Guidance

Notice of rights and entitlements Tigrinya (PACE Code C) (accessible version)

Updated 3 September 2020

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዘለኽሙሉ ግዜ መሰልኩም ዘክሩዎኣብዚዘሎ ሓበሬታ ብዛዕባ ብሕጊ እንጊልዝን ዌልስን ብገበን ዝተኸሰ ሰብ ኣብ ትሕቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መምርሒናይ EU Directive 2012/13 ርጉጽ ዝኾነ ሓገዝ ንምርካብ ክወሃብ ዘለዎ ኣካይዳ መሰረት ዝምልከት ሓበሬታ እዩ።

ኣብ መደበር ፖሊስ ምስ መጻእኩም ብዛዕባ መሰልኩም ዝምልከት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩኣሎ፡። እንተኾነ ግን ብዝርዝር ከኣ ካብ ዓንቀጽ 1 ክሳብ 11 ካብዚ ቀጺሉ ተጻሒፉ ኣብ ዘሎ ገጻት ቀሪቡ ኣሎ።

ሙሉእ ዝርዝር ከኣ ኣብ ናይ ፖሊስ መምርሒ ሲ ተጠቒሱ ይርከብ።

  1. እንተድኣ ጠበቓ የድልየኩም ኮይኑ ነቶም ፖሊስ ኣብቲ ናይ መደብር ፖሊስ ከለኹም ሓብርዎም። እዚ ከኣ ገንዘብ ዘይክፈለሉ ኣገልግሎት እዩ።
  2. እንተድኣ ንዝኾነ ሰብ ኣበይ ከምዘለኹም ክትሕብርዎም ደሊኹም ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም። እዚ ከኣ ገንዘብ ዘይክፈለሉ ኣገልግሎት እዩ።
  3. እንተድኣ ናይ ፖሊስ ኣሰራርሓ መንገዲ ስርዓት ክተንብብዎ ደሊኹም - ስሙ ዝርዝራዊ መምርሒ(Codes of Practice) ኮይኑ ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም።
  4. ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ሓገዝ እንተድኣ ዘድልየኩም ኮይኑ ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም። እንተድኣ ሓሚምኩም ወይ ከኣ ዝኾነ ናይ ኣካላዊ ጉድኣት ዘለኩም ምስ እትኾኑ ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም። ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ሓገዝ ገንዘብ ኣይክፈለሉን እዩ።
  5. እንተድኣ ብዛዕባ ትጣራጠርሉ ገበን ተሓቲትኩም፡ መልሲ ክትህቡ ኣይትግደዱን ኢኹም። እንተኾነ ግን እንተድኣ ሕቶ ተሓቲትኩም መልሲ ዘይሃብኩም እሞ ከኣ እቲ ትህብዎ መልሲ ዳሕራይ ተኸሲስኩምሉ ዘሎ ክሲ መካትዒ ወይ ከኣ መግለጺ ክትጥቀሙሉ ኮይንኩም ቀዲምኩም ምስ ተሓተትኩም መልሲ ብዘይምሃብኩም ግን ክጎድኣኩም ይኽእል እዩ። ትህብዎ መልሲ ብሙሉኡ ከኣ ከምጭብጢ ጌርና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
  6. እቶም ፖሊስ እተኸሰክሙሎ ገበን ክገልጽልኩም ይግባእ፡፡ ከምኡ እውን ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝመጻእክሙን ከምዝተኣሰርኩምን ክገልጹልኩም ይግባእ።
  7. ብዛዕባ እቲ ተኸሲስኩምሉ ዘሎኹም ክሲ ዝምልከት ዘለዎም ሓበሬታ ወይ ከኣ ሰነድ ንዓኹም ወይ ንጠበቓኹም እቶም ፖሊስ ከርእይኹም ይግባእ። ብተወሳኺ ከኣ ክሳብ ክንደይ ዘኣክል ኣብ እንዳ ፖሊስ ከምትጸንሑ።
  8. ኣስተርጓሚ እንተድኣ ዘድልየኩም ኮይኑ እቶም ፖሊስ ክጽውዑልኩም ይግባእ። ብተወሳኺ እውን ዝተፈላለየ ሰነዳት ብቋንቋኹም ተተርጉሙ ንከወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።
  9. እንተድኣ ዜግነትኩም እንግሊዛዊ ዘይኮንኩም እሞ ከኣ ምስ ናይ ሃገርኩም ኤምባሲ ክትራኸቡ ትደልዩ ኮይንኩም ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም። እዚ ከኣ ገንዘብ ዘይክፈሎ ኣገልግሎት እዩ።
  10. ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽንደይ ዘኣክል ጊዜ ከምዘጽንሑኹም እቶም ፖሊስ ክሕብሩኹም ይግባእ።
  11. ክሲ ቀሪቡልኩም እሞ ኸኣ እቲ ጉዳይኩም እንተድኣ ኣብ ቤት ፍርዲ በጺሑ፡ ንጠበቓኹም ወይ ከኣ ንዓኹም ብዛዕባ ቀሪቡልኩም ዘሎ ክሲ ዝምልከት ምስ ከሳሲኹም ዘለዎ ጭብጢ ቅድሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቕራብኩም ክወሃበኩም ይግባእ።

ብዛዕባ እዚ መሰልኩም ዝምልከት ዘይተረዳኣኩም ዝኾነ ነገር እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ፡ ነቶም ናይ ቤት ማእሰርት ጸሓፍቲ ክትሕብርዎም ይግባእ።

ድሕሪ እቲ መዛዘሚ ዘሎ ገጽ ተወከሱ ዚያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ፖሊስ ከመይ ጌሮም ክሕዝኹም ከምዘለዎም ዝገልጽ ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰልኩምን ዝግበኣኩም ነገራትን ዝብል ዝጅምረሉ ካብ ዕለት 21 ነሐሰ 2019

ብኽብረትኩም እዚ ሓበሬታ እዚ ምስበጻሓኩም ብህጹጽ ብሙሉኡ ኣንብብዎ፡ እዚ ድማ መታን ኣብቲ መደበር ፖሊስ ከለኹም ውሳኔ ክትውስኑ ክሕግዘኩም፡ ኣብ ጽቡቕ ከኣ ሓዝዎ።

1. ሓገዝ ጠበቓ ምጥላብ

  • ጠበቓ ብዛዕባ ሕጊ ምኽርን ማዕዳን ብምሃብ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።
  • ጠበቓ ይጸወዓለይ ኢልኩም ምሕታትኩም ወለሓንቲ ጌጋ ከምዝገበርኩም ኮይኑ ኣይቁጸርን።
  • እቶም ናይ መደበር ፖሊስ ኣባላት Police Custody Officer (ፖሊስ ካስቶዲ ኦፊሰር) ጠበቓ ትደልዩ ዲኹም ኢሎም ከሓትኹም መሰልኩም እዩ። ወለሓንቲ ገንዘብ ከኣ ኣይትኸፍሉን ኢኹም።
  • እቶም ፖሊስ ኣብ መደበር ፖሊስ ከለኹም፡ ምስ ጠበቓ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ዋላ ለይቲ ወይ ከኣ ቀትሪ ከዘራርብኹም ግብኡኩም እዩ።
  • እንተ ድኣ ነቶም ፖሊስ ኣነ ጠበቓ የድልየኒ እዩ ጠበቓ ይጸወዓለይ ኢልኩም ሓቲትኩምም ክሳብ ጠበቓ መጺኡ ምኽሪ ዝህበኩም ወለሓንቲ ሕቶታት ከሓትኹም ኣይፍቀዶምን እዩ። እቶም ፖሊስ ሕቶታት ከሓትኹም ከለው፡ ጠበቓይ ከኣ ምሳይ ኣብ እቲ ክፍሊ ክህልው ኣለዎም ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም።
  • እንተድኣ መጀመሪያ ነቶም ፖሊስ ጠበቓ ኣየድልየንን እዩ ኢልኩሞም፡ ዳሕራይ ግን ሓሳብኩም ቀይርኩም። ነቶም ፖሊስ ብቑልጡፍ ክትሕብርዎም ኣለኩም፡ ንሳቶም ከኣ ጠበቓ ብምጽዋዕ ክተሓባበሩኹም እዮም።
  • እንተድኣ እቲ ጠበቓ ናብ መደበር ፖሊስ ዘይመጸ እሞ ምስኡ ክትራኸቡ ምስ እትደልዩ ወይ ከኣ ካልኣይ ጊዜ ምስ ጠበቓ ክትራኸቡ ደሊኹም፡ ነቶም ፖሊስ ክጽውዑልኩም ሕተቱዎም።

ገንዘብ ዘይክፈለሉ ናይ ሕጊ ምኽሪ ብዛዕባ ፍኹስ ዝበለ ወይ ከቢድ ዘይኮነ ክሲ፡

  • ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት ብዛዕባ ክብደቱ ትሕት ዝበለ ጉዳያት እቲ ብነጻ ዝወሃብ ናይ ሕጊ ምኽሪ ገንዘብ ዘይክፍለሉ ክወሃብ ከሎ፡ እዚ ኣገልግሎት እዚ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ናይ ሕጊ ዘጽንዑ ኣማኸርቲ ኣብ ኣገልግሎት ምክልኻል ገበን (Criminal Defence Service) (CDS) ካብ ናይ ተኸሰስቲ ተኸራከርቲ ዝተመደቡ ምሁራት ኣማከርቲ ብቴሌፍን እዮም ምኽሪ ዝህቡ፣ እንተኾነ ግና ዝተወሰነ ኣጋጣሚታት ተረኺቡ ጠበቓ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ናብ መደበር ፖሊስ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ፣
    • ፖሊስ ሕቶታት ክሓትኹም እንተድኣ ደሊዮም ብዛዕባ ዝተፈጸመ ገበን፡ ወይ ከኣ ናይ ዓይኒ ምስክር መለለይ መርመራ ክገብሩ እንተድኣ ደሊዮም።
    • እንተድኣ ሓገዝ ካብ “ፈላጥ ልዕሊ ዕድመ” ኣድልይኩም። ብዛዕባ እዚ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት “ፈላጥ ልዕሊ ዕድመ” መግለጺ ተወከሱ።
    • ብቴሌፎን ክትዘራረቡ ዘይትኽእሉ እንተድኣ ኮይንኩም ወይ ከኣ፡
    • ፖሊስ ኣብ ልዕሌኹም ዓቢ በደል ፈጺሞም ትብሉ እንትኾይንኩም።

እቲ ብተሌፎን ዝወሃብ ናይ ሕጊ ምኽሪ ብነጻ ዝኾነሉ ኩነታት በቶም CDS DIRECT (ሲ.ዲ.ሲ. ዳይረክት) እዩ ዝውሰን:

  • ኣነ ጠበቓ የድልየኒ እዩ ኢልኩም ክትሓቱ ግቡእኩም እዩ፡ እቶም ትጽውዕዎም ጠበቓ እንተ ድኣ ኣቐዲምኩም ትፈልጥዎም ኮይኖም ብናይ መንግስቲ ዝኽፈል ስራሕ legal aid work ( ሊጋል ኤድ) ዝቕበሉ እንተኾይኖም መጺኦም ምኽሪ ክህብኹም ይኽእሉ እዮም። እንተ ድኣ ኣቐዲምኩም ጠበቓ ዘይትፈልጡ ዄንኩም ግን፡ ጠበቓ የድልየኒ እዩ ኢልኩም ምስ ሓተትኩም እቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ጠበቓ ክጽወዓልኩም እዪ። ገንዘብ ከኣ ወለሓንቲ ኣይትኸፍሉን ኢኹም።
  • እቲ በዓልሞያ ጠበቓ ምስ ፖሊስ ወለሓንቲ ርክብ የብሉን።

ገንዘብ ዘይክፈሎ ምኽሪ ሕጊ ንምርካብ:

  • እቶም ፖሊስ ንዓኹም ጉዳይኩም ዝከራኸረልኩም (ዝሕግዘኩም) ጠበቓ ክጽወዓልኩም እቶም ፖሊስ Defence Solicitor Call Centre (DSCC) ዝበሃል ክፍሊ ይጽውዑ። እቶም DSCC ከኣ ናይ ሕጊ ምኽሪ ክወሃብ የመሓድሩ፡ ወይ ካብ እቲ ኣቐዲምኩም ትፈልጥዎ ጠበቓ እንተ ድኣ ጸዊዕኩም ወይ ከኣ ካብቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ጠበቓ ይጽወዓልኩም ማለት እዩ።
  • እቶም ናጻ ናይ ጠበቓ ኣመሓዳርቲ DSCC (ሲ.ዲ.ሲ.ሲ) ን (ሲ,ዲ,ሲ) ምስ ፖሊስ ስራሕ ወለሓንቲ ዘራኽብ የብሎምን።

ናይ ሕጋዊ ምኽሪ ገንዘብ ባዕልኹም ክትከፍሉ ምስ እትደልዩ

  • እንተደሊኹም ኣብ ኩሉ እቲ ኣገልግሎት ናይ ጠበቓ ክትከፍልዎ ትኽእሉ ኢኹም።
  • እቲ ብተሌፎን ዝወሃበኩም ናይ ሕጊ ምኽሪ ካብ CDS (ሲ.ዲ.ሲ)ጥራይ እንተድኣ ኮይኑ፡ እቲ ንስኹም ትመርጽዎ ጠበቓ ከማን ብቴሌፎን ክጽወዓልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ግን እቶም ናትኩም ንስኹም ትጽውዕዎም ጠበቓ ምናልባት በቲ ናይ መንግስቲ ዝኽፈል ከይክፈሎም ይኽእል እዩ፡ ስለዚ ባዕልኹም ክትከፍልዎም ኣለኩም ማለት እዩ። ወይ ከኣ እቲ (ዲ.ኤስ.ሲ.ሲ) ባዕሉ ዝጸወዓልኩም ጠበቓ ይስደደልኩም እሞ ገንዘብ ኣይትኽፈሉን ኢኹም።
  • ባዕልኹም ዝመረጽኩሞ ናትኩም ናይ ግሊ ጠበቓ ክትጽውዑ እንተድኣ ደሊኹም፡ ወይ ብቴሌፎን ወይ ከኣ ብኣካል ኣብቲ መደበር ፖሊስ መጺኦም ብግሊ ከዘራርብኹም መሰል አለኩም ።
  • እንተድኣ እቲ ንስኹም ትመርጽዎ ናይ ግልኹም ጠበቓ ክትረኽብዎ ዘይከኣልኩም እቶም ፖሊስ DSCC (ዲ.ኤስ.ሲ.ሲ) ገንዘብ ዘይክፈሎ ክጽውዑልኩም ይኽእሉ እዮም።

2. ንሰብኩም ኣብ መደበር ፖሊስ ኢየ ዘለኹ ኢልኩም ምሕባር።

  • ነቶም ፖሊስ ንትፈልጥዎ ሰብ ኣብ መደበር ፖሊስ ከምዘለኹም ክሕብሩልኩም ክትሓትዎም ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከኣ ወለሓንቲ ገንዘብ ዝኽፈሎ ኣይኮነን።።
  • ንትፈልጥዎ ሰብ ኣብ ዝሰለጦም ሰዓት ደዊሎም ክሕብሩልኩም እዮም።

3. ናይ ፖሊስ ኣሰራርሓ መንገዲ ዝገልጽ ጽሑፍ ምንባብ

  • እቲ ሕጊ ናይ ፖሊስ ኣሰራርሓ The Codes of Practice ( ዘ ኮድስ ኦፍ ፕራክቲስ)ፖሊስ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ ወይ ከኣ ኣይክእሉን ዝብል መግለጺ ጽሑፍ እዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ዝተኻተተ ብዛዕባ መሰልኩም ዝርዝር መግለጺ ይህብ።
  • እቶም ፖሊስ ነቲ Codes of Practice (ኮድስ ኦፍ ፕራክቲስ) ዝበሃል መጽሓፍ ከተንብብዎ ከፍቅዱልኩም ይኽእሉ እዮም፡ ግን ንተወሰነ ጊዚያት ጥራይ እዮ፡ እቲ ነቲ መጽሓፍ ክተንብቡ ከለኹም ዝውሰድ ግዜ ንስራሕ ፖሊስ ዘሰናኽል ክኸውን ኣይካኣልን እዩ።
  • ነቲ ናይ ፖሊስ ኣሰራርሓ ሕግታት ዝገልጽ መጽሓፍ Codes of Practice, (ኮድስ ኦፍ ፕራቲስ) ዝበሃል መጽሓፍ ከተንብብዎ እንተድኣ ደሊኩም፡ ነቶም ፖሊስ ክትሓትዎም ኣለኩም።

4. ዝኾነ ናይ ጥዕና ሓገዝ ምስ ዘድልየኩም ወይ ምስ እትሓሙ ከኣ ዝኾነ ጉድኣት እንተሃልይኩም

  • ንፖሊስ ዝኾነ ናይ ጥዕና ጸገማት ወይ ከኣ መጉዳእቲ ናይ ኣካላት ዘለኩም ኮይኑ ሓብርዎም ።ወይ ዶክቶር ወይ ከኣ ነርስ ክጽውዑልኩም እዮም። እዚ ከኣ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ።
  • መድኃኒት ክወሃበኩም ክፍቀደልኩም ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግን እቶም ፖሊስ መጀመርያ ነዚ ክምርምርዎ ኣለዎም ። መጀመሪያ ነርስ ክትሪኤኩም ትኽእል፡ እንተኾነ ግን ኣድላይ ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ ፖሊስ ዶክቶር ክጽውዑልኩም እዮም። ብካልእ ሓኪም ክትሪኡ ምስ እትደልዩ ግን ን ባዕልኹም ክትከፍልዎ ክትሕተቱ ትኽእሉ ኢኹም።

5. መሰል ናይ ምዝራብ ዘይምድላይ

እንተድኣ ብዛዕባ ተጠርጢርኩሞ ዘለኹም ጉዳይ ሕቶታት ተሓቲትኩም ወለሓንቲ መልሲ ከይትህቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እንተኾነ ግን ዳሕራይ ንእትብልዎ እቲ ቀንዲ መካትዒ ናይ ጉዳይኩም እንተዳኣ ኮይኑ፡ እቲ ዘይምዝራብ ጉዳይኩም ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ በጽሐ ንኽትካትዑ ክጎድኣኩም ይኽእል እዩ።

ኩሉ እቲ ትብልዎ ከኣ ከምጭብጢ ኮይኑ ክተሓዝ ይከኣል እዩ።

6. ብዛዕባ እቲ ቀሪብልኩም ዘሎ ክሲ ገበን ፈጺምኩም ተባሂሉ ተጠርጢርኩሞ ዘለኹም ጉዳይ ምፍላጥን ከምኡ እውን ንምንታይ ተኣሲርኩም ከምዘለኹም ምፍላጥ

  • ፖሊስ ንምንታይ ተኣሲርኩም ከምዘለኹምን እቲ ክሲ እንታይ ምዃኑን ክሕብሩኹም ይግባእ። እዚ ከኣ መዓስን ኣበይን እቲ ገበን ከምዝተፈጸመ ከይተረፈ ክነግርኹም ይግባእ።
  • ፖሊስ ንምንታይ ፣ ነቲ ገበን ፈጺምኹሞ ኢሎም ክነግርኹም ይግባእ ከምኡ’ውን ፣ ስለምንታይ ኣብ ቀይዲ ክእትውኩም ከምዘለዎም ክነግሩኹም ይግባእ።
  • ፖሊስ ኣብ መደበር ፖሊስ ንምንታይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ክትጸንሑ ከምዝወሰኑ ክገልጹልኩም ይግባእ።
  • ቅድሚ ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ሕቶታት ምሕታቶም እቶም ፖሊስ ንዓኹምን ንጠበቓኹሙን እኹል ሓበሬታታት ብዛዕባ እቲ ዝጥርጥርዎ ገበን ክህቡኹም ይግባእ። እቲ ዝህብኹም ሓበሬታት ግን ነቲ ዝገብርዎ መርመራታት ዝዕንቅፍ ክኸውን የብሉን።
  • እዚ ኣገባብ እዚ ከኣ ንኹሉ ካልእ እቶም ፖሊስ ፈጺምኩሞ ኢኹም ኢሎም ዝኣምኑ ከይተረፈ ዝምልከት ኣሰራርሓ እዩ።

7. ብዛዕባ እቲ ተኣሲርኩምሉ ዘለኹም ጉዳይ ዝምልከት መዝገብን ሰነድን ብዛዕባ ምርኣይ

  • ኣብ መደበር ፖሊስ ክትእሰሩ ከለኹም እቶም ፖሊስ ከማልእዎ ዝግባእ ነገራት፡
    • ምኽንያት መኣሰሪኹም፡ ንምንታይ ኣብ ማእሰርቲ ክትጸንሑ ኣለኩም ኢሎም ከምዝኣምኑ፡ ኣብ ናይ እሱራት መዝገብ ኩሉ ነገር ክምዝግብዎ ይግባእ።
    • ንዓኹምን ንጠበቓኹምን እቲ መዝጊቦሞ ዘለው መዝገብ ዝርዝር ከርእይኹም ይግባእ። እቶም ናይ እሱራት ኣማሓደርቲ ፖሊስ ነዚ ከዳልወልኩም ይግባእ።
  • እዚ ከኣ ንዝኾነ ካልእ ገበናት እቶም ፖሊስ ፈጺምኩሞ ኢኹም ኢሎም ዝኣምኑ ዝምልከት እዩ።
  • ፖሊስ ንዓኹምን ንጠበቓኹምን እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሑ ኣለኩም ኢሎም ወሲነሞ ዘለው ምኽንያት ክትካትዑሉ ዘኽእለኩም ጽሑፋት ክህብኹም ይግባእ።

8. ኣስተርጓሚ ምቕራብን፣ ናይ ዝተወሰኑ ሰነዳት ሓገዝ ምእንቲ ክዀነኩም ፣ ምትርጓምን

  • እንተድኣ እንግሊዘኛ ቋንቋ ብደንቢ ዘይትዛረቡ ኴንኩም፡ እቶም ፖሊስ ቋንቋኹም ዝዛረብ ዝሕግዘኩም ሰብ ክጽውዑልኩም እዮም። እዚ ወለሓንቲ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ።
  • ጸማም ወይ ከኣ ናይ ምዝራብ ክእለት ጸገም ዘለኩም ኴንኩም እቶም ፖሊስ ካብ British Sign Language English ( ብሪቲሽ ሳይን ላንጉጅ እንግሊዝ) ብእንግሊዘኛ ናይ ጸማማት ብምልክት ዘተርጉመልኩም ሰብ ክጽውዓልኩም ይከኣል እዩ። እዚ ወለሓንቲ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ።
  • እንተድኣ እንግሊዘኛ ቋንቋ ዘይትዛረቡ ኴንኩም ወይ ከኣ እንግሊዘኛ ቋንቋ ዘይትሰምዑ ኴንኩም፡ እቶም ፖሊስ ብኣስተርግጓሚ ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሓዝኹም ክገልጹልኩም እዮም፡ ከምኡውን እቲ ከቕርቡልኩም ዝደልዩ ክሲ። እዚ ከኣ ኣብ ዝኾነ ሰዓት እቶም ፖሊስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሕዝኹም ክውስኑ ከለው ከማልእዎ ዘለዎም ነገር እዩ።
  • ኣብ ዝኾነ ሰዓት እቶም ፖሊስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽትጸንሑ ናኽውስኑ ሰዓት፡ ድሕሪ እቲ ከቕርቡልኩም ዝደልዩ ክሲ መሰቕረብልኩም፡ እቶም ፖሊስ ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሑ ከምዘለኩም ዝገልጽ ከምኡ እውን እቲ ቀሪቡልኩም ዘሎ ክዚ መዝገብ ብቋንቋኹም ከቕርቡልኩም ይግባእ። ነዚ ክገብርሉ ዘኽኣሎም ፍሉይ ምኽንያት እንተድኣ ሃሊዩ ጥራይ እዩ። እቲ ምኽንያታት ከኣ፡-
    • እንተድኣ እቲ መዝገብ ኣየድልየንን እዩ ንጉዳየይ ክከራኸር ኢልኩም ወሲንኩም፡ እሞ ከኣ እቲ ጉዳይኩም ሙሉእ ብሙሉ ተረዲኡኒ እዩ ትብሉ ኮይንኩም እቶም ፖሊስ ከኣ ምስ ጠበቓኹም ተራኺብኩም ማዕዳ ክትወስዱ ውሳኔ ክትውሱኑ እንተድኣ ኣፍቂዶሙልኩም። ብተወሳኺ እውን እቲ ፍቓድ ብጹሑፍ ክትህቡ ይግባእ።
    • እንተድኣ ብቓል መዛዘሚ ናይ ጉዳይኩም ብአስቶርጓሚ መንገዲ ተገሊጹልኩም ክንዲ ብጹሑፍ እሞ ከኣ እዚ ብቑዕ (እኹል) ኾይኑ እንተ ተረኺቡ፡ ነቲ ጉዳይኩም ክትከራከሩ ነቲ ኩነታት ሙሉእ ብሙሉእ ክትርድእዎ እንተድኣ ኪኢልኩም እቲ ዋና ጸሓፊ ናይ ቤት ማእሰርቲ ከኣ እዚ ብቑዕ ኮይኑ ረኺብዎ።
  • እቶም ፖሊስ ሕቶ ክሓትኹም ከለው እሞ ከኣ እዚ ኣብ ቴፕ እንተድኣ ዘይተቐድሔ፡ እቶም ኣስተርጎምቲ ነቲ ሕቶን መልስን ብቋንቋኹም መዝጊቦም፡ ነቲ ትህብዎ መልሲ ከኣ ብእንግሊዘኛ ክደግምዎ እዮም። ቅድሚ ምፍራምኩም ከኣ ነቲ ጽሑፍ ትኽኽል ምዃኑ ከተረጋግጹ ትኽእሉ ኢኹም።
  • እንተድኣ ነቶም ፖሊስ ቃል ምስክር ክትህቡ ደሊኹም እቶም ኣስተርጎምቲ ነቲ ትህብዎ ቃል ብቋንቋኹምን ብእንግሊዘኛን ክጽሕፉልኩም ይኽእሉ እዮም፡ ትኽክል ምዃኑ ንምርጋጽ ከኣ ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ብድሕሪኡ ትፍርሙሉ ማለት እዮ።
  • ከምኡውን ናይዚ ሓበሬታዚ መግለጺ ጽሑፍ ተተርጉሙ ከወሃበኩም መሰልኩም እዩ። እንተድኣ ብቋንቋኹም ዝተተርጎመ ዘየለ እቲ ጽሑፍ ብኣስተርጓሚ እንታይ ከምዝብል ብዘይምድንጓይ ክግለጸልኩም ይግባእ።

9. ምስ ኤምባሲኹም ወይ ከእ ቆንስልኹም ምርኻብ

እንተድኣ ዜግነትኩም እንግሊዛዊዘይኮነ፡ ነቶም ፖሊስ ንኣምባሳደርኩም ደዊሎም ኣበይ ከምዘለኹም ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዝኩም ከምዘለኹም ክሕብሩልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡውን እንተ ደሊኹም መጺኦም ክረኽብኹም ይኽእሉ እዮም ወይ ከኣ ጠበቓ መጺኡ ክሪኤኩም ክጽውዑልኩም ይኽእሉ እዮም።

10. ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ እንዳ ፖሊስ ክትተሓዙ ትኽእሉ

  • መብዛሕትኡ ጊዜ ክሳብ 24 ሰዓታት ክሲ ከይቀረበልኩም ክትተሓዙ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከኣ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ብዳኛ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ቤት ፍርዲ ክረኤ ዝኽእል ክሲ እንተድኣ ኾይኑ ካብኡ ንላዕሊ ክነውሕ ይኽእሉ እዩ፡ ከምኡውን፡ ወይ ቤት ፍርዲ ወይ ከኣ እቲ ሱፐር ኢንተንደንት እንተ ድኣ ኣፍቂድዎ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ድሕሪ 36 ሰዓታት ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ክሲ ምቕራቡ ጥራይ እዩ ነቶም ፖሊስ ፍቓድ ክህቦም ዝኽእል።
  • ብተኸታታሊ ሰዓታት ከኣ እቲ ሱፐር ኢንተንደንት ነቲ ጉዳይኩም ክሪኦን መጺኡ ንምታይ ኣብ መደበር ፖሊስ ንክንድዚ ሰዓታት ዘኣክል ክትጸንሑ ከምዘለኩም ክገልጸልኩም አለዎ። እዚ ከኣ መርመራ ናይ ጉዳይኩም ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ነዚ ዝሰርሕ ከኣ ናይ ጉዳይኩም ምርመሪ ጸሓፊ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጠባቓኹም ከኣ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ እዚ ርኢይቶ ክህብ መሰል ኣለዎ። ጥዕናኹም ሓሚምኩም ተኻኢልኩም እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ እቲ ዝውሰነልኩም ውሳኔ ሪኢይቶ ክትህቦ መሰል ኣለኩም ወይ ብጽሑፍ ወይ ከኣ ብተለቪዝን ጌሩ እቲ ናይ ጉዳይኩም ኩነታት ዝከታተል ክኸውን ይኽእል። ከምኡ እውን ጠበቓኩም ኣብክንዳኹም ተወኪሉ ከኣ ሪኢይቶ ክህብ መሰል ኣለዎ።
  • እንተድኣ እቲ ዳግማይ ጸሓፊ ፖሊስ መርማሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘየውጻኣኩም፡ ንምንታይ ክወጸኣኩም ከምዘይከኣለ መግለጺ ከወሃበኩም ይግባእ፡ ከምኡውን እቲ ምኽንያት ኣብ መዝገብ ክጸሓፍ ይግባእ።
  • ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕኩም ኣድላይ እንተድኣ ዘይኮነ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጹ ይግባእ። እቶም ፖሊስ ምርመርኦም ክቕጽሉ እንተድኣ ደሊዮም መምርሒ ተዋሂብኩም ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጹ ይግባእ።
  • ፖሊስ ንቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንተወሳኺ ሰዓታት ክትጸንሑ ፍቓድ ክሓትት ከሎ፡
    • ጉዳይኩም ክረኣየልኩም ከኣ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምጽኡኹም ይግባእ። እንተ ደኣ ብተለቪዥን ክትሰምዕዎ ወይ ክትርእይዎ ትኽእልሉ መንገዲ ተጌሩ ምስ እቲ ቤት ፍርዲ ከራኽበኩም እዩ። እዚ ከኣ ኣቐዲሙ ክሕበረካ እዩ፡ እዚ ድማ ፍቓደኛ ንምዃንካ ንምርግጋጽ ከፈርሙኻ እዮም።
    • ብ ናይ ተለቪዝን መራኸቢ ጌርኩም ናብ ቤት ፍርዲ ከይከድኩም ምስ ቤት ፍርዲ ክትራኸቡ ትኽእሉሉ መንገዲ ንኽግበር እቶም ናይ እስረኛታት ዝሕልው ፖሊስ ክህልው ኣለዎም፡ ኣድላይ ኮይኑ እንተ ድኣ ተረኺቡ ከኣ ጠበቃ ክመጽእ ይኽእል እዩ ነዚ ኽወን ከኣ ናትኩም ፍቃድ የድልይ እዩ።
    • ቅዳሕ ናይ እቲ ቀሪብልኩም ዘሎ ክሲ ዝገልጽ ጭብጥታት ንቤት ፍርዲ ዝወሃቦም ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከጽንሕኹም ከምዝደልዩ ዘለው ዝገልጽ ንዓኹም እውን ከወሃበኩም ይግኣብ።
    • ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳይኩም ክረኣየልኩም ከሎ ጠበቓ ምሳኹም ክህሉ መሰልኩም እዩ።
    • ፖሊስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብቲ ዝግባእ ሰዓታት ንላዕሊ ከጽንሑኹም ዝኽእሉ እንተድኣ እቲ ቤት ፍርዲ ኣድላይ ኮይኑ ረኺብዎ ጥራይ እዩ። ከምኡውን እቶም ፖሊስ ጊዜ ከየጥፍኡ ዘድሊ መርመራታት እንዳገበሩ ከምዘለው እንተኣሚኑ ጥራይ እዩ።
  • እንተድኣ ፖሊስ ንዓኹም ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ክቐርበልኩም ዘኽእል ብቑዕ ጭብጢ ኣለዎም ኮይኑ፡ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹም ወይ ከኣ ብደብዳቤ ናብ ገዛኹም ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ቀሪብልኩም ስለዘሎ ክትርከቡ ከምዘለኩም ይንገረኩም። .

11. ጉዳይኩም ናብ ቤትፍርዲ እንተበጺሑ፣ ነቲ ጭብጢ ናይ ክስኹም ክትርእዩዎ ትኽእሉ ኢኹም

ገበን ፈጺምኩም ተባሂሉ እንተተኸሲስኩም፣ እቲ ተኸሲስኩሙሉ ዘለኹም ጭብጢ ንስኹም ወይ ጠበቓኹም ክትርእዩዎ ክፍቀደልኩም ይግባእ። ነቲ መከላኸሊኹም ዝሕግዝ ጭብጢ እውን ክትርእዩዎ ክፍቀደልኩም ይግባእ፣ እዚ ቅድሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ምኻድኩም ክኸውን ይግባእ። ፖሊስን ናይ ክሲ ኣገልግሎታትን (ሲፒኤስ) ነዚ ንኸዳልዉ ሓላፍነት ኣለዎም። ከምኡውን፣ ኣድላዩ ንዝኾኑ ሰነዳት ካልእ ነገራትን ክትረኽቡ ክቕርቡልኩም ሓላፍነቶም ኢዩ።

ኣብ መደበር ፖሊስ ከለኹም ብዛዕባ ካልእ ክትፈልጥዎ ዘድልየኩም ተወሳኺ ሓበሬታታት

ብኸመይ ዓይነት መንገዲ ክትተሓዙን ክንክን ክግበረልኩምንከም ዝግባእ

እዚ ጽሑፍ እዚ ሓጺር መግለጺ ኣብ መደበር ፖሊስ ተኣሲርኩም ክትህልው ከለኹም እንታይ ዓይነት ኣተሓሕዛ ክግብረለኩም ከምዝከኣል ዝገልጽ እዩ። ተወሳኺ ዚያዳ ሓበሬታታት እንተ ደሊኹም ነቲ መጽሓፍ (ካስቶዲ ረኮርድ) Custody Record ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከኣ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ኩሉ እቲ ዘድልየኩም ዝገልጽ እዩ። ዝኾነ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩምኑ ነቶም ኣባላት መደበር ፖሊስክትሓትዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት

  • ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ዓምት ምስ ዝኸውን ወይ ከኣ ብቐሊሉ ኣብ ሓደጋ ክውድቐሙ ዘኽእል ናይ ስነኣእምሮ ጥዕና ጸገም ምስ ዝህልወኩም፡ ንምሳሌ እንተድኣ ትምህርቲ ክትመሃሩ ዘየኽእለኩምናይ ስነኣእምሮ ጥዕና ጸገም እንተድኣ ኣለኩም ኮይኑ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሌኹም ዝኾነ ነገራት ክገብሩ ከለዉ “ልዕሊ ዕድመ ዝኾነ ካልእ ሰብ” ምሳኹም ኣብ ጥቓኹም ክርከብ ይግባእ። ቅዳሕ ናይ እዚ ጽሑፍ ከኣ ክወሃበኩም እዩ።
  • ፖሊስ ብዛዕባ መሰልኩም ክሕብርኹም ከለውን ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሑ ከምዝተወሰነልኩም ክገልጽልኩም ከለውን፡ ልዕሊ ዕድመ ሰብ ምሳኹም ክህሉ ይግባእ። እቲ ናይ ፖሊስ መጠንቀቕታ ክንበበልኩም ከሎ ከኣ ንሳ ወይ ከኣ ንሱ ምሳኹም ክህልው ይግባእ።
  • እቶም ልዕሊ ዕድመ ፈላጥ ሰብ እውን ብስምኩም ጠበቓ ክጽውዑልኩም ይኽእሉ እዮም።
  • እንተ ደሊኹም ከኣ ብዘይ እቶም ልዕሊ ዕድመ ፈላጣት ሰብ ኣብ ጥቓኹም ምስ ጠበቓኹም በይንኹም ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ፖሊስ ከኣ ካብ እዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ነገራት ክገብሩ ይኽእሉ ኣብ ኣንዳ ፖሊስ ተታሒዝኩም ከለኹም። እቶም ልዕሊ ዕድመ ፈላጣት ከኣ ነዘን ነገራት እዚአን ክመላኣ ከለዋ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጥቓኹም ክርከቡ ይግባእ ፡ ፍሉይ ዝኾነ ኣጋጣሚ እንተዘይተረኺቡ ጥራይ።
    • ቃለ መሕትት ክገብሩልኩም ይኽእሉ ወይ ከኣ ምስክር ቃል ዝሃብኩሞ ክትፍርሙሎም ወይ ከኣ መዝገብ ብዛዕባኹም ዝጸሓፍዎ ክትፍርሙሎም ክሓትኹም ይኽእሉ እዮም።
    • ካብ እቲ ላዕለዋይ ክዳንኩም ንላዕሊ ከውጽኡልኩም ይኽእሉ እዮም።
    • ናይ ኣጻብዓት ኣሰርን ስእልን ወይ ከኣ ናይ DNA (ዲ.ኤን ኤይ) ኣሰር ክወስዱልኩም እዮም።
    • ዝኾነ ናይ ምስክር ዝምልከት ነገራት ናይ እዚ ኣሰራርሓ መንገዲ እዩ።
  • እቶም ፈላጣት ልዕሊ ዕድመ ከኣ ወይ ብኣካል ወይ ብቴሌፎን ምሳኹም ክራኸቡ ዕድል ከወሃቦም ይግባእ። ከምኡ እውን ፖሊስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከጽንሕኹም ዲዮም ዋላስ ክፈትሕኹም ኢሎም ክውስኑ ከለው እውን እቶም ፈላጣት ልዕሊ ዕድመ ኣብ ጥቓኹም ክህልው ይግባእ።
  • እቶም ፈላጣት ልዕሊ ዕድመ ፖሊስ ክሲ ከቕርብልኩም ከለው ምሳኹም ክርከቡ ይግባእ።

ኣብ መደበር ፖሊስ ከለኹም ብዛዕባ ክወሃበኩም እትደልይዎ ዝርዝር መዝገብ

  • ኣብ መደበር ፖሊስ ከለኹም ዘጋጠመኩም ኩሉ ነገራት ምዝጉብ እዩ። እዚ ከኣ Custody Record (ካስቶዲ ረኮርድ) መዝገብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
  • ካብ ቤት ማሰርቲ ክትወጹ ከለኹም፡ ወይ ንስኹም፡ ወይ ጠበቓኹም ወይ ከኣ እቲ ፉሉይ ዓቢ ሰብ ሕታም ናይ Custody Record (ካስቶዲ ረኮርድ) መዝገብ ታሪኽ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ፖሊስ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ነቲ Custody Record (ካስቶዲ ረኮርድ) መዝገብ ታሪኽ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበርክምሉ ክህቡኹም ይግባእ።
  • ቅዳሕ መዝገብኩም Custody Record (ካስቶዲ ረኮርድ) ዝምልከት ካብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበርኩሙሉ ጊዜ ጀሚሩ ክሳብ 12 ወርሒ ዘሎ ጊዜ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስ ሰብ ምርኻብ

  • ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ ጠበቓ ምርኻብን፡ ንትፈልጥዎ ሰብ ኣብ መደበር ፖሊስ ኣለኹ ኢልኩም ምሕባርን፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ሓንሳብ ተሌፎን ክትድውሉ ክፍቀደልኩም ይግባእ።
  • ንፖሊስ ቴሌፎን ክትድውሉ እንተደሊኹም ሕተትዎም።
  • ከምኡ እውን ወረቐት መጽሓፍን ብርዒን (ፒሮ) ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ሰብ መጺኡ ክበጽሓኩም ምናልባት ክፍቀደልኩም ይኽእል እዩ፡ ግን ምናልባት እቲ ናይ መደበር ፖሊስ ሓላፊ ከየፍቅደልኩም ይኽእል እዩ።

ክፍሊ ቤት ማእሰርቲ

  • እንተድኣ ተኻኢሉ በይንኹም ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ክትጸንሑ ይግባእ።
  • ጽሩይ፡ ማሙቕን፡ ብርሃን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።
  • እቲ ናይ መደቀሲኹም ምንጻፋት ከኣ ጽሩይን ዝተማዓራረየን ክኸውን ይግባእ።
  • ክትሕጸቡን ሽንቲ ቤት ክትጥቀሙን ክፍቀደልኩም ይግባእ።

ውልቃውያን መሰረታውያን ጠለባት – ጥዕና፡ ጽርየት ኣካላትን ሰብኣዊ ድሕነትን

  • ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትህልው ከለኹም ናይ ግሊ ኩነታት ዝምልከት ብዛዕባ ጥዕናኹም፡ ጽሬት (ጽፈት) ን ብዛዕባ ደሕንነትን ንዓኹም ዝትንክፍ ወይ ከዓ ዘተሓሳስብ ነገራት ክህልወኩም ከለው በይንኹም ብሱቱር መንገዲ ብዛዕባ እዚ ክትዘራረቡ ትደልዩ እንተኾይንኩም ክትሕተቱ ይግባእ።
  • እቶም ፖሊስ ንዓኹም ኣድላይ ዝኾኑ ነገራት ወይ የድልዩ እዮም ዝብልዎም ነገራት ክህብኹም ወይ ከኣ ከዳልውልኩም እዮም። እንተ ድኣ ደሊኹም ከኣ እቶም ምሳኹም ዝዛረቡ ፖሊስ ጾቶኦም ከምናትኩም ጾታ ክኸውን ከምዘለዎ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ዕድሜኣ ልዕሊ 18 ዝኾነት ጓል ኣስንስተይቲ እንተ ድኣ ኮይክን፡ ናይ ኣዴታትክን ክመጸክን ከሎ ዘድሊ ነገራት ንሕጂ ወይ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርትሪ ከለኽን ንመጻኢ ጊዜ የድልየክን ድዩ ተባሂሉ ክሕተተክን ኣለዎ:
  • እቲ ብዛዕባ እዚ ዘድሊ ነገራት ክወሃበክን ከሎ ከኣ ብጥርሑ ወይ ከኣ ገንዘይብ ከይከፈልክን እዩ ዝወሃበክን። ቅያር ናይ እቲ ዝወሃበክን ነገራት እውን ኣሎ፡ ከምኡ እውን
  • እንተ ድኣ እቶም ናይ ቤት ማእሰርቲ ኣካየድቲ ወይ ከኣ ሓለፍቲ ተሰማሚኦም ከኣ ቤተሰብኩም ወይ ከዓ መሓዙትኩም እቲ ዘድልየኩም ነገራት ባዕሎም ዓዲጎም ከምጽእልኩም ይኽእሉ እዮም።
  • ዕድሜኺ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾንክን ጓል አስንተይቲ እንተ ድኣ ኮይንኪ፡ እቶም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዘካይዱ ጸሐፍቲ፡ እቲ ንዓኺ ናይ ውልቃዊ ዘድልየኪ ነገራትን ኒወርሓዊ ጽግያት መጥቀሚ ነገራት ከመልአልኪ መታን ክትሓተኪ ጓል ኣንስተይቲ ፖሊስ ኪምድቡልኪ ይግባእ።

ክዳውንቲ

እንተድኣ ኣቲ ለቢስኩሞ ዝነበርኩም ክዳንኩም ፖሊስ ወሲዶሞ ቅያር ክዳውንቲ ክህብኹም ይግባእ።

መግብን ዝስተ ነገራትን

ንመዓልቲ ሰለስተ ሻዕ መግብን ዝስተ ነገራትን ክወሃበኩም ይግባእ። ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጎ መግቢ መግብታት ዝወሃበኩም ተወሳኺ ዝስተ ነገራት ክወሃበኩም ይከኣል እዩ።

ምንቅስቓስ

እንተ ድኣ ተኻኢሉ ከኣ ኣየር ንኽተውስዱ ኣብ ደገ መዓልታዊ ክትወጹ ክፍቀደኩም ይግባእ።

እቶም ፖሊስ ሕቶታት ከሓትኹም ከለው

  • እቲ ክፍሊ ማሙቕ፡ ጽሩይን ብርሃን ዘለዎን ክኸውን ይግባእ።
  • ጠጠው ኢልኩም ሕቶታት ክትምልሱ ኣይግበኣኩምን።
  • እቶም ፖሊስ ስሞምን መዓርጎምን ክነግሩኹም ይግባእ።
  • ዕረፍቲ ኣብቲቲ ዝግባእ ናይ መግቢ ሰዓታትን፡ ናይ ፈሳሲ መስተ ክወሃበኩም እንተ ወሓደ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ክወሃበኩም ይግባእ።
  • እንተ ወሓደ ናይ 8 ሰዓታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናይ ዕረፍቲ ወይ ከኣ ድቃስ ጊዜ ከወሃበኩም ይግባእ።

ብዛዕባ ሃይማኖት ኣድላይ ዝኾነ ነገራት

ሃይማኖትኩም ከተኽብሩ ወይ ክትጽልዩ ዘድልየኩም ነገራት እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ ንፖሊስ ሓብርዎም። ናይ ሃይማኖት መጻሕፍትን ካልኦት ዝተፈላለየ ነገራት ክህብኹም ይኽእሉ እዮም።

እቲ ልሙድ ሕግታት ፍሉይ ዝኾነሉ ሰዓታት

ጠበቓ ክሕግዘኩም ክጽወዓልኩም ከሎ

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ፍሉይ ዝኾነ ኩነታት እቶም ፖሊስ ብቑልጡፍ ጠበቓ                                                    ከይጸውዑ ሕቶታት ከሓተኹም ይኽእሉ እዮም። ሓበሬታታት ብዛዕባ እዚ ፍልይ ዝበለ ሰዓታት ኣብ እቲ መጽሓፍ “Codes of Practice” ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ መጽሓፍ እዚ ከኣ ኣብቲ መደበር ፖሊስ ከለኹም እቶም ፖሊስ እንታይ ክገብሩን ከይገብሩን ከምዝፍቀዶም ዝገልጽ እዩ። እቲ ዝርዝር ክትሪኢዎ እንተ ድኣ ደሊኹም ኣብቲ መጽሓፍ ኣብ ዓንቀጽ 6.6 Code C of the Codes of Practice (6.6 ኮድ ሲ ኦፍ ዘ ኮድ ኦፍ ፕራክቲስ) ዝብል ክፍሊ እዩ ዝርከብ።

ሓንቲ ፍልይ ዝበለት ሰዓት ኣላ እቶም ፖሊስ ነቲ ንስኹም ትመርጽዎ ጠበቓ ከዘራርቡኹም ዘይክእሉሉ ሰዓታት። ከምዚ ከጋጥም ከሎ ካልእ ትደልይዎ ጠበቓ ክትመርጹ ክፈቕድልኩምድልኩም ይኽእሉ። ናይዚ ዝርዝር እዚ ክትሪኢይዎ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ T Annex B of Code C Codes of Practice ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ንትፈልጥዎ ሰብ ኣነ ኣብ መደበር ፖሊስ እየ ዘለኹ ኢልኩም ምሕባር።

ንትፈልጥዎ ሰብ ኣብ መደበር ፖሊስ እየ ዘለኹ ኢልኩም ክትሕብሩ ፍልይ ዝበለ ሰዓታት ወይ ከኣ ኩነታት ተሌፎን ክትድውሉ ዘይፍቀደልኩም ግዜ ኣሎ።  ሓበሬታታት ብዛዕባ እዚ ፍልዩ ዝበለ ኩነታት ኣብ መጽሓፍ Codes of Practice      (ኮድ ኦፍ ፕራክቲሲ) ዝበሃል ኣብ ክፍሊ Annex B of Code C ይርከብ።

መርመራ ናይ ምስትንፋስ

እንተ ድኣ ኣብ ቤትማእሰርቲ ብዛዕባ መስተ ሰቲኻ ማኪና ምዝዋር ተኸሲስኩም ቀሪብኩም፡ ምስ ጠበቓ ክትዛረቡ ግብእኩም እዩ። እዚኣ ፍቓድ እዚኣ ማለት ግን ገና ምስ ጠበቓ ስለዘይተራኸብኩም ነቲ ናይ ትንፋስኩም፡ ወይ ከኣ ናይ ሽንቲ፡ ወይ ከኣ ናይ ደም መርመራ ዝኸውን ክትህቡ የብልኩምን ማለት ኣይኮነን።

በቲ ናይ ስነኣእምሮ ጥዕና ኣዋጅ ኣብ 1983 ዝወጸ መሰረት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእሳር።

እቶም ፖሊስ ንዓኹም ኣብ መደበር ፖሊስ በቲ ናይ Mental Health Act (መንታል ሄልዝ አክት) ናይ ስነኣእምሮ ጥዕና ሕጊ መሰረት ክኣስሩ ይኽእሉ እዮም፡ እንተ ድኣ ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ዓመት ኮይኑ ወይ ከኣ ከቢድ ጉድኣት ወይ ናይ ሞት ጸገም ወይ ንዓኹም ወይ ንኻልእ ሰብ ሓደጋ ኮይኑግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም።። እዚ ግን እንተ ድኣ በዚ ናይ ስነኣእምሮ ጥዕና ሕጊ መሰረት ኣብ መደበር ፖሊስ ተኣሲርኩም ገበን ፈጺምኩም ኣለኹም ማለት ኣይኮነን።

እዚ ማለት ከኣ እቶም ፖሊስ ብሓኪምን ብናይ ስነኣእምሮ ናይ ጥዕና ኩነታት ተማሂሩ ብቑዕ ዝኾነ ሓኪም ምርመራ ክግበረልኩም መታን ክትረኣዩ ከመሓድሩ ኣለዎም ማለት እዩ። እቲ ዝግባእ ምርመራታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክፍጸም ይግባእ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተ ድኣ ክትጸንሑ ተሓቲትኩም። እድላይ ኮይኑ እንተ ዳኣ ተረኺቡ ከኣ ተወሳኺ 12 ሰዓታት ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም፡ እዚውን                                                  ዶክቶር ኣድላይ ኮይኑ እንተ ድኣ ረኪብዎ ማለት እዩ። ግን እቶም ፖሊስ ነዚ ብቑልጡፍ ክካይየድ ከምዘለዎም ብዝተኻእሎም መጠን ክፍትኑ እዮም። ኣብ ውሽጢ እዚ ሰዓታት እዚ እቶም ፖሊስ ምናልባት ኣብ ዚያዳ ብቑዕ ዝኾነ ነቲ መርመራታት ክካየደሉ ዝከኣል ቦታ ከተሓላልፍኹም ይኽእሉ እዮም።

ነዚ ክሳብ ዝፍጸም እንዳ ተጸበኹም ከለኹም ኣቶም ፖሊስ ምናልባት ብቑዕ ዝኾነ ናይ ጥዕና ሓኪም መጺኡ ክሪኤኩም ከመሓድሩልኩም ይኽእሉ እዮም። ነቲ መርመራ ከካይድዎ ኣይክእሉን እዮም፡ ግን ካልእ ናይ ጥዕና ጸገም እንተድኣ ሃሊይኩም ክሕግዝኹም ይኽእሉ እዮም፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዝዳለወልኩም ዘሎ መርመራ መግለጺ ክህብኹም ይኽእሉ እዮም።

ናጻ ዝኾኑ ናይ እሱራት ምብጻሕ

ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ኣባላት ቆጸራ ከይገበሩ ኣብ ዝደልይዎ ሰዓታት መጺኦም ነቲ መደበር ፖሊስ ናይ እሱራትት ክፍሊታት ክምርምሩ ዝፍቀዶም ውልቀሰባት ኣለው። ኣዚኦም ከኣ ፍሉያት ናይ መደበር ፖሊስ ቤት ማእሰርቲ መርመርቲ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ መርመራ በቶም ገበርቲ ሰናይ ዘካይዱሉ ምኽንያት ከኣ እቶም እሱራት እቲ ግብኦም ይመላኣሎምን ዘይመላኣሎምን ከምዘሎ ንምርግጋጽ እዮ።

እቶም ናይ ግሊ ናይ መደበር ፖሊስ መርመርቲ ብፍላይ ንዓኹም ጥራይ መጺኦም ክሪኢኹም ክትሓቱ ፍቓድ የብልኩምን። ብፍላይ ንዓይ መጺኦም ይርኣይኑ ኢልኩም ክትሓቱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኮይኑ ግን ምስኣቶም ክዘራረብ ኣይደልይን እየ እንተድኣ ትብሉ ኮይንኩም ክትዛረብዎም ኣይትግደዱን ኢኹም።

ጥርዓን ከመይ ጌርኩም ከተቕርቡ ትኽእሉ

ብዛዕባ ኣብ መደበርፖሊስ ከለኹም ክግበረልኩም ዝግብኦ ክንክን እንተ ድኣ ጥርዓን ከተቕርቡ ደሊኹም ነቲ ዚያዳ ሓላፍነት ዘለው ኣባል ፖሊስ (ኢንስፐክቶር) ንክትዘራረቡ ክትሓቱን ትኽእሉ ኢኹም። ካብቲ መደበር ፖሊስ ምስ ወጻእኩም ከኣ ኣብ ዝኾነ መደበር ፖሊስ ኬድኩም እቲ ትደልይዎ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ርእሱ ዝኸኣለ Office for Police Conduct (IOPC) (ኦፊስ ፎር ፖሊስ ኮንዳክት (አይ.ኦ.ፒ.ሲ) ወይ ብጠበቓ መንገዲ ወይ ከኣ  MP (ኤም ፒ) ኣባል ናይ ፓርላመንት ብሽምኩም ጥርዓን ከቕርበልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።