን
ኣብ መንበሪ ቤትካ ወይ ብዛዕባ ዝወሃበካ ደገፍ ጸገም እንተሃልዩካ ወይ ብዛዕባ ዝኾነ ኣብዚ መጽሓፍ ዘለዋ ትካላት ቅሬታ ከተቕርብ ምስ እትደልይ፡ እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ክትሕብር ይግባእ።
ዝኾነ ዝቀረበ ቅሬታ ወይ ዝለዓል ጉዳያት ንናይ ዑቕባ ሕቶኻ ወይ ንቐጻሊ ትወሃቦ ናይ ደገፍ መሰልካ ኣይጸልዎን እዩ። ዝኾነ ዝመጸና ቅሬታታት ብዕቱብ ከም ዝውሰድን ብዝምልከቶም ትካላት ከም ዝምርመርን ፈሊጥካ ምቹእነት ክስምዓካ ይግባእ። ዝኾነ ሪፖርት ዝተገብረ ብልሽት ከከም ምድብ ናይቲ ብልሽት ኣብ ዝተወሰነ ናይ ግዜ ገደብ ክስተኻኸል እዩ። ኣብነታት ኣብቲ ‘ዝተፈጥሩ ብልሽታት ኣብቲ ናይ ግዜ ገደብ ዉሽጢ እንተዘይተዓሪዩ መሊሶም ነቲ ነገር ከቀላጥፍዎ ምእንቲ እንደገና ክትረኽብዎም ይግባእ።
ብዛዕባ ዝኾነ መዳይ ናይ መንበሪ ቤትካ ወይ ዝወሃበካ ደገፍ ቅሬታ ከተቕርብ ምስ እትደልይ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ከተቕርብዎ ኣገዳሲ እዩ። ግብረ መልሲን ቅሬታን ነቲ እንህቦ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ስለዝሕግዝ ሃንጎፋይ ኢልና ኢና እንቅበሎ። እቲ ናይ ቅሬታ መስርሕ ቅድሚ ንሓደ ጉዳይ ብዝምልከት ዝኾነ ተወሳኺ ወግዓዊ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳድካ ክግበር ኣለዎ፡ እዚ ድማ ንኣቅረብቲ መንበሪ ቤት ከምኡዉን/ወይ ድማ ንሆም ኦፊስ እቲ ናትካ ጉዳይ ክምርምርዎ ዕድል ንኽረክቡ እዩ።
ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ንማይግራንት ሄልፕ ክትረኽቦም ኣሎካ፡
- ናይ ጽገና ጉዳያት – ኣብ ናይ ሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ቤትካ ዘሎ ጸገማት ንምሕባር። ነዚኦም ጸገማት ንምፍታሕ ምስቲ ኣቅራቢ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ክንዳኻ ኮይኖም ክዘራረቡ እዮም (ኣብ ታሕቲ “ጽገናን ምትዕርራይን” ዝብል ኣብ ገጽ 24 ተመልከት)።
- ሓገዝ ምሕታት – ኣብ ጥዕናን ጽቡቕ ህላወን ናትካ ወይ ናይ ስድራቤትካ ሓደጋ ከምዘሎ እንተተሰሚዑካ። እዚ ድማ ብሸለልትነት ዝተታሕዘ ቆልዓ፡ ዘቤታዊ ዓመጻ፡ ጾታዊ ትንኮሳ ወይ ምዝመዛ፡ ጸረ-ማሕበራዊ ባህርያት፡ ድኽነት ወይ ቤት ኣልቦ ምዃን ወይ ናይ ኣኽራርነት ወይ ጽንፈኝነት ንምሕባር ክኸውን ይኽእል።
- ማይግራንት ሄልፕ ነቲ ሕቶ ወይ ሪፖርት ናብቲ ኣቕራቢ ቤት የመሓላልፎ፡ ንሳቶም ድማ ድሕሪኡ ንሆም ኦፊስን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ንፖሊስን ምሕባር ሓዊሱ ናትካ ድሕነትን ጽቡቕ ህላወን ንምርግጋጽ ኣድላዪ ዝበሎ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ይወስድ።
- ቅሬታ – ብማይግራንት ሄልፕ፡ ብኣቅራቢ ናይ መንበሪ ቤትካ፡ ወሃቢ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክፍሊት፡ ወይ ብሆም ኦፊስ ንዝወሃብ ኣገልግሎታት ብዝምልከት ቅሬታ ከተቕርብ ምስ እትደሊ፡ ቅድሚ ዝኾነ ተወሳኺ ወግዓዊ ስጉምቲ ምውሳድካ ምስ ማይግራንት ሄልፕ ርክብ ብምግባር ምርመራ ክግበርን ምላሽ ክወሃበካን ቅሬታ ከተቕርብ ክትሓትት ይግባእ።
- ግብረ መልሲ ርእይቶ – ኣብ ምሉእ ጉዕዞ ሕቶ ዑቕባኻ ዘሎ ደገፍ ብቐጻሊ ንምምሕያሽ። ንማይግራንት ሄልፕ ብዛዕባ ናቶም ኣገልግሎት፡ ናይ ኣቅራቢ መንበሪ ቤት፡ ወሃቢ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክፍሊት፡ ወይ ሆም ኦፊስ ዘለካ ናትካ ተመኩሮ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎታቶም ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ። ርእይቶ ናትካ ናብቲ ዝምልከቶ ትካል ከሕልፉ እዮም።
ነዚ ንምግባር ብቁጽሪ 0808 8010 503 ደዉል፡ ዌብቻት ተጠቀም ወይ ዘለካ ጉዳይ በዚ መንገዲ ኣቅርብ
ባዕልኻ መግብኻ እንዳብሰልካ ኣብ እትነብረሉ መንበሪ ቤት እንተዘይሃሊኻ ኣብቲ መንበሪ ቤትካ ቴለፎን ናይ ምጥቃም ኣቅርቦት ክህልወካ ኣለዎ። ነዚ ንምርካብ ተጸጊምካ እንተደኣ ኣለኻ፡ ኣብ መንበሪ ቤትካ ናብ ዝርከብ ሓደ ካብ ኣባል ሰራሕተኛታት ተወከስ። ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍቲ/ላይብረሪ ኮምፒተርን ኢንተርነትን ብነጻ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ።
እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ምስ ማይግራንት ሄልፕ ክለዓል እዩ ወይ ድማ እቲ ዝምልከቶ ወሃቢ ኣገልግሎት ከም ዝምርምሮ ከረጋግጹ እዮም። እቶም ኣማኸርቲ እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ትጽቢት ክትገብር ከም ዘሎካ ናይ ግዜ መቃን ክህቡኻ እዮም።
ዋላ እኳ ኣብቲ መንበሪ ቤትካ ብዛዕባ ዘለካ ተመኩሮ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ዝኾነ ይኹን ጉዳያት (ንኣብነት ብዛዕባ መግቢ፡ ምርካብ ናይ ሽቓቕ ኣቑሑትን ኣገደስቲ ነገራትን፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ከም ምሕጻብ ክዳውንቲ ዝኣመሰሉ መሳለጥያታት ወዘተ) ቀጥታ ንሰራሕተኛታት ናይቲ መንበሪ ቤት ክትሓትት ትኽእል እንተኾንካ፡ ናይ ጽገና ሕቶታት ወይ ናይ ፋይናንስያዊ ደገፍ ዝምልከት ጉዳያት ብኸምዚ ኣገባብ ኣይተቅርብ። ኣብ ክንዳኡ ነዞም ጉዳያት ብወግዒ ንምሕባር ናብ ማይግራንት ሄልፕ ደውል። እዚ ድማ ጉዳይካ ብወግዒ ከም ክምዝገብን ውጽኢታዊ ዝኾነ ፍታሕ ከም ዝገበሩሉ ክትትል ክግበረሉን ምእንቲ እዩ።
ናይ ኣስፐንን ናይ ክፍሊት ጉዳያትን
ምስ ኣስፐን ካርድካ ብዝተኣሳሰር ሓገዝ እንተደሊኻ፡ ነቲ ወሃቢ ድጋፍ ቅድመ ክፍሊት ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት (ፕሪ ፔይድ ፋይናንሻል ሰርቪስስ ፒ.ኤፍ.ኤስ) ብስልኪ ቁጽሪ 0800 246 1327 ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።ሓንሳብ ምስኡ ምስ ተተሓሓዝካ፡ እቲ ደገፍ በዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሰለስተ ኣማራጺታት ክወሃብ ይከኣል፡
- ፒን ምግላጽ/ምርኣይ
- ሕቶ ብዛዕባ ዘሎ መጠን ገንዘብ
- ዝጠፍአን ዝተሰረቀን - ካርድ ብሎክ ምግባር.
እዚ ኣገልግሎት እንግሊዝኛ ሓዊሱ ብ10 ቋንቋታት ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እዞም ዝስዕቡ ናይ ቋንቋ ኣማራጺታት ኣለዉ፡ እንግሊዝኛ፡ ኣልባንያ፡ ኣምሓርኛ፡ ዓረብኛ፡ ቻይናዊ፡ ፋርስኛ፡ ኩርድ፡ ፓሽቶ፡ ፑንጃቢ፡ ትግርኛ፡ ኡርዱ።
ካልእ ምስ ናይ ኣስፐን ካርድካ ወይ ናይ ዑቕባ ክፍሊት ገንዘብ ዝተኣሳሰር ጉዳይ እንተሃልዩካ፡ ምስ ማይግራንት ሄልፕ ክትራኸብ ይግባእ፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ጉዳይ ኣብ ክንዳኻ ብምዃን ምስቲ ዝምልከቶ ወገን ከልዕሎ እዩ።
ቅሬታ ብዛዕባ ኣቅረብቲ ኣገልግሎት
ካብቲ ኣቅራቢ መንበሪ ቤትካ፡ ናይ ድጋፍ ክፍሊት ኣቅራቢ ወይ ማይግራንት ሄልፕ እትረኽቦ ኣገልግሎት ዝተኣሳሰር ቅሬታ ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ክቐርብ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ብ 0808 8010 503 ደውል፡ ዌብቻት ተጠቀም ወይ ዘለካ ጉዳይ በዚ መንገዲ ኣቅርብ
እቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ንቅሬታኻ ንምፍታሕን መልሲ ንምሃብን ዕላማ ጌሩ እዩ ዝዓዩ። በቲ ዝምልከቶ ወሃቢ ኣገልግሎት ክፍታሕ እንተዘይክኢሉ፡ ወይ እውን በቲ መልሲ ሕጉስ እንተዘይኮንካ፡ ማይግራንት ሄልፕ ንቅሬታኻ ናብ ሆም ኦፊስ ክሰዶ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ሓደ ወሃቢ ኣገልግሎት ዝቐረበ ቅሬታ ናብ ሆም ኦፊስ ምስ ተላእከ፡ እቲ ክፍሊ ኣብ ውሽጢ 20 ናይ ስራሕ መዓልታት መልሲ ንምሃብ ዕላማ ጌሩ እዩ ዝዓዩ። ብመልስና ሕጉስ እንተዘይኮይንካ፡ ቅሬታኻ ካብቲ መልሲ ዝተወሃበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ናጻ መርማሪ ቅሬታ (ኣይ.ኢ.ሲ) ብኢመይል ወይ ብጽሑፍ ናብ ፒኦ ቦክስ
PO BOX 6147
SHEFFIELD
S2 9JD
ቅሬታኻ ናብ ኣይ.ኢ.ሲ ክተመሓላልፎ እንተ ወሲንካ፡ ምስ ዝኾነ ዘቕረብካዮ መርትዖን ቅዳሕ ናይቲ ፈለማ ቅሬታኻ ምስ ኣቅረብካ ሆም ኦፊስ ዝሃበካ መልሲን ክተቅርቦ ከድልየካ እዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናጻ መርማሪ ናይ ቅሬታን ናብ ኣይ.ኢ.ሲ ቅሬታኻ ኣብ ምቕራብ ዝወሃብ መምርሕን ኣብ መርበብ ሓበሬ] ክርከብ ይከኣል። https://www.gov.uk/guidance/make-a-complaint-to-the-independent-examiner-of-complaints
ሕጂ እውን በቲ ኣይ.ኢ.ሲ ንቅሬታኻ ዝሃበካ መልሲ ሕጉስ እንተዘይኮንካ፡ እዚ ናብ ባይቶኣውን ኣገልግሎት ጥዕናን ሸምጋሊ ኦምዱስማን ክለኣኽ ይኽእል። እቲ ኦምቡድስማን ብኤንኤችኤስ፡ ናይ መንግስቲ ክፍልታትን ገለ ካልኦት ህዝባዊ ትካላትን ኣብ ዘይተፈትሑ ቅሬታኻ ናይ መወዳእታ ውሳነታት ይህብ። እዚ ኣገልግሎቶም ንኹሉ ብነጻ እዩ። ናብዚ ኦምዱስማን ጥርዓን ንምቕራብ፡ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ኣባል ባይቶ ኤምፒ ክትረኽብዎ ኣለኩም ንሱ ድማ ኣብ ክንዳኹም ኮይኑ ሪፈር ክብለካ ከም ዝኽእል ከተስተዉዕለሉ ንላቦ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብስልኪ ቁጽሪ 0345 015 4033 ደዉል ወይ ኣብዚ ተወከስ
ቅሬታ ብዛዕባ ዝወሃበካ ድጋፍ
ብዛዕባ ሆም ኦፊስ ምስ ማይግራንት ሄልፕ ቅሬታ ምስተላዕለ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ 20 ናይ ስራሕ መዓልታት ተመርሚሩ ምላሽ ንኽወሃቦ ምስ ዝምልከቶ ጉጅለ ክካፈል እዩ። በቲ ክፍሊ ዝሃቦ መልሲ ሕጉስ እንተዘይኮንካ፡ ነዚ ንኽግምገም ናብ ማእከላይ ጉጅለ ጥርዓናት (ሲ.ሲ.ቲ) ከተመሓላልፎ መሰል ኣለካ። ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ ምኽሪ ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ: Complaints procedure - UK Visas and Immigration - GOV.UK
ካልእ ከመይ ጌረ እየ ናብ ሆም ኦፊስ ቅሬታ ከቕርብ ዝኽእል፧
ንተመኩሮ ናይ ተጠቀምቲ ኣገልግሎትና ብዝበለጸ ንምርዳእን ነቲ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ዝሕግዙ ቅሬታታት ሃንጎፋይ ኢልና ኢና ብሓጎስ ንቕበል። ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ጥርዓን ምቕራብ ኣብ ውጽኢት ዝኾነ ይኹን ዝቐርብ ናይ ደገፍ ማመልከቻ ወይ ናይ ዑቕባ ሕቶ ብኣሉታ ከምዘይጸልዎ፡ ከምኡውን ዉሳኔ ዝወሃበሉ ንውሓት ግዜ ከምዘይጸሉ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። እዞም ዝስዕቡ ምስ ዝኾኑ ድማ ብቐጥታ ናብ ሆም ኦፊስ ቅሬታኻ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ:
- ኣቐዲምካ ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ቅሬታ ኣቕሪብካ፡ ኣብቲ ዝተወሃበካ መልሲ ዘሎካ ዘይዕግበት ንማይግራንት ሄልፕ ሓቢርካ መሊስካ ድማ ክሳብ ሕጂ በቲ ውጽኢት ኣይዓገብካን ኣሎኻ፡ ወይ
- ማይግራንት ሄልፕ ክፈትሖ ግቡእ ኣይኮነን ኢልካ እትሓስቦ ጥርዓን ኣለካ።
ሆም ኦፊስ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ክለኣኽ ዝነበሮ ጥርዓን እንተመጺእዎ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ክልእኮ እዩ። ናብ ሆም ኦፊስ ጥርዓን ንምቕራብ ኣብዚ ዝስዕብ ተወከሱ: Complaints procedure - UK Visas and Immigration - GOV.UK
ወይ ድማ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ጸሓፉልና:
Complaints Allocation
Customer Correspondence Hub
4th Floor 2 Ruskin Square
Dingwall Road
Croydon
CR0 2WF
4ይ ክፋል ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሓበሬታን መለክዒታት
ናትና ኣቅረብቲ መንበሪ ቤት ዝተፈላለየ ዓይነት መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎም፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ቤት ክትምደብ ትኽእል ኢኻ:
ሆቴል
እዚ ዓይነት መንበሪ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓደ ተጠቃሚ ኣገልግሎትን ስድራቤታትን ዝቅመጡሉ ኮይኑ መግቢ እንኮላይ ብዘለዎ መሰረት ዝተዳለወ እዩ። መንበሪ ቤት ብዘይ ምርጫ ዝወሃብ ኮይኑ ንበይኖም ኮይኖም እዚ ኣገልግሎት ዝጥቀሙ ነቲ ዝቅመጡሉ ክፍሊ ምስ ካልኦት ተላፊኖም ክነብሩ ከድልዮም ይኽእል እዩ። ምስ መሓዛኻ ወይ ስድራቤት ጾታኹም ሓደ ዓይነት እንተኾይኑ ብሓባር ኣብ ሓደ ክፍሊ ተላፊንካ ክትቅመጥ ዝተባባዕ እዩ። ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ብዝተኻእለ መጠን ምስቲ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሓቢሮም ዝነብርዎ ሰብ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረቡ ክኾኑ ኩሉ ጻዕሪ ክግበር እዩ። ናይ ሓባር መሳለጥያታት ኣብ ዘለዎ ቦታታት፡ ንነፍሲ ወከፍ ጾታ በብናቱ ሽንትቤታት ከም ዝህሉ ይግበር እዩ።
ቀንዲ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት
እዚ ዓይነት መንበሪ ቤት መብዛሕትኡ ግዜ ብዉልቆም ዘለዉ ተጠቀምቲ ኣገልግሎትን ስድራቤታትን ዝቕመጡሉ ኮይኑ አቅርቦት ናይ መግቢ ብዘለዎ ብመሰረት (ንሱ ድማ ኣብ መዓልቲ 3 ግዜ መግቢ ዘለዎ) ኮይኑ ዝቐርብ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ጾታ ነንበይኖም ሽንት ቤት መሳለጥያታት ዘለዎ ኮይኑ ናይ ሆም ኦፊስ ብሓባር ተላፊንካ ናይ ምንባር ንሕግታት ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ሓባር መደቀሲ ቦታታት ክህሉ ይኽእል እዩ።
ካልኦት (ዓበይቲ ናይ ሓባር መንበሪ ቦታታት ከም ኣዳራሻት ወይ ናይ ወተሃደራዊ መደበራት ዝነበረ ቦታን ሓዊሱ)
ዓበይቲ ቦታታት – ከም ዌዘርስፊልድ - ውሑስን ተግባራውን መንበሪ ኣባይቲ ምስ ኩለመዳያዊ ኣቅርቦም ክንክን ጥዕና ኣብቲ ቦታ ዘለዎ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ኣከባቢ ዘሎ ኣገልግሎታት ናይ ኤንኤችኤስ ጸቕጢ ንምንካይን፡ መመገቢ ቦታታት፡ መጓዓዝያ ናብ ኣብቲ ኣከባቢ ዝርከባ ዓድታት፡ ናይ ድሕንነት ደገፍ፡ ከምኡውን 24/7 ህላወ ናይ ጸጥታ ኣኽበርቲ የቕርብ። እዞም ቦታታት እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ዘየልዉ ንዉልቆም ዘለዉ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ሓተትቲ ዑቕባ ጥራይ ዘአንግዱ እዮም።
ሕግታትን መምርሒታትን
ኣብቲ እትነብረሉ መንበሪ ቤት ብግቡእ ክትወሃሃድ ክሕግዙኻን ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ካልኦት ተቀመጥቲ ዝፍጠር ምንግልታዕ ንምንካይን እዞም ዝስዕቡ ክትገብር ኣሎካ፡
ንስኻ ክትገብሮ ዘለካ:
- ንጥዕናኻን ድሕነትካን ተጠንቀቕ ንኹሉ መሳርሒታት ድማ ብጥንቃቐ ሓዝ።
- ጾታ፡ ጾታዊ መንነት፡ ዓሌት፡ ብሄር፡ ቋንቋ፡ ዜግነት፡ ሃይማኖት፡ ስንክልና፡ ጾታዊ ዝንባለ ብዘየገድስ ንዝኾነ ካልእ ኣብቲ መንበሪ ቤት ንዝነብር ሰብን ሰራሕተኛታት ናይቲ መንበሪ ቤትን ብኣኽብሮት ምሓዝ።
- ንኻልኦት ተቐማጦን ሰራሕተኛታትን ብጭውነትን ኣኽብሮትን ምሓዝ
- ናይ ጽገና ወይ ምትዕርራይን ጉዳያት ምስ ኣስተብሃልካ ብቕልጡፍ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ሓብር።
- መደቀሲ ክፍሊ፡ ናይ መነባበሪ ቦታ ወይ ናይ ሓባር መንበሪ ቦታ ምስ ካልኦት ትካፈል እንተኾይንካ ዝኾነ ውልቃዊ ንብረትካ ብውሑስ መንገዲ ኣቀምጥ።
- ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ሽንት ቤት ምጥቃምካ ማይ ክትደፍኣሉ ኣሎካ፡ ከም መጽረዪ ህጻናት ናፒስ ወይ ናይ ጽሬት ፍርያት ዝኣመሰሉ ነገራት ግን ኣብቲ ሽንቲ ቤት ኣይተእትዎ።
- ነቲ መንበሪ ቤት ብስሩዕ ምጽራይ፡ ወይ ናይ ጽሬት ኣገልግሎት ኣብ ዝወሃበሉ ቦታታት፡ ነዚ ንምምችቻእ ነቲ መሬት ወይ ከባቢ ምልዓል።
- ሰበባ ወይ ጠሊ ኣብቲ ገዛ ከይፍጠር ምእንቲ መስኮት ብቐጻሊ ክፈት።
- ኣብ እዋን ለይቲን ካብቲ ገዛ ናብ ደገ ኣብ እትወጽኣሉ እዋን ማዕጾታትን መስኮትን ከም ዝተዓጽወ ኣረጋግጽ።
ንስኻ ክትገብሮም ዘይብልካ ነገራት:
- ብዙሕ ድምጺ ዘይምግባር ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ሰዓት 11 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 8 ንግሆ ዘሎ ግዜ
- ኣብ ውሽጢ እቲ መንበሪ ቤት ዘይምትካኽ
- ኣብ ክፍልኻ መግቢ ምብሳል ኣይፍቀድን(ነቶም ኣብ ኣቅርቦት ናይ መግቢ ዘለዎ ቦታታት ዘለዉ)
- ኣብቲ መንበሪ ቤት እንስሳ ዘቤት ወይ እንስሳታት ክትሕዝ የብልካን
- ክበጽሑኻ ዝመጹ በጻሕቲ ኣብቲ መንበሪ ቤት ክሓድሩ ከተፍቅድ የብልካን።
- ኣብ ልዕሊ እቲ መንበሪ ቤት ዕንወት ምዉራድ ኣይፍቀድን
- ካብቲ ዝተመደበ መመገቢ ቦታታት መግቢ ናብ ክፍልኻ መግቢ ምዉሳድ ኣይፍቀድን እዩ (እቶም መንበሪ ቤት እዚ ተግባር እዚ ቅቡል ምዃኑ ክሳብ ዘይነገሩኻ)
- ዝኾነ ለውጢ ወይ ጽገና ኣብቲ መንበሪ ቤት ወይ ኤሌክትሪክ ምፍጻም ኣይፍቀድን።
- ናይ ትኪ መሓበሪ ኣላርም ምጥፋእ
- ኣብቲ ህንጻ ዘይፍቀድ መድሃኒት ወይ ሓሽሽ ምሓዝ ወይ ምጥቃም ኣይፍቀድን
- ንኻልኦት ተቐማጦ ኮነ ኢልካ ምርባሽ አይፍቀድን
- ንዝኾነ ሰብ ዘይግቡእ ባህሪ ወይ ቃላት ምጥቃም ኣይፍቀድን
- ናይ ካልኦት ሰባት ደብዳቤ ምኽፋት ኣይፍቀድን
- ናይ ኤሌክትሪክ ሶኬት ልዕሊ ዓቐን ምጽዓንን ኩሉ ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒታት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ምርግጋጽን።
- ኣብ መደቀሲ ክፍልታት ምግቢ ምብሳል ኣይፍቀድን
ኣብቲ መንበሪ ቤት ክረኽቦ ትጽቢት ዝገብረሉ መሳለጥያታት
ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት እዞም ዝስዕቡ ነገራት ክቐርቡ ኣለዎም
ካብዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ዝኾነ ነገር እንተዘይተቀሪቡልካ፡ ወይ ዝኾነ ንብረት ካብዞም ዝርዝር እንተጎዲሉ ወይ እንተተሰቢሩ፡ ንማይግራንት ሄልፕ ክትሕብር ንላቦ።
ናይ ሽንት ቤት መሳለጥያታት
ዉልቃዊ ኣብ ዉሽጢ ዝርከብ ኢን ስዩት ወይ ድማ እንተወሓደ ጾታ ዝፈሊ 1 ሽንት ቤት ኣብ መንጎ 5 ብዉልቆም ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት፡ እዚ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቃልል እዩ፡
- ባዝ ከምኡዉን/ወይ ድማ ሻወር ኣድላዪ እንተኾይኑ ማይ ዘይኣትዎ መሸፈኒ ሓዊሱ (ንኣብነት መጋረጃ ሻወር)
- መሕጸቢ ኢድ
- ሽንት ቤት
መመገቢ
ኣቅርቦት ናይ መግቢ ዘለዎ መንበሪ ቤት:
- ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ 3 ግዜ መግቢ (ቁርሲ፡ ምሳሕን ናይ ምሸት መግቢ ድራር) ምቅራብ፡ እንተወሓደ ሓደ ውዑይ፡ ሓደ ዝሑል ምርጫ ዘለዎን ሓደ ናይ ቬጀቴሪያን ኣማራጺ ዘለዎን ምስ ነፍሲ ወከፍ መግቢ ጎኒ ጎኑ ድማ ናይ ልስሉስ መስተ ኣገልግሎት
- ንብዙሓት ሰባት ኣብ ምምጋብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝመርጾ ጣዕምን ምርጫን ከተዕግብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣስተውዕል። ኣብ መንበሪ ቤትካ ኣብ ምፍጣር ዝርዝር ናይ መግቢ ጽልዋ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝቐርብ መግቢ ርእይቶ ክትህብ ምስ እትደሊ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ብምሕባር ወይ ድማ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ክትሕብር ንላቦ።
- ንህጻናትን ንኣሽቱ ቆልዑን ዝኸውን ኣገልግሎት መግቢ ምስ ግቡእ መግቢ፡ ከም ኣድላይነቱ ናይ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ዘድልዮም ናይ መግቢ ትሕዝቶ ንምምላእ ምስ ተወሳኺ መግቢ ምምላእ።
- ብፍሉይ ናይ ዘድልየካ ኣመጋግባ፡ ባህላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጠለባት ዘማልኡ ኣማራጺታት፡ ከምኡውን ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሰለስተ ግዜ ዝወሃብ መዓልታዊ መግቢ እኹል ምስ ዘይክኸውን ምስ ዝኽእል ተወሳኺ መግቢ ምቅራብ። ኣስተውዕል፡ ወሃቢ ኣገልግሎት ነቲ ድሌታትኩም ብግቡእ ከአንግድ ንኽክእል ምእንቲ፡ ዝኾነ ፍሉይ ዘድልየኩም ሕክምናዊ ኣመጋግባ ብዝርዝር ዝገልጽ መርትዖ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪም ጂፒ ወይ በዓል ሞያ ሕክምና ምቕራብ ከም ዘድሊ ክትፈልጥ ይግባእ።
- ንዝተመደበ ኣገልግሎት ናይ ምሳሕ ኣብ ዘይትህልወሉ እዋን (ንኣብነት፡ ብሰንኪ ናይ ወለንታዊ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ሕክምናዊ ቆጸራታት) ካልእ ኣማራጺ ንምድላዉ ምእንቲ ክከኣል ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ነቲ ወሃቢ ኣገልግሎትካ ኣፍልጥ።
ኣብ መግብኻ ባዕልኻ እተዳልወሉ መንበሪ ቤት:
- ካብ መንጎ 5 ሰባት ብውሑዱ 1 ክሽነ ክህሉ እዚ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ከማልእ:
- ናይ መግቢ መብሰሊ መሳርሒታት
- ፍሪጅን ፍሪዘርን፡ መብሰሊ ኩከር ወይ ፎርኖን ሆብን።
- ጽሬት ዘለዎ ናይ መግቢ መስርሒ ቦታታትን ጣውላታት
- ሲንክ
- ናይ ጽሬት ናውቲ
- ዝኾነ ምስ ጥዕናን ድሕነትን ዝተኣሳሰር ስክፍታታትን ሕቶታትን ኣብ መጀመርታ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ክትሕብር ኣሎካ፡ እዚ ድማ ምእንቲ እቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ክሕበርን መርመራ ድማ ክጅምርን እዩ።
መደቀሲ ክፍሊ
ኩሎም ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት:
- ነቶም ኣብቲ ቤት ዝቕመጡ ሰባት ዝምጥን ዓራታት (ሲንግል ወይ ዳብል ዓራታት) ከምኡውን ንህጻናትን ንኣሽቱ ቆልዑን ዝኸውን ዓራውቲ(ኮት)።
- 1 ኣርማድዮ ወይ ካልእ ክዳን መንጠልጠሊ እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ወይ ድማ እቲ ክፍሊ ዝምድና ዘይብሎም ልዕሊ ዕድመ ሰባት ሓቢሮም ዝነብሩሉ እንተኾይኑ 1 ንነፍሲ ወከፎም።
- 1 ተመዛዚ ሳጹን ወይ ካልእ መፍትሒ ንመኽዘን መደርደሪ ዝኸዉን እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ክፍሊ ወይ ድማ እቲ ክፍሊ ዝምድና ዘይብሎም ልዕሊ ዕድመ ሰባት ሓቢሮም ዝነብሩሉ እንተኾይኑ 1 ንነፍሲ ወከፎም።
- ኣብ ልዕሊ መስኮት ዝተተኽለ መጋረጃ ወይ ሽፋን።
ናይ ሳሎንን ናይ ሓባር ቦታታትን
ኣቅርቦት ናይ መግቢ ዘለዎ መንበሪ ቤት:
- ንዝተኣናገዱ ብዝሒ ተጠቀምቲ ናይቲ ኣገልግሎት ንምምላእ እኹል መመገቢ ቦታታትን ልስሉስ ኮፍ መበሊን ምህላው።
መግብኻ ባዕልኻ እተዳልወሉ መንበሪ ቤት:
- ጠረጴዛ፡ ንሓደ ሰብ 1 መመገቢ ወንበርን ንሓደ ሰብ 1 ኣርምቼርን ምህላዉ።
ኣብ ኩሉ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት:
- ምኽንያታዊ ዝኾነ ኣቅርቦት ንመዘናግዒ ንጥፈታት ዝኸውን ጠረጴዛታትን ምቹእ መንበርን
መሳለጥያታት
ኣብ ኩሉ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት:
- ምኽንያታዊ ዝኾነ ኣቅርቦት ናይ ጽሩይ ዝስተ ማይ (ማይ ቧንቧ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽትሰትዮ ውሑስ ምዃኑን ናይ ጥርሙዝ ማይ ምቕራብ ከምዘየድልይን ኣስተውዕል)
- ምኽንያታዊ ዝኾነ ኣቅርቦት ናይ መሕጸቢ ክዳውንቲ (ንኣብነት፡ ኣገልግሎት ምሕጻብ ክዳውንቲ ወይ መሕጸቢ ማሽን)
- ኣቅርቦት ናይ ዝኾነ ይኹን ናይ ዝተሓጽበ ክዳውንቲ መንገጺ (ኣብ ዝሓተትካሉ እዋን)
- ናይ ክዳን መስታረርን ናይ መስታረሪ ቦርድን
- ኣድላዪ እንተኾይኑ መሳርሒታት ክንክን ህጻናት፡ ዓራታት(ኮት)ን ሃይቼር መንበርን ከምኡውን ንትሕቲ 1 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ናይ መሳለጥያታትን መምከንን መሳርሒታትን (ከምኡ’ውን ናፒስ) ሓዊስካ
- ናይ ትክን ካርቦን ሞኖክሳይድን መሓበሪ መሳርሒታት
- ኩሉ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ዝሰርሕ ናይ ትኪ መሓበሪ ኣላርም ክህልዎ ኣለዎ (ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከም መንበሪ ኣብ ጥቅሚ ዝወዓለ ደርቢ) ከምኡውን ናይ ካርቦን ሞኖክሳይድ መሓበሪ ኣላርም (ኣብ ጋዝ ወይ ሶሊድ ፍዩል ዘለዎ መንበሪ ቤት) ክህልዎም ኣለዎ።
- ኣቅርቦት ናይ ቴሌቪዥናትን ዋይፋይን ብናይ ኮንትራት ውዕል ዘቐይድ ኣይኮነን ስለዚ ድማ እዚኣቶም ምቅራብ እዉን ኣየድልይን እዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ኣቅራቢ ናይ መንበሪ ቤት ኣብ ባዕልኻ መግብኻ እንዳብሰልካ እትነብረሉ ቤት ትነብር ኣለኻ እንተዘይኮይንካ ክትዘራረበሉ/መልእኽቲ ክትለዋወጠሉ እትኽእል ገለ መገድታት ከቕርበልካ ይግደድ። እዚ ሞባይል ወይ ኮምፒተር ወይ ዳታ ዘልዎ ሲም ምጥቃም ክኸውን ይኽእል። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ/ሪሴፕሽን ተወከስ።
እቲ ኣቅራቢ መንበሪ ቤት ናብቲ መንበሪ ቤት እትኣትወሉ እዋን ሓድሽ ዉልቃዊ ኣጭርቅቲ ከቕርበልካ ይግደድ።
ነብሲ መሕጸቢ ሽጎማኖ
2 (ን ሓደ ሰብ)
ናይ ገጽ ሽጎማኖ
2 (ን ሓደ ሰብ)
ኣንሶላ
2 (ን ሓደ ሰብ)
ኮቦርታን ዱቨትን
2 / 1 (ን ሓደ ሰብ)
ናይ ኢድ ሽጎማኖ
2 (ን ሓደ ሰብ)
ናይ ክሽነ ናይ ሻሂ ሽጎማኖ
(ኣብ ባዕልኻ መግብኻ እንዳብሰልካ ትነብረሉ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ጥራሕ)
1 (ን ሓደ ሰብ)
መተርኣስን ናይ መተርኣስ መሸፈኒ
2 ንነፍሲ ወከፍ (ን ሓደ ሰብ)
ናይ ዱቨት መሸፈኒ
2 (ን ሓደ ሰብ)
ተወሳኺ ንብረታት
- ናብቲ መንበሪ ቤት ትወስዶም ተወሳኺ ነገራትን ንብረትን ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት እዮም። ኣቅራቢ መንበሪ ቤትካ ነዞም ነገራት እዚኦም ሓላፍነት ወይ ተሓታትነት ኣይወስድን እዩ።
- ተንቀሳቐስቲ መሞቒ ኣይፍቀደልካን እዩ፡ ዝኾነ ውሑስ ዘይኮነ ወይ ሓደገኛ ንብረት ወይ ኣቑሑት ክትድርብዮ ድማ ክትሕተት ኢኻ።
እቶም ኣቕረብቲ ናይ መንበሪ ቤት ክቕርብዎ ዘየድልዮም ገለ ገለ ልሙዳት ነገራት፡
- ናይ ግሌ ቴሌፎን (እንተኾነ ግና ናይ ሓባር ቴሌፎን መሳለጥያታት ክቐርብ)
- ብሮድባንድ/ዋይፋይ ኮኔክሽን
- ቴሌቭዥን/ቲቪ
- ቫክዮም ክሊነር (እንተኾነ ግን ናይ ርስሓት መትሓዚን ብራሽን ክቐርብ ኣለዎ)
ካብቲ መደበኛ ዓቐን ናይ ደገፍ ዝሽፍኖ ንላዕሊ ርኡይ ወጻኢታት ዝፈጥር ፍሉይ ኩነታት እንተሃልዩካ፡ ተወሳኺ ድጋፍ ክትረክብ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ደዉል።
ኣገልግሎታት
ናይ ጋዝ፡ ማይን ኤለክትሪክን ኣቅርቦት ክግበረልካ እዩ። ብዛዕባ ከባቢኻ ብግቡእ ምፍላጥን ኣጠቓቕማ እዞም ኣገልግሎታት ግቡእ ክትትል ምግባር። ካብ ሃዉሲንግ ኦፊሰር ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ነዚ ኣገልግሎታት ከም እትጥቀመሉ መምርሒ ክወሃበካ እዩ፡ እዚ ዘጠቃልሎ ድማ ከመይ ጌርካ ነቲ መውዓዪ ትጥቀመሉን እቶም ናይ ኤሌክትሪክ መቆጻጽሪ ኣበይ ከም ዘለዉን ዝኣመሰሉ እዩ። ናይቲ ኣገልግሎት ኣቕራቢ ክትቅይር የብልካን።
ናይ ጥዕና ሰሪፊኬት (ኤችሲ2)
ናይ ሴክሽን 95 ደገፍ ምስ ጸደቀልካ፡ ናይ ኤችሲ2 ሰርቲፊኬት (ወይ ነቶም ኣብ ሴክሽን 4 ዘለዉ፡ ናይ ኤችሲ1 ሰርቲፊኬት) ክትወሃብ መሰል ኣለካ። እዚ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎት ንምርካብ ክጥቀመሉ ትኽእል፡
- ናይ ኤንኤችኤስ ናይ ስኒ ሕክምና
- ናይ ኤንኤችኤስ ዊግን ናይ ጨርቂ ደገፍን።
- ናይ ዓይኒ ምርመራ፡ መነጽር፡ ኮንታክት ለንስ፡ ወይ ድማ
- ብሓኪም (ጂፒ ወይ ሓኪም ሆስፒታል)፡ ሓኪም ዓይኒ ወይ ሓኪም ስኒ ሪፈር እንተተባሂልካ፡ ናይ ኤንኤችኤስ ሕክምና ንምርካብ ጉዕዞ ምጉዓዝ።
እዚ ድማ ሴክሽን 95 ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣውቶማቲክ ይለኣኽ ድሕሪኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 6 ወርሒ ድማ ብኣውቶማቲክ ክሕደስ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ድጋፍ ከም ካብ ዝጸድቀልኩም እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ሰሙን ናይ ኤችሲ2 እንተዘይመጺእኩም፡ ንተወሳኺ ምኽሪ ብቐጥታ ናብ ኤንኤችኤስ ብተሌፎን ብስልኪ ቁጽሪ 0300 330 1343 ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።እዚ መስመር ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 8 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ከምኡውን ቀዳም ካብ ሰዓት 9 ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ዝሰርሑ እዮም። እዚ ናብ ማይግራንት ሄልፕ እዉን ክትሕብር ይግባእ።
ኣብ ሴክሽን 4 ደገፍ እንተደኣ ሃሊኻ፡ ናይ ኤችሲ1 ቅጥዒ ምምላእ የድሊ። እዚ ብመንገዲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ፋርማሲ ወይ ብመንገዲ ናይ ኤንኤችኤስ መርበብ ሓበሬታ/ማእከል ርክብ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ ኣብኡ ድማ ናይ ኤችሲ1 ቅጥዒ ንምምላእ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል። ብኦንላይን ኣብ nhsbsa.nhs.uk ኣመልክት። ህጹጽ ሕክምና ወይ መድሃኒት እንተኣድልዩካ፡ ናይ ኤን.ኤች.ኤስ.ቢ.ኤስ.ኤ(NHSBSA) ምኽሪ ኣብ ድሕሪት ዝኾነ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ናይ መድሃኒት ኣብ ዘሎ ናይ ምሕረት(ችላ ምባል/ኤክዘምብሽን) ሳጹን ምልክት ምግባር፡ ከምኡውን እቲ ፋርማሲ ብዘይ መርትዖ ምሃብ እንተኣቢዩካ ናብቲ ናይ ሓገዝ መስመር ምድዋልን እዩ። ናይ ኤን.ኤች.ኤስ.ቢ.ኤስ.ኤ ምኽሪ ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡
ምፍታሽ/ምምርማር መንበሪ ቤት
ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት
መርመራ ናይቲ መንበሪ ቤት ኣብ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት (ንስኻን ስድራቤትካን ጥራይ ዝሓዝኩሞ መንበሪ ቤት) ዝካየድ ኮይኑ፡ እቲ መንበሪ ቤት ንዓኻ ዝምችእን ውሑስን ምዃኑ ንምርግጋጽ ጥራይ እዩ። ኣቅራቢ መንበሪ ቤት እቲ ቤትኩም ዝኾነ ጉድለት እንተለዎ ንምልላይን ንምጽጋንን እንተወሓደ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ነቲ መንበሪ ገዛ ክምርምሮ ይግደድ።
እቲ ምርመራ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ኣብቲ መንበሪ ቤት ክትህልዉ ምእንቲ እንተወሓደ ቅድሚ 5 መዓልታት ናይቲ ናይ መርመራ ዕለትን ሰዓትን ሓበሬታ ይወሃበካ። እቲ ኣቅራቢ መንበሪ ቤት ዋላ እዉን ኣብቲ ቤት እንተዘይጸኒሕካ ነቲ መንበሪ ቤት ክምርምሮ እዩ።
ኣብቲ ናይ ምርመራ ግዜ እንታይ እዩ ዝኸዉን፧
እቲ መርማሪ ኩሉ ግዜ ማዕጾ ኳሕኲሑ ንስኻ መልሲ ክትህቦ ክጽበ ይግባእ። ከይተጸበዩ ነቲ ማዕጾ ክኸፍቱ የብሎምን። ንስኻ ኣብቲ ቤት ኣብ ዘለኻሉ እዋን ናይ ገዛእ ርእሶም መፍትሕ ክጥቀሙ የብሎምን። ብዛዕባ እቲ መንበሪ ቤት ክዛረቡኻን ዝኾነ ብልሽት እንተሃልዩ ክምርምሩልኻን እዮም። ዝኾነ ጉድለት እንተተረኺቡ ድማ ጽገና ክግበር ክሕበር እዩ። ዝኾነ ነቲ መርማሪ ንጹር ዘይኮነ ብልሽት ክጥቀስ ኣለዎ።
ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ወይ ሰራሕተኛታት ናይ ሆም ኦፊስ፡ ውልቃዊ ንብረትካ ናይ ምፍታሽ መሰል ኣለዎም። እንተኾነ ግን ካብቲ መንበሪ ቤት እንተደኣ ወጺኻ ኮይንካ እሞ ውልቃዊ ንብረትካ እንድሕር ደኣ ገዲፍካዮ ወጺኻ፡ እዚኦም ንብረታት በቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ኣብ ሓደ ሳንጣ ተጠርኒፎም ክሳብ 28 መዓልታት ኣብ ናይ ሓጺር ግዜ መኽዘን ይቕመጡ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ እንተዘይወሲድካዮም ድማ ክጉሓፉ እዮም።
ነቲ መርመራ መን እዩ ዘካይዶ፧
መርመራ ናይቲ መንበሪ ቤት እንተወሓደ ወርሓዊ ብኣቅራቢ ናይቲ መንበሪ ቤትካ ክካየድ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ሆም ኦፊስ ወይ ካብ ኮዉንስል እውን ኣቅራቢ ናይቲ መንበሪ ቤትካ ነቲ ከማልኦ ትጽቢት ዝግበረሉ ደረጃታት ከም ዘማልኦ ንምርግጋጽ ነዚ መርመራ ከካይድ ይኽእል እዩ።
እንድሕር ደኣ አብ ሆቴል/ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ይቕመጥ ኣለኹ ኮይነ’ኸ፧
እቲ ናይ ፈለማ መንበሪ ኣባይቲ ሓያሎ ቅጥዕታት ኣለዎ፡ ንኣብነት ኣቅርቦት ናይ መግቢ ዘለዎ መንበሪ፡ ሆቴላትን ሆስቴላትን። እዞም ቦታታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 6 ወርሒ ብሆም ኦፊስ ምርመራ ይግበረሎም።
ብዛዕባ ዝተበላሸወ ነገር ብኸመይ ይሕብር፧
ኣብቲ መንበሪ ቤት ዘጋጥም ዝኾነ ጸገም/ብልሽት ምእንቲ ክምዝገብን ክጽገንን ናብ ማይግራንት ሄልፕ ክሕበር ኣለዎ። ኣቅረብቲ ናይ መንበሪ ቤት ዘጋጥሙ ብልሽት ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ናይ ግዜ ገደብ ንምጽጋን ይሰርሑ (“ጽገናን ምትዕርራይን” ተመልከት)። ብሓደ ብልሽት/ጸገም እንተተተንኪፍካ፡ ሪፖርት ንምግባር ክሳብ እቲ ናይ መደባዊ ምርመራ ዝግበር ክትጽበ የብልካን።
ናይ መንበሪ ቤት ኣቅርቦት
ኣቅራቢ ናይ መንበሪ ቤት ናይቲ መንበሪ ቤት መእተዊ ድጋማ መፍትሕ ወይ መሕለፊ መፍትሕ ይሕዝ እዩ እዚ ድማ ብውሑስ መንገዲ እዩ ዝቅመጥ። መብዛሕትኡ ግዜ ናብ መንበሪ ቤትካ ጽገናን መርመራን ንምክያድ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ንስኻ ኣብ ዘለኻሉ እዋን እዩ ዝግበር።
ኣብ ሓጺር ግዜ ክስራሕ ዘለዎ ኣገዳሲ ስራሕ እንተድኣ ኣድልዩ፡ እቲ ኣቅራቢ ናይ መንበሪ ቤትካ ናብቲ መንበሪ ቤትካ መዓስ ከም ዝመጹ ክነግረካ ክረኽበካ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብቲ ገዛ ክትጸንሕ እንተደኣ ዘይክኢልካ እቲ ኣቅራቢ ናይዚ መንበሪ ቤት ናቱ መፍትሕ ተጠቒሙ ናብቲ ቤት ክኣቱ ይኽእል።
ኣብቲ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ኣጋይሽ ክመጹኻ ይፍቀደሎም እዩ፡ ይኹን እምበር ኣጋይሽካ ብቕልጡፍ ናብቲ ቤት ንምእታው ንኽኽእሉ ናይ ዝኾነ በጻሒ ዝመጸሉ ዕለትን ሰዓትን ንሰራሕተኛታት መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ መንበሪ ቤትካ ኣቀዲምካ ሓበሬታ ክትህብ ንላቦ። በጻሕቲ ኣጋይሽ ኣብቲ ቤት ለይቲ ክሓድሩ ከምዘይፍቀደሎም እውን ኣስተውዕል።
ጽገናን ምትዕርራይን
ኣቅረብቲ ናይ መንበሪ ቤት ከከም ዓይነት ናይቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ናይ ግዜ ገደብ ዝኾነ ብልሽት ንምጽጋን ይሰርሑ። ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሰሌዳ ዝተፈላለዩ ምደባታት ናይ ብልሽት፡ መልሲ ናይ ምሃብ ግዜን ገለ ኣብነታት ናይ ብልሽትን ይገልጽ። ብዛዕባ እቲ ናይ ጽገና ምደባ ርግጸኛ እንተዘይኮንካ፡ ወይ እቲ ሪፖርት ዝተገብረ ብልሽት ኣብቲ ዝተዋህበ ናይ ግዜ ገደብ እንተዘይተጸጊኑ፡ ንማይግራንት ሄልፕ ክትሕብር ይግባእ።
ተወሳኺ ናይ መንበሪ ቤት ሓበሬታ
ድሕነት ባርዕ ሓዊ
ኩሎም ብኣቅረብቲ ናይ መንበሪ ቤት ዝቅረቡ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ትኪ መሓበሪ ኣላርም ክህልዎም ኣለዎ። ኣብቲ መንበሪ ቤት ባርዕ እንተ ኣጋጢሙ፡ እቲ ትኪ ነቲ ኣላርም የበራብሮ እሞ ዓው ዝበለ ቀጻሊ ‘ቢፕ’ ዝብል ድምጺ ከስምዕ እዩ።
ባርዕ ሓዊ ምስ ረኣኻ ንስኻን ስድራቤትካን ክትገብሮ ዘሎካ፡
- ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ናይ ባርዕ ሓዊ መሓበሪ ኣላርም ወልዓዮ
- ኣብቲ ቤት ዝተቐመጠ መምርሒታት ተኸቲልካ ብቕልጡፍ ካብቲ ህንጻ ወጺእካ ናብቲ ዝተመደበ ናይ መራኸቢ ቦታ ኺድ።
- ነቲ ባርዕ ሓዊ ንምምካት ዘይምፍታን
- ውልቃዊ ንብረትካ ከተዉጽእ ደው ኣይትበል
- ካብቲ ህንጻ ብዝቐረበ ውሑስ መውጽኢ ውጻእ
- ናብ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊን ህይወት ኣድሕንን ብቑጽሪ ስልኪ 999 ደዊል ንኣቅራቢ መንበሪ ቤትኩም ድማ ኣፍልጥ።
ንህይወት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ስለ ዝኽእል ናይቲ ናይ ትኪ መሓበሪ ኣላርም ባትሪ ኣይተውጽእዎ፡ ኣይትሸፍኖ ኣይትቁረጾ። ብዛዕባ እቲ ናይ ባርዕ ሓዊ መሓበሪ ኣላርም እንድሕር ደኣ ጸገም ኣለዎ ኮይኑ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንሓደ ኣባል ሰራሕተኛታት ክትሕብር ንላቦ። ብተወሳኺ ናይቲ እትነብረሉ ቤት ናይ ሓደጋ መህደሚ መንገድታት ከም እትፈልጦ ከተረጋግጽ ኣለካ። ርግጸኛ እንተዘይኮይንካ ናብ ኣባል ሰራሕተኛታት ናይቶም ወሃቢ ኣገልግሎት ቀሪብካ ተወከስ።
ኣብ ባዕልኻ መግቢ ተዳልወሉ ናይ ፈለማ መንበሪ ቤት ትነብር እንተለኻ፡ እቲ ንብረት ኣብ ዝምርመረሉ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ እቲ ናይ ትኪ መሓበሪ ኣላርም ክፍተን እዩ። እቲ ኣላርም በብእዋኑ ‘ቢፕ’ ዝብል ድምጺ ክገብር እንተጀሚሩ፡ እዚ ማለት ባትሪ ክቕየር ኣለዎ ማለት እዩ። ምስ ማይግራንት ሄልፕ ርክብ ብምግባር ባትሪ ክቕየር ሕተት።
ጽሬት
መንበሪ ኣባይቲ ብጽሩይን ጽፉፍን ኣገባብ ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ። ገለ ዓይነታት ናይ ፈለማ መንበሪ ኣባይቲ (ከም ሆቴላትን ሆስቴላትን) ሰሙናዊ ኣገልግሎት ጽሬት ናይ መደቀሲ ቦታታትን ናይ ሓባር ቦታታትን ይግበር እዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ ዘሎ ግዜ ጽሬት ከባቢኻ ምሕላው ሓላፍነትካ እዩ። መንበሪ ኣባይቲ ጽሬቱ እንተዘይተሓልዩ፡ ባልዕ ክስሕብ ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ድሕነት ናይ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ኣብ ውሽጢ ናይ ገዛእ ርእስኻ መንበሪ ቤት ዘሎ ናይ ጽሬት ደረጃ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለካ እዩ።
ኣብ ሆስቴል ወይ ባዕልኻ መግብኻ እንዳብሰልካ እትነብረሉ ቤት ትነብር እንተኾንካ፡ ኣቅራቢ መንበሪ ቤት ነቲ ናይ ሓባር ቦታታት ብቐጻሊ ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ኣለዎ፡ ዋላ እኳ ንስኻን ካልኦት ነበርትን እውን ነዞም ከባቢታት ክትከናኸንዎም ይግባእ። ንናይ ሓባር ከባቢታት ዝኸዉን ናይ ጽሬት ንብረትን ሃለኽቲ ነገራትን ከም ብሊች፡ መጽረዩ ባይታ (ፍሎር ክሊነር)፡ መሕጸቢ ፈሳሲ (ዋሽንግ ኣፕ ሊክዩድ) ናይ መስርሒ ቦታ መጽረዩ (ቶፕ ክሊነርን)ን ካልኦትን ክቐርብ እዩ።
ጓሓፍ ምጉሓፍ (ኣብ መግብኻ ባዕልኻ ኣዳሊኻ ትነብረሉ መንበሪ ቤት)
ጐሓፍ ኣብ ቅኑዕ ዝኾነ ናይ ሓፈሻዊ ጐሓፍ መትሓዚ(ጀነራል ዌስት) ወይ ዳግመ ኣብ ጥቅሚ ዝዉዕል መትሓዚ(ሪሳይክል) ክኣቱ ኣለዎ። እቲ ናይቲ ከባቢ ካዉንስል ነዚኦም ጉሓፍ ብቐጻሊ ይወስዶም እዩ፡ ስለዚ ኣብ ትኽክለኛ ጓሓፍ ዝዉሰደሉ መዓልቲ ንመእከቢ ናይ ጓሓፍኩም ንኽዉሰድ ከም ዘዉጻእኩሞ ኣረጋግጹ።
ጎሓፍ ኣብ ጎደናታት ይኹን ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታት ምጉሓፍ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ። እዚ ድማ ፍላይ-ቲፒንግ ተባሂሉ ይፍለጥ። ብፍላይ-ቲፒንግ ገበነኛ ኮይንካ እንተተረኺብካ፡ ክትቅጻዕ ወይ ክትእሰር ትኽእል ኢኻ።
ጉዕዞ
ኩሎም ናይ ሴክሽን 98ን ክፍሊ 4ን ደገፍ ዝረኽቡ ዘለዉ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብምድላው፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ትኬት ብምሃብ ወይ ኣብ ዝተወሰኑ ኩነታት ንዋጋ ናይቲ ናይ መገሻ ትኬት ንምሽፋን ናይ ሓደ ግዜ ክፍሊት ናይ መገሻ ሓገዝ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። እዚ ድማ ናብዞም ዝስዕቡ ጉዕዞ ኣብ ዘካይድሉ ከጠቃልል ይኽእል፡
- ቤት ጽሕፈት መዝገብ ልደትን ሞትን ንናይ ቆልዓ ምውላድ ወይ ሞት ናይ መቅርብ ንምምዝጋብ።
- ናይ ሓኪም፡ ሓኪም ስኒ፡ ወይ ናይ ሆስፒታል ቆጸራ፡ ከምኡውን/ወይ ድማ
- ቅድሚ ሕርሲ ወይ ድሕሪ ሕርሲ ዝግበር ቆጸራ
ብሓፈሻ፡ ናይ ሴክሽን 95 ደገፍ ተተዋሂብካ ነቲ ዝወሃብ ፋይናንሳዊ ደገፍ ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ናይ ጉዕዞ ወጻኢታት ክትሽፍኖ ትጽቢት ይግበር፡ ስለዚ ተወሳኺ ሓገዝ ኣይወሃብን እዩ።
ይኹን እምበር፡ ምስ መሓዛኻ ወይ ቤተሰብካ ክትነብር ስለ እትኽእል፡ ካብ ናይ ሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ክትወጽእ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ንወጻኢታት ናይ ኣገደስቲ ዘድልዩኻ ነገራት ንምሽፋን ዝሕግዘካ ንመነባብሮ ጥራይ ዝኸውን ደገፍ እንተጸዲቁልካ፡ ሆም ኦፊስ ካብ ናይ ሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ቤት ናብቲ ክትነብረሉ ዝሓሰብካዮ ሓድሽ ኣድራሻ ትኸደሉ ንመጓዓዝያ ዝኸዉን ምኽንያታዊ ዝኾነ ወጻኢታት ናይ ጉዕዞ ክሽፍን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ንምሕታት ኤ.ኤስ.ኤፍ2 ቅጥዒ ብምጥቃም ወይ ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ብዛዕባ ኣብ ኩነታትካ ዘሎ ሓድሽ ለዉጢ ናይ ምሕባር መስርሕ ክትጥቀም ኣለካ ከምኡውን ምስቲ ምስ መሓዛኻ ወይ ቤተሰብካ እትነብረሉ ሓድሽ ኣድራሻኻ ዝግበር ጉዕዞ ዝተኣሳሰር ወጻኢታት መርትዖ ከተቕርብ ኣለካ።
እዚ ገንዘብ እዚ፡ እቲ ኣገባብ ጉዕዞኻን ወጻኢታትን ምስ ኩነታትካ ኣብ ግምት ብምእታው ርትዓዊ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ጥራይ እዩ ዝወሃብ። እዚ ብሓፈሻ እቲ ዝሓሰረ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣማራጺ ብምጥቃም ዝግበር ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክኸውን ይግባእ።
ፖስጣ
ናትካ ፓስጣ ናትካ ውልቃዊ እዩ። ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ፓስጣ ምእታው ገበን እዩ። ኣብቲ መንበሪ ቤት ናብ ዘይነብር ሰብ ፖስታ እንተመጺኡካ፡ ንሃዉሲንክ ኦፊሰር ከተረክቦ ንላቦ።
መብዛሕትኡ ካብ ሆም ኦፊስ ዝመጽእ ደብዳቤታት ብፖስታ ክኸውን እዩ፡ ስለዚ ኣብ ሆቴል ነቶም ሰራሕተኛታት መቐበሊ ኣጋይሽ ሪሴፕሽን ብቐጻሊ ናትኩም ፓስጣ መጺኡ ተኾይኑ ክትሓትዎም ኣገዳሲ እዩ፡ ወይ ድማ ኣብ ርእሱ ዝኸኣለ መንበሪ ቤት ትቅመጥ እንተሃሊኻ ኣብ ናይ ፓስጣ ሳጹን ክትረኽብዎ ትኽእሉ፡ ዝኾነ ለውጢ ናይ ኣድራሻ ድማ ንሆም ኦፊስ ክትሕብሩን ኣገዳሲ እዩ።
ምቅያር መንበሪ ቤትን እትነብረሉ ቦታ ንኽትቅየር ምሕታትን
በብእዋኑ መንበሪ ገዛ ክትግዕዝ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ናብ ናብቲ ዳሕራይ ትብተነሉ መንበሪ ክትግዕዝ እንተኾይንካ፡ ወናኒ ናይቲ መንበሪ ቤትካ እቲ ገዛ ክምለሰሎም ምስ ዝደልዩ፡ ኣብ ዙርያ ናይ ጥዕናን ድሕነትን ረቛሒታት ሕጋዊ ግዴታታት ምምላእ ስክፍታ እንተሃልዩ፡ ንሓደ ተጠቃሚ ኣገልግሎት ብፍሉይ ዘድልዮ ነገራት ንምምላእ ወይ ድማ ንሓደ መንበሪ ቤት ዓቢ ዝኾነ ናይ ጽገና ስራሕ እንተድኣ ኣድልዩዎ። ሆም ኦፊስን ኣቅራቢ ናይ መንበሪ ቤትካን ኣብቲ ዝተመደብካሉ ቦታ ዘድልየካ ነገራት ከም ዝማላእ ከረጋግጹ እዮም፡ ይኹን እምበር መንበሪ ቤት ብዘይ ምርጫ እዩ ዝወሃብ፡ ስለዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ክትጸንሕ ኣይከኣልን እዩ። ንስኻ ክትግዕዝ እንተደኣ ተደልዩ፡ ነቲ ምድላዋት ዘረጋግጽ ደብዳበ ይለኣኸልካ። ናትካ ኢሜይል ኣብቲ ፋይልካ ተመዝጊቡ ኣሎ እንተደኣ ኮይኑ እዚ ብኢመይል ክለኣኸልካ እዩ፡ ወይ ድማ ኣብ ብፖስታ ክለኣኽ እዩ። ከም ሓፈሻዊ ሕጊ፡ እቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ነዚ ክገብር ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ቅድሚ 5 መዓልታት ምልክታ ክህበካ እዩ፡ ይኹን እምበር እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ምግዓዝካ መደብ ክካየድ ኣብ ዘድልየሉ እዋናት እዚ ኣቀዲምካ ናይ ምሕባር ኩነታት ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል እዩ (ንኣብነት እቲ ናይ ዳሕራይ ምስ ተበተንኩም እትምደበሉ መንበሪ ቤት ምስ ዝርከብ ወይ ኣብቲ ሕጂ ዘለኻዮ መንበሪ ቤት ናይ ጥዕናን ድሕነትን ጉዳይ ኣብ ዝህልወሉ)።
ዋላ እኳ ኣቐዲምካ ኣበይ ከም እትግዕዝ እቲ ልክዕ ኣድራሻ እንተዘይተዋህበካ፡ ብዛዕባ እቲ ቦታ (ንኣብነት ዓዲ ወይ ከተማ) ክትሕበር ኢኻ፡ ናብቲ መንበሪ ቤትኻ ንኽወስደካ ድማ ናይ ወሃብቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክዳሎ እዩ። እቲ ዝፍቀድ ናይ ሻንጣ ብዝሒ ንሓደ ሰብ ክልተ ሻንጣ ኮይኑ፡ ብዘይካቲ ናይ ህጻናት መጻወቲን ካልእ ንብረትን፡ ናይ ህጻናት ክንክን ኣቑሑት፡ ናይ ሕክምና መሳርሒታት፡ ናይ ቆልዓ ዓረብያ ባግይ ከምኡዉን/ወይ ፕራም ከምኡዉን ኣድላይ እንተኾይኑ ናይ ስንክልና ሓገዝን እዩ።
ይኹን እምበር፡ ሆም ኦፊስ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ መንበሪ ቤት ክወሃበካ ንዝቐርብ ሕቶታት ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ – ናይ መንበሪ ቤት ምደባ መምርሒ ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ሕጂ ዘለኻዮ ወይ ክትምደቦ ተሓሲብቡልካ ዘሎ መንበሪ ገዛ እኹል ኣይኮነን ወይ ድማ ነዚ ዘለካ ውልቃዊ ዘድልየካ ነገራት ዘየማልእ ኮይኑ እንተተሰሚዑካ፡ ነዚ ዝድግፍ መርትዖ ንማይግራንት ሄልፕ ኣቕርብ፡ ንሳቶም ድማ ነዚ ንሆም ኦፊስ ከካፈልዎ እዩም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ገደብ ኣብ ዘይብሉ፡ ነቲ ናይ መንበሪ ቤት ምቕራብ ከምቲ ዝቐረበልካ ክትቅበሎ ትጽቢት ይግበር። Asylum accommodation requests: caseworker guidance - GOV.UK
5ይ ክፋል ገንዘብን ናይ ድጋፍ ክፍሊትን
ኣቅርቦት መግቢ ኣብ ዘለዎ መንበሪ ቤት እንተሃሊኻ፡ ብኣቅራቢ መንበሪ ቤትካ ኣብ ዘይወሃቡሉ እዋን ንከም ክዳውንቲ ዝኣመሰለ ኣገደስቲ ናይ መነባብሮ ድሌታት ንምሽፋን ሰሙናዊ ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ባዕልኻ መግብኻ እተዳልወሉ መንበሪ ቤት እንተሃሊኻን ናይ ገዛእ ርእስኻ መግቢ ተብስል እንተደኣ ኮይንካ፡ ነቲ ባዕልኻ ክተዳልዎ መግብን ናይ ሽንት ቤት ዘድልዩ ንብረትን እተዉጽኦ ተወሳኺ ወጻኢታት ንምሽፋን ሰሙናዊ ዝወሃበካ ገንዘባዊ ደገፍ መጠኑ ክውስኽ እዩ።
ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ውሳነ እናተጸበኻ ከሎኻ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ሆም ኦፊስ መንበሪ ቤት ምጽናሕ ምስ መሓዛኻ ወይ ቤተሰብካ ክትነብር እንተመሪጽካ፡ ንዋጋ ኣገደስቲ ናይ መነባብሮ ዘድልዩኻ ነገራት ንምሽፋን ሰሙናዊ ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ እውን ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ደገፍ ድማ ‘ንመነባብሮ ጥራይ/ሳብሲስተንስ ኦንሊ’ ተባሂሉ ይፍለጥ። ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ሴክሽን 95 ደገፍ ምስ ጸደቀልካ ኣስፐን ካርድ ክወሃበካ እዩ፡ እዚ ድማ ናብ ኣድራሻኻ ክለኣኽ እዩ። ድሕሪ ናይ ሴክሽን 95 ከም ዝጸደቀልካ ዝገልጽ ደብዳቤ ምቅባልካ እቲ ካርድ እንተዘይመጺኡካ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ተራኺብካ ክትሕብሮም ንላቦ፡ እንተኾነ ግን እቲ ንዓኻ ዝግበኣካ ደገፍ ካርድኻ ምስ ተቐበልካ ኣብቲ ካርድኻ ኣትዩ ድሉው ኮይኑ ዝጸንሓካ ድጋፍ ናብቲ ካርድ ከም ዝኣቱ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ብዛዕባ ደረጃ ናይ ዝወሃበካ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዝኾነ ጉዳይ ወይ ሕቶ ምስ ዝህልወካ፡ ወይ ድማ እታ ኣስፐን ካርድ ምስ ተወሃበትካ እንተደኣ ጠፊኣትካ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ክትረኽቦም ይግባእ። ኣስፐን ካርድካ ቺፕ-ኤንድ-ፒን(ነታ ካርድ የእቲኻ ነቲ ፒን ቁጽሪ ድማ ተእትዎ) ዝጥቀም ኮይኑ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ድማ ይመስል።
ሓበሬታ ብዛዕባ ኣስፐን ካርድኻ
እዚ ክረዲት ካርድ ኣይኮነን ናይ ባንክ ሕሳብ እውን ኣይከፍትን። ኣብ ካርድካ ገንዘብ ከእቱ ዝኽእል ሆም ኦፊስ ጥራይ እዩ፡ ስለዚ ካብ ካልኦት ክፍሊት ንምቕባል ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ሆም ኦፊስ ክትወሃቦ ዝግበኣካ መጠን ገንዘባዊ ደገፍ ከፍልጠካ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ካርድካ ክኣትወልካ እዩ። እቲ ዝወሃበካ መጠን ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ዝሽፍን እዩ። ኣብቲ ካርድ ዘሎ ገንዘብ ጥራይ ኢኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል። ቅድሚ ነገራት ምግዛእካ እኹል ገንዘብ እንተሃልዩካ ክትፈልጥ ከድልየካ እዩ፣ እንተዘይኮይኑ ክፍሊት ክትፍትን ከለኻ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። እቲ ካርድ እቲ ቁጽሪ ናይ ፒን ዝተመደበሉ ሰብ ጥራይ እዩ ክጥቀመሉ ዘለዎ። እቲ ካርድ ብውሑስ መንገዲ ከም ዝተዓቀበ ምርግጋጽ ናትካ ሓላፍነት እዩ። ስድራቤትካ ደገፍ ይረኽቡ እንተኾይኖም፡ እቲ ቀንዲ ኣመልካቲ (ንደገፍ ዘመልከተ ሰብ) ነቲ ስድራቤት ዝኸውን ናይ ኣስፐን ካርድ ክሕዝ እዩ።
ሆም ኦፊስ ካብ ምትላል ንምክልኻልን ንተጠቀምቲ ናይ ኣገልግሎትና ውሕስነቶም ንምሕላው ኣጠቓቕማ ናይቲ ካርድ ክምርምሮ ይኽእል። ኣብቲ ካርድ ዘሎ ናይ ኤክስፓየር/ዝወድቀሉ መዓልቲ እቲ ደገፍ ዝውድኣሉ ዕለት ንሱ እዩ ማለት ኣይኮነን። ሕጂ ውን እቲ ካርድ ኤክስፓየር ምስ ኮነ ፋይናንሳዊ ደገፍ ትረክብ ኣለኻ እንተኾንካ ክሕደስ እዩ። ኮንታክትለስ ክፍሊት(ከየተንከፍካ ትገብሮ ክፍሊት)፡ ብተሌፎን ወይ ብኢንተርነት ክፍሊት ክትገብር ወይ ድማ ካርድኻ ኣብ ካብዚ ሃገር ወጻኢ ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ካርድኻ ንገለ ንብረታት ወይ ኣገልግሎት ንምግዛእ ካብ ምጥቃም ክኽልክለካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ናብ ጥዕና ክንክን ዝህበካ ንኽትከይድ ዘድልየካ ተወሳኺ ክፍሊት ምስ ዘድልየካ ናብ ማይግራንት ሄልፕ ተወከስ።
እቲ ኣስፐን ካርድኻ ነዞም ዝስዕቡ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ:
- ኣብ መብዛሕትአን ኣርማ ማስተርካርድ ዘለዎም ድኳናት ንናይ ችርቻሮ ክፍሊት ክትከፍል፡ ክሳብ እቲ ኣብቲ ካርድ ዘለካ መጠን ገንዘብ።
- ዝተረፈ ሕሳብካ ኣብ ኤቲኤም ረኣዮ፡ እዚ ድማ ካሽ ማሽን እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።
- ካብ ናይ ካሽ ማሽን ጥረ ገንዘብ ምውጻእ፡ ክሳብ 200 ፓዉንድ ዝበጽሕ ገንዘብ ግን ገለ ናይ ካሽ ማሽናት ነዚ ክትገብር ከሎኻ ክፍሊት ስለ ዝሓታ ተጠንቀቕ።
- ኣብ ማስተርካርድ ዝሳተፋ ድኳናት ገለ ነገር ክትገዝእ ከለኻ ጥረ ገንዘብ ምምላስ(ካሽ ባክ ምርካብ)።
እንተኾነ ግን ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተተነጺጉ ኣብ ናይ ሴክሽን 4 ደገፍ እንተሃሊኻን ካብ ማሽን ጥረ ገንዘብ ከተውጽእ ወይ ካብ ድኳናት ካሽባክ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ።
እዞም ዝስዕቡ እንተኣጋጢሞም ንማይግራንት ሄልፕ ብቑጽሪ ስልኪ 0808 8010 503 ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ርኸቦም።
- ትጽበዮ ዝነበርካ ክፍሊት ናይ ገንዘብ ምስ ዘይመጸካ፡ ወይ ጌጋ መጠን ገንዘብ ምስ ዝመጸካ።
- ካርድኻ ምስ ዝጠፍእ፡ ምስ ዝበላሾ ወይ ምስ ዝስረቕ (እዚ ተሰሪዙ መተካእታ ካልእ ክወሃበካ)
ተወሳኺ ክፍሊት
ንዝኾነ ተወሳኺ ክፍሊት ብቑዕ ክትከዉን ትኽእል ኢኻ ኢልካ እንተሓሲብካ፡ ንማይግራንት ሄልፕ ብስልኪ ቁጽሪ 0808 8010 503 ተወከስ። እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓበሬታ ገለ ካብቶም ብቑዕ ክገብሩኻ ዝኽእሉ ጉዳያት ይገልጽ:
ጥንሲ
ነፍሰጾር እንተኾይንኪን ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዑቕባን 1999 ሴክሽን 4, 95 ወይ 98 ድጋፍ ትረኽቢ እንተኾንኪ፡ ካብ ምውላድ ሓድሽ ህጻን ንዝፍጠር ወጻኢታት ንምሕጋዝ ንሓደ ግዜ ጥራሕ ዝኽፈል ናይ ወሊድ ክፍሊት ክትረኽቢ ብቅዕቲ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ነዚ ሓገዝ እዚ ንምርካብ ኣብ መንጎ 8 ሰሙን ቅድሚ ውላድኪ ምውላዱን ድሕሪ 6 ሰሙን ምውላድክን ዘሎ ግዜ ብጽሑፍ ከተመልክቲ ኣሎኪ። ቅድሚ ውላድኪ ምውላዱ ንምምልካት፡ ንማይግራንት ሄልፕ ወግዓዊ ናይ ሕክምና መርትዖ ናይቲ ክትወልድሉ ተገሚቱ ዘሎ ዕለት ሕርሲ ከም ኦርጅናል ማትቢ1(MATB1) ሰርቲፊኬት ወይ ካልእ ሕክምናዊ መርትዖ ናይ ጥንሲኪ ከተርእዩ ከድልየኪ እዩ። ውላድኪ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ወጻኢ እንተተወሊዱን ዕድሜኡ ትሕቲ 3 ወርሒ እንተኾይኑን ወይ ድማ ኣብ ካልእ ፍሉይ ኩነታት እውን ከተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ። ዕድመ ናይቲ ቆልዓ ዝምልከት ተኣማንነት ዘለዎ መርትዖ ከተርእዩ ክትግደዲ ኢኺ፡ እዚ ድማ እቲ ንቡር ናይቲ ህጻን እቲ ቀንዲ ነዊሕ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ክኸውን እዩ።
ኣብ እዋን ጥንስኺ ተወሳኺ ሰሙናዊ ናይ ደገፍ ክፍሊት ክትረኽቢ እውን መሰል ክህልወኪ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ናይ ጥንሲ ክፍሊት ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ተወሳኺ መኣዛዊ ጥዕና ዘለዎ መግቢ ንምግዛእ ዝቐርብ እዩ። ናይ ጥንሲ ክፍሊት ቅድሚ እቲ ህጻን ምውላዱ ኣብ ዝኾነ እዋን ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ብጽሑፍ ክትሓትት ይከኣል። ነቲ ጥንሲ ዘረጋግጽ ሕክምናዊ መርትዖታት ከም ኦርጅናል ናይ ማትቢ1 ሰርትፍኬት ወይ ካብ ናይ ሚድዋይፍ ዝመጽእ ደብዳበ ወይ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪም ጂፒ ዝመጽእ ደብዳበ ከተቕርቢ ከድልየኪ እዩ።
ውላድኪ ምስ ተወልደ ኣብ ልዕሊ እቲ ንቡር ክፍሊት ተወሳኺ ሰሙናዊ ክፍሊት ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ፡ እዚ ድማ ክሳብ ቀዳማይ ዕለተ ልደቱ እዩ፡ ከምኡውን ኣብቲ ናይ ዳሕራይ ምስ ተበተንኩም እትነብረሉ ቤት ወይ ኣብ መግብኻ ባዕልኻ ኣዳሊኻ እትነብረሉ ቤት ኣለኹም ኮይንኩም ንዝኾነ ካልኦት ካብ 1 ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዉን ፍሉይ ሰሙናዊ ክፍሊት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ንኽወሃበኩም ኣብ ምምርማር ናይቶም ደቅኹም ዕድሜኦም ንምርግጋጽ ነቲ ኦሪጂናል ነዊሕ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ምስ ናይ ሕክምናዊ መርትዖ ከተቕርቡ ከድልየኩም እዩ፡ ዉላድኩም ድሕሪ ምውላዱ ድማ ኣብ ውሽጢ 6 ሰሙን ክትገብርዎ ኣለኩም። ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ድማ ከተመልክቱ ይግባእ።
ብዛዕባ ተወሳኺ ክፍሊት ንኣዴታትን ንኣሽቱ ህጻናትን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ዝስዕብ ክትዉከሱ ንላቦ፡
ፍሉይ ኩነታት
ካብቲ መደበኛ ናይ ደገፍ ዓቀን ዝሽፍኖ ንላዕሊ ዓቢ ወጻኢታት ዝፈጥር ፍሉይ ኩነታት እንተሃልዩካ፡ ተወሳኺ ክፍሊት ክትረክብ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ (እዚ ብሴክሽን 96 ክፍሊታት ተባሂሉ ይፍለጥ)። ንኣብነት፡ ናብ ሕክምናዊ ቆጸራታት ነዊሕ ርሕቀት ክትጓዓዝ እንተድኣ ኣለካ (እዚ ቅድሚ መገሻ ክሕተት ኣለዎ) ወይ ድማ ፍሉይ ኣመጋግባ ዘድልዮ ሕክምናዊ ኩነታት እንተሃልዩካ። ነዚ ንምግባር ንማይግራንት ሄልፕ ብምርካብ ኤ.ኤስ.ኤፍ2 (ASF2) ምልኣዮ -
ምስ መሓዛ ወይ ቤተሰብ ክትነብር ስለ እትኽእል ካብ ናይ ሆም ኦፊስ መንበሪ ቤት ክትወጽእ እንተደሊኻ፡ ከምኡውን ኣብ ሴክሽን 95 ንፋይናንስ ጥራይ ዝኸውን ደገፍ እንተ ኣመልኪትካ፡ ሆም ኦፊስ ናብቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ መኸዲ ዝወጽእ ወጻኢታት ናይ ጉዕዞ ክሽፍኖ ይኽእል እዩ፡ እዚ ወጻኢታት እዚ ርትዓዊ እንተኾይኑን ዝሓሰረ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣማራጺታት (ኣሎ እንተኾይኑ) ምስ እትጥቀምን እዩ። ንማይግራንት ሄልፕ ብምርካብ ነዚ ዓይነት ሓገዝ ንምሕታት ናይ ለዉጢ ኣብ ኩነታትካ ቅጥዒ (ሲ.ኦ.ሲ/CoC) ምልኣዮ፡ ምስቲ ምስ መሓዛ ወይ ቤተሰብ ክትነብሩ ትኸድዎ ዘለኹም ሓድሽ ኣድራሻኻ ዝግበር ጉዕዞ ዝተኣሳሰር ወጻኢታት መርትዖ ከተቕርብ ኣሎካ።
6ይ ክፋል ድሕሪ ሕቶኻ ዉሳኔ ምርካቡ ካብኡ ምቕጻል
ናይ ዑቕባ ሕቶኻ (ዝኾነ ይኹን ይግባይ ሓዊሱ) ዉሳኔ ምስ ዝወሃቦ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሆም ኦፊስ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰልካ ደው ክብል እዩ። እዚ እንተኾይኑ ድማ፡ ፋይናንሳዊ ደገፍካ ደው ከም ዝብልን ካብቲ መንበሪ ቤት ክትወጽእ ከም ዘለካን (ካብቲ ናይ ፈለማ ወይ ናይ ዳሕራይ ምስ ተበተንኩም ዝኸድኩሞ ቤት) ምልክታ ክወሃበካ እዩ።
ካብዚ ቀጺልካ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ኣብቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣወንታዊ ድዩ ኣሉታዊ ዉጽኢት ተዋሂብዎ ዝምርኮስ እዩ። እቲ ዉሳኔ ምስ ተወሰነ ማይግራንት ሄልፕ ኣብ ሓጺር ግዜ ክረኽበካን ኣብ ዝቕጽል ስጉምትታት ምኽሪ ክህበካን እዩ። ንተወሳኺ ምኽሪ ንናይ ካዉንስል ናይ ሆምለስ ጉጅለ እውን ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።
እቲ ውሳነ ምስ በጽሓካ፡ ናይ ሊቭ ቱ ሪሜይን መንበሪ ፍቓድ እንድሕር ደኣ ተዋሂቡካ (ኤል.ቲ.ኣር) እንተተዋሂቡካ ካብቲ መንበሪ ቤት ክትወጽእ እንተወሓደ 28 መዓልታት፡ ኣሉታዊ ውሳነ እንተተዋሂቡካ ድማ 21 መዓልታት ካብቲ መንበሪ ቤት ክትወጽእ ክህልወካ እዩ። ቅድሚ ካብቲ መንበሪ ቤት ምውጻእካ፡ ኩሉ ውልቃዊ ንብረትካ ከም ዝጠርነፍካዮ ኣረጋግጽ፡ እቲ መንበሪ ቤት ጽሩይን ጽፉፍን ምዃኑን ዝኾነ ውልቃዊ ንብረት ከምዘይገደፍካ ኣረጋግጽ። ዝኾነ ኣብቲ ገዛ ገዲፍካዮ ዝኸድካ ንብረት ቅድሚ ምጉሓፉ ን28 መዓልታት ኣብ መኽዘን ክቕመጥ እዩ።
ዕዉት ናይ ዑቕባ ሕቶ
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ፍቓድ እንተተዋሂቡካ - ወይ ናይ ረፊጂ ስታቱስ፡ ወይ ናይ ኪስክረሽናሪ ሊቭ፡ ወይ ሁማኒተርያን ፕሮቴክሽን - እንተተዋሂቡካ ድሕሪኡ ስራሕ ክትሰርሕ፡ እቶም ዘለዉ በነፊት ክትሓትት፡ ከምኡውን ናይ ብሕቲ መንበሪ ቤት ክትደሊ (ዋላ’ኳ ንናይ ካዉንስል ደገፍ ናይ ኣባይቲ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል እንተኾንካ) ከምኡውን ኣብዚኦም ዝኣመሰሉ ሓገዝ ከም ካልኦት ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብማዕረ ክትረኽቦም ብቑዕ ክትከውን ኢኻ። ኢ-ቪዛ ክትወሃብ ኢኻ፡ እዚ ድማ ብቑዕ ምዃንካ ንምርኣይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ዑቕባ ደገፍ መሰልካ ካብቲ ከም ዝተቀበሉኻ ዝገልጽ ደብዳቤ ዝተዋህበካ ዕለት ድሕሪ 28 መዓልታት ጠጠዉ ክብል እዩ። እትወሃቦ ዘሎኻ ናይ ዑቕባ ደገፍ ናይ ምቁራጽ ደብዳበ (አሳይለም ሳፖርት ዲስኮንቲኔሽን ሌተር) ክመጸካ እዩ፡ እዚ ድማ እቲ ትኽክለኛ ናይ ሓታቲ ዑቕባ ድጋፍ ዝውድኣሉ ዕለት ዘረጋግጽ ደብዳበ እዩ። ካብ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ዝወሃብ ደገፍ ንምስግጋር ግዜ ክወስድ ስለ ዝኽእል፡ ናይ ውሳነ ደብዳቤኻ ምስ በጽሓካ ቀልጢፍካ ናይ መጻኢ መደባትካ ምድላዋት ክትጅምር ኣገዳሲ እዩ። ሆም ኦፊስ ካብቲ ዝወሃበካ ደገፍ ዝውድኣሉ መዓልቲ ንላዕሊ ነቲ ደገፍ ከናውሕ ኣይክእልን እዩ።
ንኹሎም ውልቀሰባት ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ ወይ ብመሻርኽቲ ትካላት ንቅድሚት ናይ ምኻድ (ሙቭ ኦን ሰርቪስ) ደገፍ ንህብ። ማይግራንት ሄልፕ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኽትወሃሃድ ንምድጋፍካ ክሕግዝ ዝተዳለወ ምኽሪ ክህበካ እዩ።
መለለዪ ሰነድ ኣይዲ እንተዘይብልካ ሆም ኦፊስ ናይ ዩኬቪኣይ/UKVI ኣካውንት ክኸፍተልካ እዩ፡ እዚ ዩኬቪኣይ ኣካውንት እዚ ናብ ኢቪዛኻ ክትኣቱን ነቲ “view and prove” (ተመልከትን ኣረጋግጽን) ዝብል ኣገልግሎት ተጠቒምካ ብዛዕባ ናይ ኢሚግሬሽን ኣገልግሎቶም ሓበሬታ ከተካፍልን ከኽእለካ እዩ። እም ኣብነት ገዛ ኣብ ትካረየሉ ገዛ ናይ ምክራይ መሰል ከም ዘለካ ንምርግጋጽ። እዚ ኣካውንት እዚ ኣወንታዊ ውሳነ ካብ ዝተወሃብካሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ክኽፈተልካ እዩ።
ዩኬቪኣይ ካስተመር ናምበር ዝበሃል ሓድሽ መወከሲ ቁጽሪ ክትወሃብ ኢኻ፡ እዚ ድማ ምስ ዕለተ ልደትካ ብምጥቃም ናብቲ ኢቪዛኻ ክትኣቱ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ናብቲ ኣካውንት ንምእታው እውን ናብ ኢመይልካ ወይ ስልክኻ ምእታው ከድልየካ እዩ። ሕጋዊ ወኪልካ ወይ ሓላፍነት ዘለዎ ልዕሊ ዕድመ ሰብ ነዚ ኖቲፊኬሽን ሓበሬታ ኣብ ክንዳኻ ክቕበሎ ይኽእል እዩ፡ ይኹን እምበር እዚ ወይ ብናይ ኦንላይን ሪካቨሪ መስርሕ(ዳግም ምርካብ) ብምጥቃም ክፍታሕ ይኽእል እዩ፡ ወይ ድማ ናብ ማእከል ፍታሕ ናይ ዩኬቪኣይ ክትድውል(ዩኬቪኣይ ሪዞልሽን ሰንተር) ወይ ድማ ናይ ዩኬ ቪዛ ኤንድ ኢሚግሬሽን አካዉንት ዲቴይል ሰርቪስ ክትጥቀም ከድልየካ እዩ። ኢቪዛኻ ኣብ ምድላው ወይ ናብኡ ኣብ ምእታዉ ጸገማት እንተሃልዩካ ብመንገዲ ማይግራንት ሄልፕ፡ ኣድቫይስ ኤን.ኣይ፡ ሲቲዝን ኣድቫይስ ስኮትላንድ፡ ዌልሽ ረፊጂ ስኮትላንድ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ምሉእ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። eVisa: community support for vulnerable people.
እቲ ናይ ዑቕባ ደገፍ ናይ ምቁራጽ ደብዳበ (አሳይለም ሳፖርት ዲስኮንቲኔሽን ሌተር) እቲ ደገፍ ዝዛዘመሉ ዕለት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ቅዳሕ ናይ ዩኬቪኣይ ኣካውንት ዝርዝርኩም እውን ከጠቓልል እዩ።
ዝርዝር ናይ ዩኬቪኣይ ኣካዉንትኻ ወይ ናይ ዑቕባ ደገፍ ናይ ምቁራጽ ደብዳበ መዓስ ከም ዝተወሃበ ብዘየገድስ፡ ናይ ዑቕባ ውሳነ ምስ ተወሃበካ እኹል ናይ ምስግጋር ግዜ ክህልወካ ምእንቲ ቀልጢፍካ ካብ ናይ ዑቕባ ደገፍ ክትሰጋገር መደባት ምጅማር ኣገዳሲ እዩ። ቅድሚ ዝርዝር ናይ ዩኬቪኣይ ሕሳብካ/ኢቪዛኻ ምቕባልካ ገለ ገለ ወሰንቲ ኣገልግሎታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ከምኡውን እቲ ናይ ውሳነ ደብዳቤ ጉዳይካ ዉሳኔ ምስ ተወሃቦ ብዛዕባ መንበሪ ገዛ፡ ናይ ዩኒቨርሳል ክሬዲት ማመልከቻን ምኽፋት ናይ ባንኪ ሕሳብን ዝምልከት ክትወስዶም ዘለካ ኣገደስቲ ስጉምትታት ብንጹር ክገልጸልካ እዩ።
ንናይ ዑቅባ ሕቶ ምዝገባ ካርድ (ኣሳይለም ረጂስትረሽን ካርድ ኤ.ኣር.ሲ) ምስቲ ውሳነ ንናይ ዑቕባ ሕቶኻ ዝገልጽ ደብዳቤ ተጠቒምካ ንዩኒቨርሳል ክሬዲት ማመልከቻ ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ዑቕባ ናይ ንቅድሚት ምኻድ ርክብ ኦፊሰር (ኤ.ኤም.ኤል.ኦ) ኣብ ገለ ገለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ቦታታት ደገፍ ይህቡ። ኣብቲ መንበሪ ቤትካ ዝሰርሑ ኤ.ኤም.ኤል.ኦ እንተሃልዮም ቆጸራ ክህቡኻ ይኽእል እዮም።
- ኤ.ኤም.ኤል.ኦ ኣብ ሆቴላት ወይ ካልእ መንበሪ ኣባይቲ ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ይረኽብዎም፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብተሌፎን ደገፍ ይህቡ።
- ኤ.ኤም.ኤል.ኦ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሊቭ ቱ ሪሜይን መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ሰባት ካብ ናይ ሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ክሰጋገሩን ኣብ ዝቕጽል ደረጃ ህይወቶም ዝድግፎም ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ይሕግዝዎምን ይመርሕዎምን። ብዛዕባ ንቅድሚት ናይ ምኻድ ናይ ሙቭ ኦን መደባት ምሳኻ ክዛተዩን ናብ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ኣገልግሎታት ድማ ክመርሑኻን እዮም። ጸገማት እንተሃልዮም ንኣብነት ዝጎደሉ ሰነዳት እንተሃልዮም ኣማሊኦም ነዞም ጉዳያት ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ኤ.ኤም.ኤል.ኦ የቀላጥፍዎም።
- ኩሎም ኣገደስቲ ወረቓቕቲ ከም ዘለዉኻ የረጋግጽ፡ ንሳቶም ድማ ከም ናይ ዑቕባ ናይ ውሳነ ደብዳቤ፡ ናይ ኢቪዛ ኣካዉንትኻ ዝርዝር፡ ከምኡውን ናይ ዑቕባ ደገፍ ናይ ምቁራጽ ደብዳበ (አሳይለም ሳፖርት ዲስኮንቲኔሽን ሌተር) ደብዳቤ። ኤ.ኤም.ኤል.ኦ ከም ዩኒቨርሳል ክረዲት ዝኣመሰሉ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ በነፊት ጥቕምታት ኣብ ምርካብ እውን ክድግፉኻ እዮም።
- ኤ.ኤም.ኤል.ኦ ናይ መንበሪ ቤት ዝምልከት ምኽሪ ኣይህቡኹምን እዮም ወይ እዉን መንበሪ ቤት ኣየዉሕሱልኩምን እዮም። ተራኦም ደገፍ ንኸይትረክብ ክኽልክሉኻ ዝኽእሉ መሰናኽላት ምእላይን ናብ ቅኑዕ ኣገልግሎት ኣንፈት ምምራሕን እምበር ብቐጥታ መንበሪ ኣባይቲ ምቅራብ ኣይኮነን።
- ኤ.ኤም.ኤል.ኦ ብዘይ ገለ ጸገም ንቅድሚት ክትከይድ ዘድልየካ ሰነዳትን መምርሕን ሒዝካ ከም ዘሎኻ የረጋግጽ።
ስራሕ ምርካብ ወይ በነፊት(ጥቅማ ጥቅሚ ምሕታት)
ስራሕ ክትደሊን/ወይ ድማ በነፊት ክትሓትት ከድልየካ እዩ። ጆብሰንተር ፕላስ ነዚኦም ጉዳያት ዘካይድ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት እዩ። ማይግራንት ሄልፕ ብዛዕባ እዚ ክድግፈካ ይኽእል እዩ፡ ምስ ጆብሰንተር ፕላስ ናይ መጀመርታ ቆጸራኻ ንኽትሕዝ ንክሕግዘካ ድማ ክረኽበካ እዩ። እዚ ነገር እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።
ኣምራጺ መንበሪ ቤት ምርካብ
ናይ ገዛእ ርእስኻ መንበሪ ቤት ክትረክብ ከድልየካ እዩ። እዚ ድማ ናይ ክራይ መንበሪ ቤት፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ እንዳሰራሕካ ትነብረሉ፡ ሆስቴል፡ ፍላት ቤት ወይ ባዕልኻ እትረኽቦ ምስ ካልእ ሰብ ተላፊንካ ትነብረሉ ሃዉስ ሼር ክኸውን ይኽእል። ከም ማይግራንት ሄልፕ ናይቲ ኣከባቢ ካዉንስል ክፍሊ ኣባይቲ እዉን ምኽርን ሓገዝን ክህብ ይኽእል። ይኹን እምበር፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ናይ ብሕቲ መንበሪ ቤት ባዕልኻ ክትረክብ ከም ዘድልየካን፡ እቲ ካዉንስል ድማ ፍሉይ ዝኾነ ከም ዝያዳ ንሓደጋ ተጋላጺ ክገብረካ ዝኽእል ነገር ምስ ዝህልወካ ወይ ድማ ቆልዓ ምስ ዝህልወካን ዝኣመሰሉ ተወሰኽቲ ፍሉይ ኩነታት ምስ ዝህልወካ ጥራይ ብናይቲ ካዉንስል ቀረብ መንበሪ ቤት ከም ትቅመጥን ከተስተዉዕል ንላቦ።
ተቀባልነት ዘይረኸበ ናይ ዑቕባ ሕቶ
ኣብ ስድራቤትካ ቆልዑ እንተዘይብልካ ድሕሪ 21 መዓልታት ናይ ሓተቲ ዑቕባ ደገፍ መሰልካ ደው ይብል። ካብ መንበሪ ቤትካ ኣበየናይ ዕለት ክትወጽእ ከም ዘለካ ዝሕብር ደብዳበ ድማ ክመጸካ እዩ። ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትወጽእ ስጉምትታት ትወስድ እንተኾይንካ ግን ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት ክትብገስ ትኽእል ኢኻ ኢልካ እንተዘይኣሚንካ ከመይ ጌርካ ተወሳኺ ደገፍ ከም እትሓትት እውን ሓበሬታ ክህበካ እዩ። እዚ ዓይነት ደገፍ ‘ሴክሽን 4 ደገፍ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ገለ ገለ ካልእ ኩነታትውን ክህሉ ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዝመጸካ ደብዳበ ክግለጽ እዩ። ብዛዕባ ናይ ሴክሽን 4 ደገፍ እውን ካብ ማይግራንት ሄልፕ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻን ዝኾነ ይኹን ናይ ይግባይ መስርሕን ኣብ ዝተነጽገሉ እዋን ኣብ ስድራቤትካ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ እንተሃልዮምኻ፡ እቲ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ደገፍ ዝወሃበካ ብቐጥታ ደው ኣይብልን እዩ።
ናይ ዑቕባ ሕቶኻ (ዝኾነ ይግባይ ሓዊሱ) እንተተነጺጉ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትወጽእ ምድላዋት ክትገብር ትጽቢት ይግበር። ሆም ኦፊስ ወለንታዊ ናይ ምምላስ ኣገልግሎት ይህብ፡ እዚ ድማ ዝኾነ ኣድላዪ ምድላዋት ክትገብር ክሕግዘካ ይኽእል። ብዛዕባ እዚ ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ኣገልግሎት ብወለንታ ምምላስ ክትበጽሖም ወይ ክትድውለሎም ትኽእል ኢኻ፡0300 004 0202.
ውሳነኻ ምስ ተቐበልካ ኣብ ሓጺር ግዜ ማይግራንት ሄልፕ ክረኽበካን ብዛዕባ ዝቕጽል ስጉምትታት ምኽሪ ክህበካን እዩ፡ እንተላይ ናይ ወለንታዊ ምምላስ ኣገልግሎት ሓበሬታን ጥቕምታትን።
ብዛዕባ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኻ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘለኻሉ ብዛዕባ ንዓኻ ዘሎካ ናይ ድጋፍ ኣገልግሎታት ወይ ብዛዕባ ዘሎካ መሰላትን ሓላፍነትን ዝምልከት ሓበሬታ እንተደሊኻ ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም:
7ይ ክፋል ኣገደስቲ መራኸቢታት
ናይ ኤመርጀንሲ ህጹጽ እዋን መራኸቢታት:
ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት (መጥፋእቲ ሓዊ /ፖሊስ /ኣምቡላንስ): 999
ህጹጽ ዘይኮነ ፖሊስ: 101
ህጹጽ ዘይኮነ ኤን ኤች ኤስ: 111
ሃገራዊ መስመር ጋዝ:
ኢንግላንድ, ስኮትላንድን ዌልስን: 0800 111 999
ኖርዘርን ኣየርላንድ: 0800 002 001
ማይግራንት ሄልፕ:
ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ/ ዌብሳይት ዘለኩም ጉዳይ ኣቅርቡ
ናጻ ናይ ሓገዝ ቁጽሪ ስልኪ ኣብ 0808 8010503.
ርበብ ሓበሬታ: http://www.migranthelpuk.org
ሆም ኦፊስ:
ሓበሬታ ብዛዕባ ምሕታት ዑቕባን ደገፍ ናይ ዑቕባን:
http://www.gov.uk/browse/visas-immigration/asylum
ናይ ደገፍ ናይ ዑቕባ ይግባይ:
http://www.gov.uk/courts-tribunals/first-tier-tribunal-asylum-support
ሕጋዊ ኣማኻሪ ንምርካብ:
http://www.gov.uk/find-a-legal-adviser
ብወለንታኻ ናይ ምምላስ ኣገልግሎት:
ዌብሳይት: http://www.gov.uk/return-home-voluntarily
ስልኪ ቁጽሪ: 0300 004 0202
ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት:
ረፊጂ ኣክሽን: http://www.refugee-action.org.uk/
ረፊጂ ካዉንስል: http://www.refugeecouncil.org.uk/
አሳይለም ሳፖርት አፒል ፕሮጀክት(ናይ ደገፍ ዑቕባ ፕሮጀክት ይግባይ): http://www.asaproject.org/
ቻይልድላይን (ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ነጻን፡ ምስጢራዊን ምኽርን ደገፍን ይህብ) ነጻ መስመር: 0800 1111 https://www.childline.org.uk/