ኣብ ማእከል መጠረዚ ኢሚግሬሽን ወይ ኣብ ንሓጺር ግዜ መጻንሒ ማእከል ንዘሎ ሰብ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ ።

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ

ኣብ ማእከል መጠረዚ ኢሚግሬሽን ወይ ኣብ ንሓጺር ግዜ መጻንሒ ማእከል ንዘሎ ሰብ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ ።

ቅድሚ ምብጻሕካ ብዛዕባ እዞም ዝርዝር ነጥብታት ርግጸኛ ኩን ።

  • ሰዓታት ምብጻሕ፡ በጻሕቲ ዝፍቀደሎም ሰዓታት ኣረጋግጽ ።
  • ንቖጸራ ቡክ ምግባር (ምምዝጋብ) የድልየካ ድዩ ኣየድልየካን ?
  • ክትማልኦ ዘለካ ዓይነት ኣይዲ ( ID ) ታሴራ ።
  • ምሳኻ ሒዝካዮም ክትመጽእ ዝፍቀደካ ኣቑሑት ፡ ኣብኡ ኣብ ዝመጻእካሉ እዋን ተፈቲሽካ ክትኣቱ ስለ ትኽእል ።

ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ፡ ኣብ መጠረዚ ማእከል ን ዝርከቡ ውልቀሰባት ብተሌፎን ፡ ብ ኢመይል ወይ ብ ቪድዮ ኮል  ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ ። ክትጥቀመሎም ትኽእል ናይ ርክብ ኣማራጺታት ንምርግጋጽ ብቐጥታ ነቲ ማእከል ተወከስ።

ብሮክ ሃውስ ፡ ጋትዊክ

ናይ ኢሚግሬሽን መጠረዚ ማእከል ብሮክ ሃውስ
Perimeter Road South / ( ፐሪመተር ሮድ ሳውዝ )
ለንዶን መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ
ጋትዊክ
RH6 0PQ / ( ኣር ኤች6 0ፒ ኪዩ )

ን ብሮክ ሃውስ ንምርካብ በዚ ዝስዕብ አድራሻ ተወከሱ ።

ምብጻሕ ንምክያድ በዚ ዝስዕብ ኢመይል ንጠቀም : gatwickirc.visitsbooking@serco.com

ኢመይል ናይ ሕክምና መዛግብቲ ሪከርድ ክወሃበካ ንምሕታት ፡  practiceplusgrp.brookhouse@nhs.net

ቁጽሪ ተሌፎን ፡  01293 566 500 ( ምብጻሕ ንምክያድ)

ፋክስ : 01293 566 580 or 01293 566 581

ብዛዕባ ናይ ደወል ክፍሊት ኣፍልጦ

ብሮክ ሃውስ ንምብጻሕ

ብሩክ ሃውስ ኣብ ሰሙን 7 መዓልታት ክፉት ኮይኑ፡ ዋላ ውን ኣብ ባንክ ሆሊደይ እዋናት ክፉት እዩ ። ቆጸራ እንተወሓደ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲምካ ፡ ካብ ሰዓት 8 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 9 ምሸት ክትሕዝ ኣለካ ።

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት ፤

  • ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ፡ ካብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9 ድሕሪ ቀትሪ
  • ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 2፡30 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9 ድሕሪ ቀትሪ
  • ቀዳምን ሰንበትን፡ ካብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9 ድሕሪ ቀትሪ

እቲ ማእከል ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ ሰዓት 5፡30 ክሳብ ሰዓት 6፡30 ድሕሪ ቀትሪ ዕጹው እዩ ። ናይ መወዳእታ ምእታው ሰዓት 4፡15 ድ.ቀ ን 8:30 ድ.ቀ ን እዩ።

ኣብ እትበጽሓሉ እዋን ክትማልኦ ዘለካ ነገራት

 ኣብ ትበጽሓሉ እዋን ፣ መለለዪ ኣይዲ ካርድ ( ID ) ከምኡዉን ናይ ኣድራሻኻ መረጋገጺ ፕሩፍ ኦፍ ኣድረስ ሒዝካ ክትመጽእ ኣለካ ።

መለለዪ ታሴራ

እቲ መለለዪ አይዲ ካርድ ካብዞም ስዒቦም ዘለው ክኸውን ይኽእል እዩ ።

  • ፍቓድ መዘወሪ መኪና
  • ፓስፖርት
  • ናይ ልደት ምስክር ወረቐት
  • ኣይዲ ካርድ
  • ትራቨል ዶክመንት

ናይ ኣድራሻ መረጋገጺ

እቲ ናይ ኣድራሻ መረጋገጺ ካብዞም ስዒቦም ዘለው ክኸውን ይኽእል እዩ ።

  • ናይ ዩቲሊቲ ቢል
  • ባንክ ስቴትመንት
  • ናይ ቀረባ እዋን ስምካን ኣድራሻኻን ዘርኢ ደብዳበ

መተሓሳሰቢ፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ከም መረጋገጺ ኣድራሻ ክትጥቀመሉ ኣይክኣልን እዩ ።

ናብ ብሩክ ሃውስ ንምብጻሕ

ካብ ኣትላንቲክ ሃውስ ናብ ብሩክ ሃውስ ብነጻ ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ ፡ ኣብ ቲንስሊ ሃውስ ድማ ደው ትብል ። እቲ መበገሲ ቦታ ኣብ ቅድሚ ኣትላንቲክ ሃውስ ኮይኑ ፡ ካብ ጋትዊክ ሳውዝ ተርሚናል ውጽእ ኢልካ እዩ። ንምብጻሕ ቆጸራ ክትሕዝ ከለኻ ብዛዕባ ሰዓታት ኣውቶቡስ ፣ ከመይ ወይ ኣበይ ትስቀል ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ቦታ ብነጻ መዐሸጊ መካይን ኣሎ ። ሳት ናቭ / ( sat nav ) ትጥቀም እንተኾንካ ፡ ንልክዕ ኣንፈታት ኣብ ክንዲ ፖስታ ኮድ ፐሪሜተር ሮድ ሳውዝ / ( Perimeter Road South ) ከም ስም ጎደና ተጠቀም ።

ኮልንብሩክ፡ ሚድልሰክስ

ኢመይል ንሕጋዊ ምብጻሕ ፡ HARVisits@mitie.com ( ሰብ ሞያ ሕጊ ጥራይ)

ኢመይል ን ማሕበራዊ ምብጻሕ ፡ HIRCDomesticVisits@mitie.com  (ማሕበራዊ ምብጻሕ ንምድላው )

ናይ ሕክምና መዛግብቲ ርከርድ ክወሃበካ ንምሕታት ፡ practiceplusgrp.healthcareheathrowirc@nhs.net

ቁጽሪ ተሌፎን ፡ 020 8607 5200

ናይ ኢሚግሬሽን መጠረዚ ማእከል ኮልንብሩክ
Colnbrook Bypass / ( ኮልንብሩክ ባይፓስ )
Harmondsworth / ( ሃርሞንድስዎርዝ )
West Drayton / ( ምዕራብ ድራይተን )
Middlesex / ( ሚድልሰክስ )
UB7 0FX  /( ዩ ቢ7 0ኤፍ ኤክስ )

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት፤

  • መዓልታዊ : ካብ ሰዓት 2:00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ
  • ናይ መወዳእታ ምእታው ፡ 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ

ንምብጻሕ ኣቐዲምኩም ቡክ ጌርኩም ( ተመዝጊብኩም ) ሰዓታት ክትሕዙ ኣለኩም ።

ክትበጽሑ ክትመጽኡ ከለኹም እዞም ዝስዕቡ ሒዝኩም ከም ዝመጻእኩም ኣረጋግጹ ፤

  •  ስእልኹም ዘለዎ ኣይዲ (ፓስፖርት ወይ መምርሒ ፍቃድ መኪና)
  • ስምኩምን ኣድራሻኹምን ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት ቢል ዝኸፈልኩምሉ

ብ ተወሳኺ

ናብቲ ማእከል ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከመይ ጌር ወይ በየናይ ኣንፈት ከም ዝምጻእ ኣረጋግጽ

ደርዌንትሳይድ ፡ ካውንቲ ዱርሃም

ኢመይል ን ሓፈሻዊ ምብጻሕ ፡ Derwentside.visits@serco.com

ኢመይል ን ክንክን ጥዕና፡ DerwentsideIRC@practiceplusgroup.com

ቁጽሪ ተሌፎን ፡ 01207 260221

ናይ ኢሚግሬሽን መጠረዚ ማእከል ደርዌንትሳይድ
Cortbridge Road / ( ኮርብሪጅ ሮድ )
Consett / ( ኮንሰት )
County Durham / ( ካውንቲ ዱርሃም )
DH8 6QY / ( ዲ ኤች8 6ኪዩ ዋይ )

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት

መዓልታዊ፥

ካብ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ካብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ንምብጻሕ ኣቐዲምኩም ቡክ ጌርኩም ( ተመዝጊብኩም ) ሰዓታት ክትሕዙ ኣለኩም ።

አብ ምምጻእኩም ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ስእልኹም ዘለዎ ኣይዲ ታሴራ ሒዝኩም ክትመጹ ኣለኩም፤

 ( ፓስፖርት፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪና፡ ወይ ወረቐት መንነት ናይ ማሕበረሰብ ኤውሮጳ ኢሮፕያን ኮሚኒቲ ኣይደንቲቲ )

ከም ኣማራጺ ካብዚ ዝስዕብ ዝርዝር ክልተ ሒዝኩም ክትመጽኡ ትኽእሉ ፤

  • ናይ ልደት ወይ ናይ ሓዳር ምስክር ወረቐት
  • ስእልኹም ዘለዎ ናይ እዉቶቡስ ወይ ናይ ባቡር መሕለፊ ኣይዲ ባስ ፓስ
  • ናይ ስራሕ ወይ ናይ ተምሃራይ መለለዪ ካርድ
  • ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኾነ ሰብ ዕድሜኡ መረጋገጺ ካርድ
  • ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣባልነት ካርድ
  • ብምምሕዳር ከባቢ ዝወሃብ ናይ ጥሮተኛታት ዜጋታት ናይ መጓዓዝያ መገልገሊ ፓስ
  • ናይ መንግስቲ ሓገዝ ዌልፌር ከም እትቅበል ዘረጋግጽ ናይ በነፊት ቅጥዒ
  • ናይ ሆም ኦፊስ ናይ ኣፕሊኬሽን ምዝገባ ካርድ   ኣርክ ኣይዲ

ካብ ዱርሃም ኣውቶቡስ ስቴሽን ወይ መደበር ባቡር ናብ ደርዌንትሳይድ ነጻ ናይ ሻትል ባስ ኣገልግሎት ታክሲን ኣሎ ። ን ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ፡ ናይ ምብጻሕ እትፍጽምሉ መዓልቲ ቆጸራ ንምሓዝ ( ቡክ ምግባር ) ኣብ እትረኽቡና እዋን ብዛዕባ እዚ ናይ መጎዓዝያ ክትውከሱና ትኽእሉ ኢኺም ።

ዱንጋቨል ሃውስ ፡ ደቡብ ላናርክሻየር

ኢመይል ን በጻሕቲ ፡ dungavel.visits@mitiecc.com (ንኹሉ ዓይነት ዝግበር ምብጻሕ ፡ እንኮላይ ንሕጋዊ ምብጻሕ )

ናይ ሕክምና መዛግብቲ ሪከርድ ክወሃበካ ንምሕታት ኢሜይል ፡ dungavelhc@lanarkshire.scot.nhs.uk

ቁጽሪ ተሌፎን ፡ 01698 395 000

ናይ ኢሚግሬሽን መጠረዚ ማእከል ዱንጋቨል ሃውስ
Strathaven / ( ስትራታቨን )  
South Lanarkshire (ደቡብ ላናርክሻየር)
ML10 6RF (ኤም ኤል10 6ኣር ኤፍ)

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት

ሕጋዊ ምብጻሕ ፤

  • ካብ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ ( መዓልታዊ )
  • እንደገና ካብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ ( መዓልታዊ )

ማሕበራዊ ምብጻሕ ፤

  • ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ
  • ቀዳምን ሰንበትን፤ ካብ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ : ካብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ንምብጻሕ ኣቐዲምኩም ቡክ ጌርኩም ( ተመዝጊብኩም) ሰዓታት ክትሕዙ ኣለኩም ።

ኣብ ምምጻእኩም ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ስእልኹም ዘለዎ ኣይዲ ታሴራ ሒዝኩም ክትመጹ ኣለኩም፤

 ( ፓስፖርት፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪና፡ ወይ ወረቐት መንነት ናይ ማሕበረሰብ ኤውሮጳ ኢሮፕያን ኮሚኒቲ ኣይደንቲቲ )

ከም ኣማራጺ ካብዚ ዝስዕብ ዝርዝር ክልተ ክትመጽኡ ትኽእሉ ፤

  • ናይ ልደት ወይ ናይ ሓዳር ምስክር ወረቐት
  • ስእልኹም ዘለዎ ናይ እዉቶቡስ ወይ ናይ ባቡር መሕለፊ ኣይዲ ባስ ፓስ
  • ናይ ስራሕ ወይ ናይ ተምሃራይ መለለዪ ካርድ
  • ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኾነ ሰብ ዕድሜኡ መረጋገጺ ካርድ
  • ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣባልነት ካርድ
  • ብምምሕዳር ከባቢ ዝወሃብ ናይ ጥሮተኛታት ዜጋታት ናይ መጓዓዝያ መገልገሊ ፓስ
  • ናይ መንግስቲ ሓገዝ ዌልፌር ከም እትቅበል ዘረጋግጽ ናይ በነፊት ቅጥዒ
  • ናይ ሆም ኦፊስ ናይ ኣፕሊኬሽን ምዝገባ ካርድ ኣርክ ኣይዲ

ካብቲ ዝቐረበ መደበር ኣውቶቡስ ወይ ባቡር ናብ ዱንጋቨል ሃውስ ነጻ ና ይ ታክሲ ኣገልግሎት ኣሎ ። ናይ ምብጻሕ እትፍጽሙሉ መዓልቲ ቆጸራ ንምሓዝ (ቡክ ንምግባር) ኣብ እትረኽቡና እዋን ብዛዕባ እዚ ናይ መጓዓዝያ ክትዉከሱና ትኽእሉ ኢኹም።

ሃርሞንድስዎርዝ ፡ ሚድልሰክስ

ኢመይል ንሕጋዊ ምብጻሕ ፦ HARVisits@mitie.com ( ንሰብ ሞያ ሕጊ ጥራሕ)

ኢመይል ንማሕበራዊ ምብጻሕ  : - HIRCDomesticVisits@mitie.com ( ማሕበራዊ ምብጻሕ)

ናይ ሕክምና መዛግብቲ ሪከርድ ክወሃበካ ንምሕታት ኢመይል፡ practiceplusgrp.healthcareheathrowirc@nhs.net

ቁጽሪ ተሌፎን ፡ 020 8607 5200

ናይ ኢሚግሬሽን መጠረዚ ማእከል ሃርሞንድስዎርዝ
Colnbrook-by-pass / ( ኮልንብሩክ –ፓስ )
Harmondsworth / ( ሃርሞንድስዎርዝ )
West Drayton / ( ምዕራብ ድራይተን )
Middlesex / ( ሚድልሰክስ )
UB7 0HB / ( ዩቢ7 0ኤች ቢ )

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት፤ መዓልታዊ ካብ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ ።

ኣስተውዕሉ : ናይ መወዳእታ መእተዊ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ እዩ።

ኣቀዲምኩም ቆጸራ ክትሕዙ ኣለኩም

እዞም ዝስዕቡ ሒዝኩም ክትመጹ ኣለኩም:

  • ስእልኹም ዘለዎ ኣይዲ (ፓስፖርት ወይ መምርሒ ፍቃድ መኪና)
  • ስምኩምን ኣድራሻኹምን ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት ቢል ዝኸፈልኩምሉ

ናብቲ ማእከል ብኣዉቶብስ ወይ ድማ ብባቡር ብኸመይ ክትመጹ ከም እትኽእሉ እጽንዑ

ላርን ሃውስ ናይ ሓጺር ግዜ መጻንሒ መሳለጥያ ማእከል ፡  ናይ ግዜኡ

ቁጽሪ ተሌፎን ፡ 028 9433 4346

ላርን ሃውስ ናይ ሓጺር ግዜ መጻንሒ መሳለጥያ ማእከል
2 Hope Street / ( 2 ሆፕ ስትሪት )
Larne / ( ላርን )
Antrim / ( ኣንትሪም )
BT40 1UR / ( ቢቲ40 1ዩኣር )

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት

መዓልታዊ : ካብ ሰዓት 2:00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ

ንምብጻሕ ኣቐዲምኩም ቡክ ጌርኩም ( ተመዝጊብኩም ) ሰዓታት ክትሕዙ ኣለኩም

በጻሕቲ ነዞም ዝስዕቡ ሒዞም ክመጹ ኣለዎም ፤

  • ስእልኹም ዘለዎ ኣይዲ (ፓስፖርት ወይ መምርሒ ፍቃድ መኪና)
  • ስምኩምን ኣድራሻኹምን ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት ቢል ዝኸፈልኩምሉ

ማንቸስተር ናይ ሓጺር ግዜ ግዝያዊ መጽንሒ መሳለጥያ

ቁጽሪ ተሌፎን ፡ 0161 509 2015

ማንቸስተር ናይ ሓጺር ግዜ ግዝያዊ መጽንሒ መሳለጥያ
Building 302 ( ህንጻ 302 )
Argosy Drive ( ኣርጎሲ ድራይቭ )
World Freight Terminal ( ዎርልድ ፍረይት ተርሚናል )
ማንቸስተር ኣየርፖርት
M90 5PZ ( ኤም90 5ፒ ዘድ )

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት

መዓልታዊ ካብ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ።

ንምብጻሕ ኣቐዲምኩም ቡክ ጌርኩም ( ተመዝጊብኩም ) ሰዓታት ክትሕዙ ኣለኩም

በጻሕቲ ነዞም ዝስዕቡ ሒዞም ክመጹ ኣለዎም ፤

  • ስእልኹም ዘለዎ ኣይዲ (ፓስፖርት ወይ መምርሒ ፍቃድ መኪና)
  • ስምኩምን ኣድራሻኹምን ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት ቢል ዝኸፈልኩምሉ

ናብ ዎርልድ ፍረይት ተርሚናል ዝወስድ ምልክታት ተኸቲልካ ፡  ህንጻ 302 ብየማናይ ሸነኽ ናይቲ ጽርግያ እዩ ዝርከብ ።

ስዊንደርቢ ናይ ሓጺር ግዜ መጻንሒ መሳለጥያ ማእከል

ቁጽሪ ተሌፎን ፥ 01522 302665

ስዊንደርቢ ናይ ሓጺር ግዜ መጻንሒ መሳለጥያ
Park Crescent / ( ፓርክ ክረሰንት )
Eagle Road / ( ኢግል ሮድ )
Swinderby / ( ስዊንደርቢ )
Lincoln / ( ሊንከን )
LN6 9HU / ( ኤል ኤን 6 9ኤች ዩ )

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት

ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ፡ ካብ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ብምብጻሕ ኣቐዲምኩም ቢክ ጌርኩም ( ተመዝጊብሉም ) ሰዓታት ክትሕዙ ኣለኩም

በጻሕቲ ነዞም ዝስዕቡ ሒዞም ክመጽኡ ኣለዎም

  • ስእልኹም ዘለዎ ኣይዲ (ፓስፖርት ወይ መምርሒ ፍቃድ መኪና)
  • ስምኩምን ኣድራሻኹምን ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት ቢል ዝኸፈልኩምሉ

ተወሳኺ ሓበሬታ

እቲ ዝቐረበ መደበር ባቡር : ስዊንደርቢ ስቴሽን እዩ ።

ወይ ከኣ ፤

  • Newark Northgate ( ኒውኣርክ ኖርዝጋት / 9 ማይልስ ርሒቑ ዝርከብ )
  • Lincoln  ( ሊንከን / 12 ማይልስ ርሒቑ)

ቲንስሊ ሃውስ ፡ ጋትዊክ

ናይ ኢሚግሬሽን መጠረዚ ማእከል ቲንስሊ ሃውስ
Perimeter Road South / ( ፐሪመተር ሮድ ሳውዝ )
መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ
ጋትዊክ
ምዕራብ ሳሴክስ
RH6 0PQ / ( ኣር ኤች6 0ፒ ኪዩ )

ጋትዊክ ናይ ቅድሚ ምብጋስ መጽንሒ ቤት (ክፋል ናይ ቲንስለይ ሃዉስ)
Perimeter Road South / ( ፐሪመተር ሮድ ሳውዝ )
መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ
ጋትዊክ
ምዕራብ ሳሴክስ
RH6 0PQ / ( ኣር ኤች6 0ፒ ኪዩ )

ን ቲንስሊ ሃውስ ንምርካብ በዚ ዝስዕብ አድራሻ ተወከሱ

ምብጻሕ ንምክያድ በዚ ዝስዕብ ኢመይል ንጠቀም ፡  gatwickirc.visitsbooking@serco.com

ኢመይል ናይ ሕክምና መዛግብቲ ሪከርድ ክወሃበካ ንምሕታት፡  practiceplusgrp.brookhouse@nhs.net 

ቁጽሪ ተሌፎን ፡ 01293 434 800

ብዛዕባ ናይ ጻውዒት ዝህሉ ክፍሊት ኣፍልጦ ይሃልኻ

ቲንስሊ ሃውስ ንምብጻሕ

ቲንስሊ ሃውስ ኣብ ሰሙን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክፉት እዩ ፡ ዋላ ውን ኣብ ባንክ ሆሊደይ እዋናት ክፉት ኮይኑ ።  ን ምብጻሕ ቆጸራ ንክትሕዝ እንተወሓደ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲምካ ኣብ መንጎ ሰዓት 8፡00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ግዜ ቆጸራ ክተሓዝ ኣለዎ ።

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት ካብ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ እዩ።

እቲ ማእከል መዓልታዊ ካብ ሰዓት 5፡30 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 6፡30 ድሕሪ ቀትሪ ንዕረፍቲ ይዕጾ ። ናይ መወዳእታ ናይ ምእታው ሰዓታት ድማ 4:15 ድ.ቀ ን 8:30 ድ.ቀ  እዩ ።

ኣብ እትበጽሓሉ እዋን ክትማልኦ ዘለካ ነገራት

ኣብ ትበጽሓሉ እዋን ፣ መለለዪ ኣይዲ ካርድ ( ID ) ከምኡዉን ናይ ኣድራሻኻ መረጋገጺ ፕሩፍ ኦፍ ኣድረስ ሒዝካ ክትመጽእ ኣለካ ።

መለለዪ ታሴራ

እቲ መለለዪ አይዲ ካርድ ካብዞም ስዒቦም ዘለው ክኸውን ይኽእል እዩ ።

  • ፍቓድ መዘወሪ መኪና
  • ፓስፖርት
  • ናይ ልደት ምስክር ወረቐት
  • አይዲ ካርድ
  • ትራቨል ዶክመንት

ናይ ኣድራሻ መረጋገጺ

እቲ ናይ ኣድራሻ መረጋገጺ ካብዞም ስዒቦም ዘለው ክኸውን ይኽእል እዩ ።

  • ናይ ዩቲሊቲ ቢል
  • ባንክ ስቴትመንት
  • ናይ ቀረባ እዋን ስምካን ኣድራሻኻን ዘርኢ ደብዳበ

መተሓሳሰቢ፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ከም መረጋገጺ ኣድራሻ ክትጥቀመሉ ኣይክኣልን እዩ ።

ናብ ቲንስሊ ሃውስ ንምብጻሕ

ኣብ መንጎ ኣትላንቲክ ሃውስን ቲንስሊ ሃውስን ነጻ ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ክህሉ እንከሎ ፡ ኣብ ብሩክ ሃውስ ድማ ይውድእ ። እቲ መበገሲ ቦታ ኣብ ቅድሚ ኣትላንቲክ ሃውስ ፡ ካብ ጋትዊክ ሳውዝ ተርሚናል  ውጽእ ኢልካ ይርከብ ። ንምብጻሕ ቆጸራ ክትሕዝ ከለኻ ብዛዕባ ሰዓታት ኣውቶቡስ ፣ ከመይ ወይ ኣበይ ትስቀል ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ቦታ ብነጻ መዐሸጊ መካይን ኣሎ ። ሳት ናቭ / ( sat nav ) ትጥቀም እንተኾንካ ፡ ንልክዕ ኣንፈታት ኣብ ክንዲ ፖስታ ኮድ ፐሪሜተር ሮድ ሳውዝ / ( Perimeter Road South ) ከም ስም ጎደና ተጠቀም ።

ያርልስ ዉድ፡ ቤድፎርድሻየር

ኢመይል ን በጻሕቲ ፡ yarls-wood-visitors-centre@serco.com

ናይ ሕክምና መዛግብቲ ሪከርድ ክወሃበካ ንምሕታት ፡ yarlswoodirc.healthcare@nhs.net

ቁጽሪ ቴሌፎን : 01234 821 000

ናይ ኢሚግሬሽን መጠረዚ ማእከል ያርል ዉድ
Twinswood Business Park / ( ትዊንዉድስ ቢዝነስ ፓርክ )
Thurleigh Road / ( ተርሊ ሮድ )
Milton Earnest / ( ሚልተን ኤርነስት )
Bedford / ( ቤድፎርድ )
MK44 2FQ / ( ኤም ከይ44 2FQ )

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት፤

መዓልታዊ፥ ካብ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ካብ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ንምብጻሕ እንተወሓደ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲምካ ቡክ ጌርካ ሰዓታት ክተሓዝ ኣለዎ።

በጻሕቲ ነዞም ዝስዕቡ ሒዞም ክመጹ ኣለዎም ፤

  • ስእልኹም ዘለዎ ኣይዲ (ፓስፖርት ወይ መምርሒ ፍቃድ መኪና)
  • ስምኩምን ኣድራሻኹምን ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት ቢል ዝኸፈልኩምሉ

ኣብ መንጎ ቤድፎርድ ስቴሽን ን ያርልስ ዉድን ዝመላለሳ ኣውቶቡስ ኣለዋ ።

Updates to this page

Published 31 January 2025
Last updated 19 September 2025 show all updates
  1. Added translations for Kurdish Sorani and Tigrinya.

  2. Added Punjabi translation.

  3. Yarl's Wood, Bedfordshire: updated the email address for requesting medical records.

  4. More translations have been added.

  5. Added translation

ነዚ ገጽ ሕተሞ