Support in England and Wales after a positive conclusive grounds decision (Tigrinya accessible)
Published 22 January 2026
Applies to England and Wales
ድሕሪ መሰረት ዘለዎ ኣወንታዊ ደምዳሚ ውሳነ ምዉሳኑ ኣብ ኢንግላንድን ኣብ ዌልስን ዝግበር ደገፍ
መሰረት ዘለዎ ኣወንታዊ ደምዳሚ ውሳነ ረኺብኩም ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ብመንግስቲ ኣብ ዝምወል ውዕል ክንክን ግዳያት ዘመናዊ ባርነት (ኤምኤስቪሲሲ) ኣቢልኩም ደገፍ ትረኽቡ ኣለኹም፡ እዚ ኣገልግሎት ድማ ብ ሳልቬሽን ኣርሚ ከምኡ እዉን ብካልኦት ምስኦም ዝሰርሑ ናይ ደገፍ ትካላትን ዝቐርብ እዩ።
መሰረት ዘለዎ ኣወንታዊ ዝኾነ ደምዳሚ ውሳነ ስለ ዝተወሃበካ እቲ እትረኽቦ ደገፍ ክቕየር እዩ።
ሕጂ እቲ ደገፍ ብኸመይ እዩ ዝቕየር ፧
ንስኻ ሕጂ ኣብ ናይ ንቅድሚት ናይ ምኻድ ሙቭ ኦን ሰርቪስ ግዜ ኢኻ ዘለኻ እዚ ድማ እንተወሓደ ን 45 መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ሳፖርት ዎርከርካ (ዝድግፈካ ሰራሕተኛ) ኣብቲ ናትካ መስርሕ ናይ ምሕዋይካ ዝቕጽል ስጉምትታት ክትወስድን ብ ኤምኤስቪሲሲ ዝቐርብ ደገፍ ብዘይ ስግኣት ክትወጽእን ዝሕግዘካ ክኽዕዉን እዩ።
ናይ ምሕዋይ ዘድልዩ ድሌታትካ ካብ ኤምኤስቪሲሲ ወጻኢ ብዝርከቡ ኣገልግሎታት ክማላእ እንተዘይክኢሉ ንልዕሊ 45 መዓልታት ኣብ ደገፍ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምድህሳስ ድማ ናትካ ሳፖርት ዎርከር ናይ ገምጋም ንናይ ምሕዋይ ዘድልዩ ድሌታት (ኣር ኤን ኤ) ክትገብር ዕድል ክህበካ እዩ።
ኣብዚ ገምጋም ግዴታ ክትሳተፍ ኣየድልየካን እዩ። ድሕሪ 45 መዓልታት ወይ ቅድሚኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ናይ ኤምኤስቪሲሲ ደገፍ ክትወጽእ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እንድሕር ደኣ እዚ ምርጫኻ ኮይኑ ድማ እቲ ሳፖርት ዎርከርካ ብዛዕብኡ ዝምልከት ድጋፍ ክህበካ እዩ።
ገምጋም ንናይ ድሌታት ምሕዋይ እንታይ እዩ ፧
ኣርኤንኤ ቀጻሊ ዘሎ ናይ ደገፍ ድሌታት እንተሃልዩካ ዘለሊ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ዝቅጽል ደገፍ ናይ ኤምኤስቪሲሲ ክግበር ክመክር ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ንናይ ምሕዋይ ድሌታትካን ብኸመይ ከም እትረኽቦን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ካልኦት ኣገልግሎታት የለልይ።
እዞም ለበዋታት ኣካል ናይቲ ናይ ምስግጋር ውጥንካ እንተደኣ ኮይኖም፡ ካብ ኤምኤስቪሲሲ ወጻኢ ገዛእ ርእስኻ ክኢልካ ንምንባር ክትሰጋገር ይሕግዘካ።
ንናይ ምሕዋይ መስርሕ ዝግበር ገምጋም ብኸመይ እዩ ኣብ ጥቅሚ ዝዉዕል ፧
ሆም ኦፊስ ንስኻ ንልዕሊ 45 መዓልታት ናይ ኤምኤስቪሲሲ ንቅድሚት ናይ ምኻድ ሙቭ ኦን ድጋፍ ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ምዉሳን ክጥቀመሉ እዩ።
ኣብ ናይ ኤምኤስሲቪሲሲ ድጋፍ ተወሳኺ ግዜ ዘየድልየካ እንተደኣ ኾይኑ ድሕሪ 45 መዓልታት ክትወጽእ ኢኻ።
ኣብ ናይ ኤምኤስሲቪሲሲ ድጋፍ ተወሳኺ ግዜ ዘድልየካ እንተደኣ ኾይኑ፡ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓገዝ ናይ ሳፖርት ዎርከርካ ካልእ ንዓኻ ዝምችእ ኣገልግሎታት ክሳብ እትረክብ ዝቅጽል ክኸዉን እዩ። እዚ ዝተሰማማዕኩምሉ ተወሳኺ ግዜ ምስተወድአ ድማ ክትወጽእ ኢኻ። ድሕሪ እዚ ግዜ እዉን ገና ተወሳኺ ደገፍ ዘድልየካ እንተደኣ አሎ ኮይኑ፡ ካልእ ናይ ኣርኤንኤ ጠለብ ብናትካ ሳፖርት ዎርከር ክቐርብ ይኽእል እዩ፡ ክሳብ ውሳነ ዝወሃቦ ድማ ዝወሃበካ ድጋፍ እንዳቀጸለ ክጸንሕ እዩ።
ካብ ድገፍ መዓስ ክትወጽእ ከም ዘለካ ሆም ኦፊስ ብኸመይ እዩ ክውስን ፧
ሆም ኦፊስ ካብ ድጋፍ ክትወጽእ ከም ዘለካ ዝውስን ኣርኤንኤ ከምዚ ዝስዕብ ምስ ዘርኢ እዩ፡
-
ድሕሪ ሕጂ ብሰንኪ ዘመናዊ ባርነት ንምሕዋይ ዘድልየካ ድሌታት የብልካን፡ ወይ
-
ናይ ምሕዋይ ድሌታትካ ካብ ኤምኤስቪሲሲ ወጻኢ ብዝርከቡ ኣገልግሎታት ይማላእ ኣሎ ኮይኑ፡ ወይ
-
ካብ ኤምኤስቪሲሲ ወጻኢ ንዓኻ ምቹእ ዝኾነ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ግን ነዚ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ዘድልዩ ስጉምትታት ኣይትሳተፍን ኣሎኻ፡ ብዘይ ብቁዕ ዝኾነ ምኽንያት።
ኣብ ንናይ ምሕዋይ መስርሕ ዝግበር ገምጋም ናትኩም ተራ እንታይ እዩ ፧
ምእንቲ እቲ ዘድልየኩም ድጋፍ ክትረኽቡ ኣርኤንኤ ካባኹም ሓበሬታ ይሓትት። ካልእ ደገፍ ንምርካብ እትወስዶም ስጉምትታት እንታይ ምዃኖም ንምርኣይ ናይ ባንክ ስቴትመንት ወይ ካልእ ሰነዳት ክተቅርብ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ።
ንናትኩም ድሌታት ንምምላእ ካልእ ደገፍ ክትረክብ ብቑዕ እንተደኣ ኾይንካ፡ ነዚ ድገፍ እዚ ንምርካብ ብሳፖርት ዎርከር ኣብ ምስግጋርካ ትልሚ ዝተገልጸ ስጉምትታት ክትክተል ይግባእ። ነዞም ተግባራት እንተዘይፈጺምኩሞ፡ ገለ ካብቲ ናትካ ድጋፍ ክስሓብ ይኽእል እዩ፡ ወይ ድማ ካብ ናይ ኤምኤስቪሲሲ ደገፍ ክትወጽእ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።
ካልእ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ናይ መሰጋገሪ ትልሚ ዘለዉ ተግባራት ክትፍጽም ዘይትኽእለሉ ቅቡል ምኽንያት እንተደኣ ሃልዩካ፡ እዚ ኣብ ናትካ ኣርኤንኤ ክምዝገብን ሆም ኦፊስ ድማ እዚ ኣብ ግምት ከእትዉዎን ምእንቲ ንሳፖርት ዎርከርካ ክትነግሮ ይግባእ።
ምስ ውሳነ ሆም ኦፊስ እንተዘይተሰማሚዕኩም እንታይ እዩ ክኸዉን ፧
እቲ ናትካ ሳፖርት ዎርከር ዳግመ ግምት ተገይሩ ክረኣየልካ ሕቶ ከተቕርብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ዳግመ ግምት ንኽግበረልካ ዝቀርብ ሕቶ ሳልቬሽን ኣርሚ ናይቲ ናይ መጀመርያ ዉሳኔ ካብ ዝተሓበሮ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ናይ ዓውደ ኣዋርሕ ናብ ሆም ኦፊስ ክበጽሕ ኣለዎ።
ድሕሪ ምውጻእካ ናይ ኤምኤስቪሲሲ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ ድዩ ፧
ካብ ኤምኤስቪሲሲ ምስ ወጻእካ ኩሉ ናይ ኤምኤስቪሲሲ ዝወሃበካ ድጋፍ ጠጠዉ ይብል። እዚ ድማ መንበሪ ቤት፡ ፋይናንሳዊ ድጋፍን ምስ ናትካ ሳፖርት ዎርከር ዝግበር ርክብን የጠቓልል።
ይኹን እምበር፡ ብመንገዲ ኣገልግሎት ሪች-ኢን ቀጻሊ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡ ንዘ ሳልቫሽን ኣርሚ ብቑጽሪ ስልኪ 0800 808 3733 ብምድዋል ወይ ድማ ነቲ ናይ ሪፈራል ቅጥዒ ብምምላእ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሳልቫሽን ኣርሚ ብኢመይል ናብ mstsupport@salvationarmy.org.uk (www.salvationarmy.org.uk/modern-slavery/new-victim-care-contract) ብምልኣኽ ክትገብርዎ ትኽእሉ ።
ድሕሪ መሰረት ዘለዎ ኣወንታዊ ደምዳሚ ውሳነ ካብ ናይ ኤምኤስቪሲሲ ደገፍ ምውጻእ ካብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ንዝኾነ ካልእ ንስኻ ንክወሃቡኻ ብቑዕ ክትከውን እትኽእል ኣገልግሎት ክትረክብ ዘለካ መሰል ኣይጸልዎን እዩ።
ዘድልየካ ነገራት እንተደኣ ተቐይሩ ዳግማይ ናይ ኤምኤስቪሲሲ ድጋፍ ክትኣቱ እውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ሪች ኢን ሰርቪስ ከምኡዉን ብዛዕባ ዳግማይ ምእታውን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ሳፖርት ዎርከርካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።