Guidance

Notice of rights and entitlements Tigrinya (PACE Code H) (accessible version)

Updated 1 December 2018

ናይ ሽበራ ኣዋጅ 2000

መሰልኩም ዘክርዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹም

ኣብዚዘሎ ሓበሬታ ብዛዕባ ብሕጊ እንጊልዝን ዌልስን ብገበን ዝተኸሰ ሰብ ኣብ ትሕቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መምርሒናይ EU Directive 2012/13 ርጉጽ ዝኾነ ሓገዝ ንምርካብ ክወሃብ ዘለዎ ኣካይዳ መሰረት ዝምልከት ሓበሬታ እዩ።።

ኣብ መደበር ፖሊስ ምስ መጻእኩም ብዛዕባ መሰልኩም ዝምልከት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩኣሎ፡። እንተኾነ ግን ብዝርዝር

ከኣ ካብ ዓንቀጽ 1 ክሳብ 11 ካብዚ ቀጺሉ ተጻሒፉ ኣብ ዘሎ ገጻት ቀሪቡ ኣሎ።

ሙሉእ ዝርዝር ከኣ ኣብ ናይ ፖሊስ መምርሒ ሲ ተጠቒሱ ይርከብ።

  1. እንተድኣ ጠበቓ የድልየኩም ኮይኑ ነቶም ፖሊስ ኣብቲ መደበር ፖሊስ ከለኹም ሓብርዎም። እዚ ከኣ ገንዘብ ዘይክፈለሉ ኣገልግሎት እዩ።

  2. እንተድኣ ንዝኾነ ሰብ ኣበይ ከምዘለኹም ክትሕብርዎም ደሊኹም ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም። እዚ ከኣ ገንዘብ ዘይክፈለሉ ኣገልግሎት እዩ።

  3. እንተድኣ ናይ ፖሊስ ኣሰራርሓ መንገዲ ስርዓት ክተንብብዎ ደሊኹም - ስሙ ዝርዝራዊ መምርሒ(Codes of Practice) ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም።

  4. ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ሓገዝ እንተድኣ ዘድልየኩም ኮይኑ ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም። እንተድኣ ሓሚምኩም ወይ ከኣ ዝኾነ ኣካላዊ ጉድኣት ዘለኩም ምስ እትኾኑ ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም። ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ሓገዝ ገንዘብ ኣይክፈለሉን እዩ።

  5. እንተድኣ ብዛዕባ ትጣራጠርሉ ገበን ተሓቲትኩም ሽበራ ንኽፍጠርን፡ ንምቅርራብ ሓገዝ ወይ ከኣ ዝኾነ ናይ ሽበራ ነገራት ንኽፍጠር ተሳቲፍኩም ትኾኑ ተባሂሉ ተሓቲትኩም፡ መልሲ ክትህቡ ኣይትግደዱን ኢኹም። እንተኾነ ግን እንተድኣ ሕቶ ተሓቲትኩም መልሲ ብዘይሃብኩም እሞ ከኣ እቲ ትህብዎ መልሲ ዳሕራይ ተኸሲስኩም ዘሎ ክሲ መካትዒ ወይ ከኣ መግለጺ ክትጥቀሙሉ እንተፈቲንኩም ድሒሩ ክጎድኣኩም ይኽእል እዩ። ትህብዎ መልሲ ብሙሉኡ ከኣ ከምጭብጢ ጌርና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

  6. ኣየናይ ገበን ከምዝፈጸምኩም ዝጥርጥርዎ እቶም ፖሊስ ክሕብሩኹም ወይ ከኣ ክገልጽልኩም ይግባእ፡ ብዛዕባ ትጥርጠርዎ ንሽበራ ንኽፍጠርን፡ ንምቅርራብ ሓገዝ ወይ ከኣ ዝኾነ ናይ ሽበራ ነገራት ንኽፍጠር ተሳቲፍኩም ትኾኑ ተባሂሉ ምስ እትሕተቱ፡ ከምኡ እውን ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝመጻእክሙን ከምዝተኣሰርኩምን ክገልጹልኩም ይግባእ።

  7. ብዛዕባ እቲ ተኸሲስኩሞ ዘሎ ክሲ ዝምልከት ዘለዎም ሓበሬታ ወይ ከኣ ሰነድ ንዓኹም ወይ ንጠበቓኹም እቶም ፖሊስ ከርእይኹም ይግባእ። ብተወሳኺ ከኣ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ መደበር ፖሊስ ከምትጸንሑ ክግለጸልኩም ይግባእ።

  8. ኣስተርጓሚ ምስ ዘድልየኩም እቶም ፖሊስ ክጽውዑልኩም ይግባእ። ብተወሳኺ እውን ዝተፈላለየ ሰነዳት ብቋንቋኹም ተተርጉሙ ከወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

  9. እንተድኣ ዜግነትኩም እንግሊዛዊ ዘይኮይኑ እሞ ከኣ ምስ ኤምባሲሃገርኩም ክትራኸቡ ትደልዩኬንኩም ነቶም ፖሊስ ሓብርዎም። እዚ ከኣ ገንዘብ ዘይክፈሎ ኣገልግሎት እዩ።

  10. እቶም ፖሊስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽንደይ ዘኣክል ጊዜ ከምዘጽንሑኹም ክሕብሩኹም ይግባእ።

  11. ክሲ ቀሪቡልኩም እሞ ኸኣ እቲ ጉዳይኩም እንተድኣ ኣብ ቤት ፍርዲ በጺሑ፡ ንጠበቓኹም ወይ ከኣ ንዓኹም ብዛዕባ ቀሪቡልኩም ዘሎ ክሲ ዝምልከት ምስ ከሳሲኹም ዘለዎ ጭብጢ ቅድሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቕራብኩም ክወሃበኩም ይግባእ።

ብዛዕባ እዚ መሰልኩም ዝምልከት ዘይተረዳኣኩም ዝኾነ ነገር እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ፡ ነቶም ናይ ቤት ማእሰርቲ ጸሓፍቲ ክትሕብርዎም ይግባእ።

ድሕሪ እቲ መዛዘሚ ዘሎ ገጽ ተወከሱ ዚያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ፖሊስ ከመይ ጌሮም ክሕዝኹም ከምዘለዎም ዝገልጽ ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰልኩምን ዝግበኣኩም ነገራትን ዝብል ዝጅምረሉ ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ 2018 እዩ፡

ብኽብረትኩም እዚ ሓበሬታ እዚ ምስተዋህበኩም ብህጹጽንኹሉ ኣንብብዎ፡እዚ ድማ መታን ኣብቲመደበር ፖሊስ ከለኹም ውሳኔ ክትውስኑ ክሕግዘኩም ተባሂሉ እዩ፡ ኣብ ጽቡቕ ከኣ ሓዝዎ።

1. ሓገዝ ጠበቓ ምጥላብ

  • ጠበቓ ብዛዕባ ሕጊ ምኽርን ማዕዳን ብምሃብክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።
  • ጠበቓ ይጸዋለይ ኢልኩም ምሕታትኩም ወለሓንቲ ጌጋ ከምዝፈጸምኩም ኮይኑ ኣይቁጸርን እዩ።
  • እቶም ናይ መደበር ፖሊስ ኣባላትpolce Custody Officer (ፖሊስ ካስቶዲ ኦፊሰር) ጠበቓ ትደልዩ ዲኹም ኢሎም ከሓትኹም መሰልኩም እዩ። ወለሓንቲ ገንዘብ ከኣ ኣይትኸፍሉን ኢኹም።
  • እቶም ፖሊስ ኣብቲ መደበር ፖሊስ ከለኹም፡ ምስ ጠበቓ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ዋላ ለይቲ ወይ ከኣ ቀትሪ ከዘራርብኹም ግብኡኩም እዩ።
  • እንተ ድኣ ነቶም ፖሊስ ኣነ ጠበቓ የድልየኒ እዩ ኢልኩም ጠበቓ ይጸወዓለይ ኢልኩም ሓቲትኩምም፡ ክሳብጠበቓ መጺኡ ምኽሪ ዝህበኩም ወለሓንቲ ሕ ቶታት ከሓትኹም ኣይፍቀዶምን እዩ። እቶም ፖሊስ ሕቶታት ከሓትኹም ከለው፡ ጠበቓይ ከኣ ምሳይ ኣብ እቲ ክፍሊ ክህልው ኣለዎም ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም።
  • እንተድኣ መጀመሪያ ነቶም ፖሊስ ጠበቓ ኣየድልየንን እዩ ኢልኩሞም፡ ዳሕራይ ግን ሓሳብኩም ቀይርኩም። ነቶም ፖሊስ ብቑልጡፍ ክትሕብርዎም ኣለኩም፡ ንሳቶም ከኣ ጠበቓ ብምጽዋዕ ክተሓባበሩኹም እዮም።
  • እንተድኣ እቲ ጠበቓ ናብ መደበር ፖሊስ ዘይመጸ እሞ ምስኡ ክትራኸቡ ምስ እትደልዩ ወይ ከኣ ካልኣይ ጊዜ ምስ ጠበቓ ክትራኸቡ ደሊኹም፡ ነቶም ፖሊስ ንጠበቓ መሊ ክጽውዑልኩም ሕተትዎም።
  • ንትፈልጥዎ ጠበቓ ክተዘራርቡዎ ትኽእሉ ኢኹም፣ ሕጋዊ ሓገዝ ስራሕ እንተገበሩልኩም ድማ ብናጻ ኢዩ። ትፈልጥዎ ጠበቓ እንተዘየለ ወይ እቲ ትፈልጥዎ ጠበቓ ክትረኽቡዎ እንተዘየክኣልኩም፣ ነቲ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ጠበ ከተዝራርቡዎ ትኽእሉ ኢኹም፣ ናጻ ኢዩ፣
  • ኣብ ስራሕ ዘሎ ጠበቓ ምስ ፖሊስ ወለሓንቲ ርክብ የብሉን።

ገንዘብ ዘይክፈሎ ምኽሪ ሕጊ ንምርካብ:

  • እቶም ፖሊስ ንዓኹም ጉዳይኩም ዝከራኸረልኩም (ዝሕግዘኩም) ጠበቓ ክጽወዓልኩም Defence Solicitor Call Centre (DSCC) ዝበሃል ክፍሊ ይጽውዑ። እቶም DSCC ከኣ ናይ ሕጊ ምኽሪ ክወሃብ የመሓድሩ፡ ወይ ካብ እቲ ኣቐዲምኩም ትፈልጥዎ ጠበቓ እንተ ድኣ ጸዊዕኩም ወይ ከኣ ካብ እቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ጠበቓ ይጽወዓልኩም ማለት እዩ።
  • እቶም ናጻ ናይ ጠበቓ ኣመሓዳርቲ DSCC (ሲ.ዲ.ሲ.ሲ) ን (ሲ,ዲ,ሲ) ምስ ስራሕ ፖሊስ ወለሓንቲ ዘራኽብ የብሎምን።

ናይ ሕጋዊ ምኽሪ ገንዘብ ባዕልኹም ክትከፍሉ እንተደሊኹም

  • እንተድኣ ደሊኹም ኣብ ኩሉ እቲ ኣገልግሎት ናይ ጠበቓ ክትከፍልዎ ትኽእሉ ኢኹም።
  • እቲ DSCC (ሲ.ዲ.ሲ.ሲ) ን (ሲ,ዲ,ሲ) ንጠበቓኹም ብስምኩም ክጽወዓልኩም ይኽእል እዩ።
  • ናትኩም ናይ ግሊ ጠበቓ ባዕልኹም ዝመረጽኩሞ ክትጽውዑ እንተድኣ ደሊኹም፡ ብቴሌፎን ወይ ከኣ ብኣካል ኣብቲ መደበር ፖሊስ መጺኦም ምኽሪ ክህብኹምን በይንኹም ከዛርብኹምን መሰልኩም እዩ።
  • እንተድኣ እቲ ንስኹም ትመርጽዎ ናይ ግልኹም ጠበቓ ክትረኽብዎ ዘይከኣልኩም እቶም ፖሊስ DSCC (ዲ.ኤስ.ሲ.ሲ) ገንዘብ ዘይክፈሎ ጠበቓ ክጽውዑልኩም ይኽእሉ እዮም።

2. ንሰብኩም ኣብ መደበር ፖሊስ ኢየ ዘለኹ ኢልኩም ምሕባር።

  • ነቶም ፖሊስ ንትፈልጥዎ ሰብ ኣብ መደበር ፖሊስ ከምዘለኹም ክሕብሩልኩም ክትሓትዎም ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከኣ ወለሓንቲ ገንዘብ ዝኽፈሎ ኣይከውንን እዩ።
  • ንትፈልጥዎ ሰብ ኣብ ዝሰለጦም ሰዓት ደዊሎም ክሕብሩልኩም እዮም።

3. ናይ ፖሊስ ኣሰራርሓ መንገዲ ዝገልጽ ጽሑፍ ምንባብ

  • እቲ ሕጊ ናይ ፖሊስ ኣሰራርሓ The Codes of Practice ( ዘ ኮድስ ኦፍ ፕራክቲስ)ፖሊስ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ ወይ ከኣ ኣይክእሉን ዝብል መግለጺ ጽሑፍ እዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብዚጽሑፍ እዚ ዝርዝርብዛዕባ መሰልኩም ዝርዝርዊ መግለጺ ይህብ።
  • እቶም ፖሊስ ነቲ Codes of Practice (ኮድስ ኦፍ ፕራክቲስ) ዝበሃል መጽሓፍ ከተንብብዎ ከፍቅድልኩም ይኽእሉ እዮም፡ ግን ንተወሰነ ጊዚያት ጥራይ እዮ፡ እቲ ነቲ መጽሓፍ ተንብብዎ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ነቲ ናይ ፖሊስ ስራሕ ዘሰናኽል ክኸውን ኣይግብኦን እዩ።
  • ነቲ ናይ ፖሊስ ኣሰራርሓ ሕግታት ዝገልጽ መጽሓፍ Codes of Practice, (ኮድስ ኦፍ ፕራቲስ) ዝበሃል መጽሓፍ ከተንብብዎ እንተድኣ ደሊኩም፡ ነቶም ፖሊስ ክትሓትዎም ኣለኩም።

4. ዝኾነ ናይ ጥዕና ሓገዝ ምስ ዘድልየኩም ወይ እንተሓሚምኩም ወይ ከኣ ዝኾነ ኣካላዊ ጉድኣት እንተሃልይኩም

  • ንፖሊስ ዝኾነ ናይ ጥዕና ጸገማት ወይ ከኣ ኣካላዊጉድኣት ምስ ዝህልወኩሓብርዎም። ዶክቶር ወይ ከኣ ነርስ ክጽውዑልኩም እዮም። እዚ ከኣ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ።
  • መድኃኒት ክወሃበኩም ክፍቀደልኩም ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግን እቶም ፖሊስ ነዚ መጀመሪያ ክምርምርዎ ኣለዎም ። መጀመሪያ ነርስ ክትሪኤኩም ትኽእል፡ እንተኾነ ግን ኣድላይ ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ ፖሊስ ዶክቶር ክጽውዑልኩም እዮም። ብካልእ ሓኪም ክትርኣዩ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም ነዚ ግን ባዕልኹም ንክትከፍልዎ ክትሕተቱ ትኽእሉ ኢኹም።

5. መሰል ናይ ምዝራብ ዘይምድላይ

እንተድኣ ብዛዕባ ትጥርጠርዎ ንሽበራ ንኽፍጠርን፡ ንምቅርራብ ሓገዝ ወይ ከኣ ዝኾነ ናይ ሽበራ ነገራት ንኽፍጠር ተሳቲፍኩም ትኾኑ ኢኹም ተባሂሉተሓቲትኩም፡ ወለሓንቲ መልሲ ከይትህቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እንተኾነ ግን ዳሕራይ ትብልዎ እቲ ቀንዲ መካትዒ ናይ ጉዳይኩም እንተዳኣ ኮይኑ ዳሕራይ ጉዳይኩም ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ በጽሔ ንኽትካትዑ ክጎድኣኩም ይኽእል እዩ።

ኩሉ እቲ ትብልዎ ከኣ ከምጭብጢ ኮይኑ ክተሓዝ ይከኣል እዩ።

6. ብዛዕባ ንምንታይ ተኣሲርኩም ከምዘለኹም ምፍላጥ

  • ፖሊስ ንምንታይ ተኣሲርኩም ከምዘለኹም ዝገልጽ ሓበሬታ እቲ ክሲ ብዛዕባ ትጥርጠርዎ ሽበራ ንኽፍጠርን፡ ንምቅርራብ ሓገዝ ወይ ከኣ ዝኾነ ናይ ሽበራ ነገራት ንኽፍጠር ተሳቲፍኩም ትኾኑ ዝብል ጥርጠራ።
  • ኣብ መደበር ፖሊስ እቶም ፖሊስ ንምንታይ ኣብ ቤትማእሰርቲ ክትጸንሑ ከምዘለኩም ኢሎም ከምዝወሰኑ ክገልጹልኩም ይግባእ።
  • ቅድሚ ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ሕቶታት ምሕታቶም እቶም ፖሊስ ንዓኹምን ንጠበቓኹሙን እኹል ሓበሬታታት ብዛዕባ እቲ ንስኹም ሽበራ ንኽፍጸም ተኻፊልኩም ዝብል ጥርጠራ ክገልጽልኩም፡ እቲ ዝህብኹም ሓበሬታታት ግን ነቲ ዝገብርዎ መርመራታት ዝዕንቅፍ ክኸውን የብሉን።
  • እዚ ኣገባብ እዚ ከኣ ንኹሉ ካልእ እቶም ፖሊስ ፈጺምኩሞ ኢኹም ኢሎም ዝጥርጥሩዎ ከይተረፈ ዝምልከት ኣሰራርሓ እዩ።

7. መዝገብን ሰነድን ብዛዕባ እቲ ተኣሲርኩሞ ዘለኹም ጉዳይዝምልከት መዝገብን ሰነድን ክትሪእይዎ ብዛዕባ ዝከኣለሉ መገዲ

  • ኣብ መደበር ፖሊስ ክትእሰሩ ከለኹም እቶም ፖሊስ ከማልእዎ ዝግባእ ነገራት፡
    • ምኽንያት መእሰሪኹም፡ ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሑ ኣለኩም ኢሎም ከምዝኣምኑ፡ ኣብ ናይ እሱራት መዝገብ ኩሉ ነገር ክምዝግብዎ ይግባእ።
    • ንዓኹምን ንጠበቓኹም እቲ መዝጊቦሞ ዘለው መዝገብ ዝርዝር ከርእይኹም ይግባእ። እቶም ናይ እሱራት ኣማሓደርቲ ፖሊስ ነዚ ከዳልወልኩም ይግባእ።
  • ፖሊስ ንዓኹምን ንጠበቓኹምን እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሑ ኣለኩም ኢሎም ወሲኖሞ ዘለው ምኽንያት ክትካትዑሉ ዘኽእለኩም ጽሑፋት ክህብኹም ይግባእ።

8. ኣስተርጓሚ ምቕራብን፡ ናይ ዝተወሰኑ ሰነዳት ሓገዝ ምእንቲ ክኾነኩም ፣ ምትርጓምን

  • እንተድኣ እንግሊዘኛ ቋንቋ ብግቡእ ዘይትዛረቡ ኴንኩም፡ እቶም ፖሊስ ብቋንቋኹም ዝዛረብ ዝሕግዘኩም ሰብ ክጽውዑልኩም እዮም። እዚ ወለሓንቲ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ።
  • ጸማም ወይ ከኣ ናይ ምዝራብ ክእለት ጸገም እንተኣሊኩም፡ እቶም ፖሊስ ካብ British Sign Language English ( ብሪቲሽ ሳይን ላንጉጅ እንግሊዝ) ብእንግሊዘኛ ናይ ጸማማት ብምልክት ዘተርጉመልኩም ሰብ ክጽውዓልኩም ይከኣል እዩ። እዚ ወለሓንቲ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ።
  • እንተድኣ እንግሊዘኛ ቋንቋ ዘይትዛረቡ ኮይንኩም ወይ ከኣ እንግሊዘኛ ቋንቋ ዘይትሰምዑኴንኩም፡ እቶም ፖሊስ ኣስተርግጓምን ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሓዝኹምን ፡ ከምኡ እውን እቲ ከቕርቡልኩም ዝደልዩ ክሲ ክገልጹልኩም እዮም። እዚ ከኣ ኣብ ዝኾነ ሰዓት እቶም ፖሊስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሕዝኹም ክውስኑ ከለው ከማልእዎ ዘለዎም ነገር እዩ።
  • ኣብ ዝኾነ ሰዓት እቶም ፖሊስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽትጸንሑ ኣብ ዝወሰኑሉ ሰዓት፡ ድሕሪ እቲ ከቕርቡልኩም ዝደልዩ ክሲ ምስቐረበልኩም፡ እቶም ፖሊስ ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሑ ከምዘለኩም ዝገልጽ ከምኡውን እቲ ቀሪቡልኩም ዘሎ ክሲ መዝገብ ብቋንቋኹም ከቕርቡልኩም ይግባእ። ነዚ ክገብርሉ ዘየኽኣሎም ፍሉይ ምኽንያት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። እቲ ምኽንያታት ከኣ፡-
    • እንተድኣ እቲ መዝገብ ንጉዳየይ ክከራኸር ኣየድልየንን እዩ ኢልኩም ወሲንኩም፡ እሞ ከኣ እቲ ጉዳይኩም ሙሉእ ብሙሉ ተረዲኡኒ እዩ ትብሉ ኴንኩም እቶም ፖሊስ ከኣ ምስ ጠበቓኹም ተራኺብኩም ማዕዳ ክትወስዱ ውሳኔ ክትውሱኑ እንተድኣ ኣፍቂዶሙልኩም። ብተወሳኺ እውን እቲ ፍቓድ ብጹሑፍ ከኣ ክትህቡ ይግባእ።
    • እንተድኣ ብቓል መዛዘሚ ናይ እቲ ጉዳይኩም ብኣስቶርጓሚ መንገዲ ተገሊጹልኩም ክንዲ ብጹሑፍ እሞ ከኣ እዚ ብቑዕ (እኹል) ኾይኑ እንተ ተረኺቡ ነቲ ጉዳይኩም ክትከራኸሩ ነቲ ኩነታት ሙሉእ ብሙሉእ ክትርድእዎ እንተድኣ ኪኢልኩም እቲ ዋና ጸሓፊ ናይ ቤት ማእሰርቲ ከኣ እዚ ብቑዕ ኮይኑ ረኺብዎ።
  • እቶም ፖሊስ ሕቶ ክሓትኹም ከለው እሞ ከኣ እዚ ኣብ ቴፕ እንተድኣ ዘይተቐድሔ፡ እቶም ኣስተርጎምቲ ነቲ ሕቶን መልስን ብቋንቋኹም መዝጊቦም፡ ነቲ ትህብዎ መልሲ ከኣ ብእንግሊዘኛ ክደግምዎ እዮም። ቅድሚ ምፍራምኩም ከኣ ነቲ ጽሑፍ ትኽክል ምዃኑ ከተረጋግጹ ትኽእሉ ኢኹም።
  • እንተድኣ ነቶም ፖሊስ ቃል ምስክር ክትህቡ ደሊኹም እቶም ኣስተርጎምቲ ነቲ ትህብዎ ቃል ብቋንቋኹምን ብእንግሊዘኛን ክጽሕፉልኩም ይኽእሉ እዮም፡ ትኽክል ምዃኑ ንምርጋጽ ከኣ ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ብድሕሪኡ ትፍርሙሉ ማለት እዮ።
  • ከምኡ እውን ናይ እዚ ሓበሬታ መግለጺ ጽሑፍ ተተርጉሙ ከወሃበኩም መሰልኩም እዩ። እንተድኣ ብቋንቋኹም ዝተተርጎመ ዘየለ እቲ ጽሑፍ ብኣስተርጓሚ እንታይ ከምዝብል ብዘይምድንጓይ ክግለጸልኩም ይግባእ።

9. ምስ ኤምባሲኹም ወይ ከእ ቆንስልኩም ምርኻብ

ዜግነትኩም እንግሊዛዊ እንተድኣ ዘይኮይኑ፡ እሞ ከኣ ምስ ኤምባሲኹምክትራኸቡ እንተድኣ ትደልዩ ኮይንኩም ንፖሊስ ሓብርዎም እሞ ንምንታይ ኣብ እንዳ ፖሊስ ከምዘለኹምን ኣበይ ከምዘለኹምን ክነግሩዎም ኢዮም። ብተወሳኺ ብግሊ ክበጽሑኹም ወይ ድማ ጠበቓ ክሰዱልኩም ይኽእሉ ኢዮም።

10. ኣብ መደበር ፖሊስ ንኽንደይ ጊዜ ክትተሓዙ (ክትእሰሩ) ከምትኽእሉ ዝምልከት

  • ክሳብ 48 ሰዓታት ጥራይ ክሲ ከይቀረበልኩም ክትተሓዙ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ክነውሕ ይኽእሉ እዩ፡ እዚ ድማ እንተድኣ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ብዳኛ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ቤት ፍርዲ ክረአ ዝኽእል ክሲ ኮይኑ ከምኡ እውን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ እንተነውሐ ክሳብ 14 መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሑ ከናውሖ ይኽእል እዩ።
  • ብተኸታታሊ ሰዓታት ከኣ እቲ ሱፐር ኢንተንደንት ነቲ ጉዳይኩም ክሪኦን ኣብ መደበር ፖሊስ ክትጸንሑ ንምንታይ ከምዘለኩም ክገልጸልኩም እዩ። እዚ ከኣ መርመራ ናይ ጉዳይኩም ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጠባቓኹም ከኣ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ እዚ ርኢይቶ ክህብ መሰል ኣለዎ።
  • እንተድኣ እቲ ዳግማይ ጸሓፊ ፖሊስ መርማሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘየውጻኣኩም፡ ንምንታይ ክወጸኣኩም ከምዘይከኣለ መግለጺ ከወሃበኩም ይግባእ፡ ከምኡውን እቲ ምኽንያት ኣብ መዝገብ ክጸሓፍ ይግባእ።
  • ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕኩም ኣድላይ እንተድኣ ዘይኮነ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጹ ይግባእ።
  • ፖሊስ ንቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንተወሳኺ ሰዓታት ክትጸንሑ ፍቓድ ክሓትት ከሎ፡
    • ጽሑፍ መግለጺ እቲ ጉዳይኩም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝረኣየሉ ጊዚያት ዝገልጹ፡ ከምኡውን መግለጺ ምኽንያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትጸንሕሉ ምንዋሕ።
    • ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳይኩም ክርአ ከሎ ንዓኹም ናብ ቤት ፍርዲ ከምጽኡኹም ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹም ብተለቪዥን ከራኽቡኹም እውን ይኽእሉ እዮም።
    • ኣብ ቤት ፍርዲ ጠበቓ ምሳኹም ክህሉ መሰልኩም እዩ።
    • ፖሊስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ እቲ ዝግባእ ሰዓታት ንላዕሊ ከጽንሑኹም ዝኽእሉ እንተድኣ እቲ ቤት ፍርዲ ኣድላይ ኮይኑ ረኺብዎ ጥራይ እዩ። ከምኡ እውን እቶም ፖሊስ ጊዜ ከየጥፍኡ ዘድሊ መርመራታት እንዳገበሩ ከምዘለው እንተኣሚኑ ጥራይ እዩ።
  • እንተድኣ ፖሊስ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ክቐርበልኩም ዘኽእል ብቑዕ ጭብጢ ኣለዎም ኮይኑ፡ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹም ወይ ከኣ ብደብዳቤ ናብ ገዛኹም ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ቀሪብልኩም ስለዘሎ ክትርከቡ ከምዘለኩም ይንገረኩም።

መርመራታትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትጸንሕሉ ጊዜ ምንዋሕን

  • ኣብ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 48 ሰዓታት ድሕሪ ምእሳርኩም ምናልባት ክትጸንሕሉ ትክእሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል እዩ።። ከምዚ ከጋጥም ከሎ እዚ ቀጺሉ ዘሎ ነገራት ክወሃበኩም ይግባእ፡-
    • ጽሑፍ ሰነድ ምልክታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሕሉ ዘድልየኩም ሰዓታት ምንዋሕ ከምዝተገበረ ዘርኢ ክወሃበኩም ይግባእ።
    • እቲ ምልክታ ዝቐረበሉ ሰዓት ዝገልጽ ጽሑፍ
    • እቲ ምልክታ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርበሉ መዓልቲ ዝገልጽ ጽሑፍ
    • ንተወሳኺ ጊዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽተጽንሑ ዝተሓተተሉ ምኽንያታት

መግለጺ ሓበሬታ ጽሑፍ ንዓኹምን ንወኪልኩምን ዘሎ ጠባቕኹምን ምልክታ ብ ቤት ማእሰርቲ ንተወሳኺ ጊዜ ንኽትቀርቡ ዝተወሰነሉ ሰዓት ክወሃበኩም ይግባእ።

11. ጉዳይኩም ናብ ቤትፍርዲ እንተበጺሑ፣ እቲ ጭብጢ ናይ ክስኹም ክወሃበኩም ይግባእ

ገበን ፈጺምኩም ተባሂሉ እንተተኸሲስኩም፣ እቲ ተኸሲስኩሙሉ ዘለኹም ጭብጢ ንስኹም ወይ ጠበቓኹም ክትርእዩዎ ክፍቀደልኩም ይግባእ። ነቲ መከላኸሊኹም ዝሕግዝ ጭብጢ እውን ክትርእዩዎ ክፍቀደልኩም ይግባእ፣ እዚ ቅድሚ ኣብ ቤትፍርዲ ምኻድኩም ክኸውን ይግባእ። ፖሊስን ናይ ክሲ ኣገልግሎታትን (ሲፒቪስ) ነዚ ንኸዳልዉ ሓላፍነት ኣለዎም። Crown Prosecution Service (ክራውን ፕሮሰክሽን 8 ሰርቪስ) ከምኡውን፣ ኣድላዩ ንዝኾኑ ሰነዳት ካልእ ነገራትን ቅድሚ እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ምርኣዩ ክትረኽቡ ከቕርቡልኩምን ክህብኹምን ሓላፍነቶም ኢዩ።

ብዛዕባ ኣብ መደበር ፖሊስ ከለኹም ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታታት ክትፈልጥዎ ዘድልየኩም ነገራት

ብኸመይ ዓይነት መንገዲ ክትተሓዙን ክንክን ክግበረልኩምን ይግባእ

እዚ ጽሑፍ እዚ ሓጺር መግለጺ ኣብ መደበር ፖሊስ ተኣሲርኩም ከለኹም እንታይ ዓይነት ኣተሓሕዛ ክግብረለኩም ከምዝከኣል ዝገልጽ እዩ። ተወሳኺ ዝያዳ ሓበሬታት እንተ ድኣ ደሊኹም ነቲ መጽሓፍ (ካስቶዲ ረኮርድ) Custody Record ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከኣ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ኩሉ እቲ ዘድልየኩም ዝገልጽ እዩ። ዝኾነ ሕቶታት እንተ ድኣ ኣለኩም ነቶም ናይ መደበር ፖሊስ ኣባላት ክትሓትዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት

  • ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይኑ ወይ ከኣ ብቐሊሉ ኣብ ሓደጋ ከውድቐኩም ዝኽእል ናይ ስነኣእምሮ ጥዕና ጸገም እንተ ኣሊኩም፡፡ ንምሳሌ እንተድኣ ትምህርቲ ክትመሃሩ ዘጸግመኩም፣ ናይ ስነኣእምሮ ጥዕና ጸገም ኣሊኩም ኮይኑ፡ መሰል ኣለኩምን ፖሊስ ዝኾነ ነገራት ክገብሩ ከለዉ ምሳኹም ካልእ ሰብ “ልዕሊ ዕድመ ፈላጥ ሰብ” ኣብ ጥቓኹም ክርከብ ይግባእ። ቅዳሕ ናይዚ ጽሑፍ ከኣ ክወሃበኩም እዩ።
  • ፖሊስ ብዛዕባ መሰልኩም ክሕብርኹም ከለውን ንምንታይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሑ ከምዝተወሰነልኩምን ክገልጽልኩም ኣለውም፡ ልዕሊ ዕድመ ፈላጣት ሰባት ምሳኹም ሃልዮም ብዛዓባእቲ ዝሕተተኩም ሕቶታት እንታይ ምዃኑ ክገልጽሉም ንዓኹም ዘድልየኩም ነገራት ክሕግዝኹም እዮም። እቲ ናይ ፖሊስ መጠንቀቕታ ክንበበልኩም ከሎ ከኣ ንሳ ወይ ከኣ ንሱ ምሳኹም ክህልው ይግባእ።
  • እቶም ልዕሊ ዕድመ ፈላጥት ሰባትውን ብስምኩም ጠበቓ ክጽውዑልኩም ይኽእሉ እዮም።
  • እንተ ደሊኹም ከኣ ብዘይ እቶም ልዕሊ ዕድመ ፈላጣት ሰባት ኣብ ጥቓኹም ምስ ጠበቓኹም በይንኹም ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ፖሊስ ከኣ ካብ እዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ነገራት ክገብሩ ይኽእሉ። ኣብ ኣንዳ ፖሊስ ተታሒዝኩም ከለኹም። እቶም ልዕሊ ዕድመ ፈላጣት ከኣ ነዘን ነገራት እዚአን ክማልኣ ከለዋ ኣብ ጥቓኹም ክርከቡ ይግባእ፡ ዚ እንተዘይኮይኑን፡ ፍሉይ ዝኾነ ኣጋጣሚ እንተዘይተረኺቡን ጥራይ እንበር ኩሉጊዜ ምሳኹም ክርከቡ አለዎም።
    • ቃለ መሕትት ክገብሩልኩም ይኽእሉ ወይ ከኣ ምስክር ቃል ዝሃብኩሞ ክትፍርሙሎም ወይ ከኣ መዝገብ ብዛዕባኹም ዝጸሓፍዎ ክትፍርሙሎም ክሓትኹም ይኽእሉ እዮም።
    • ካብቲ ላዕለዋይ ክዳናንኩም ንላዕሊ ከውጽኡልኩም ይኽእሉ እዮም።
    • ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰርን ስእልን ወይ ከኣ ናይ DNA (ዲ.ኤን ኤይ) ኣሰር ክወስዱልኩም እዮም።
    • ዝኾነ ንምስክር ዝምልከት ነገራት ናይ እዚ ኣሰራርሓ መንገዲ ይኸውን።
  • እቶም ፈላጣት ልዕሊ ዕድመ ከኣ ወይ ብኣካል ወይ ብቴሌፎን ምሳኹም ክርከቡ ዕድል ከወሃቦም ይግባእ። ከምኡ እውን ፖሊስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከጽንሕኹም ዲዮም ዋላስ ክፈትሕኹም ክውስኑ ከለውንእቶም ፈላጣት ልዕሊ ዕድመ ኣብ ጥቓኹም ክህልው ይግባእ።
  • እቶም ፈላጣት ልዕሊ ዕድመ ኣብ ዘለዉሉ ፖሊስ ክሲ ከቕርብልኩም ከለው ምሳኹም ክርከቡ ይግባእ።

ዝርዝር መዝገብ ብዛዕባ ኣብ መደበር ፖሊስ ከለኹም ክወሃበኩም እንተደሊኹም

  • ኣብ መደበር ፖሊስ ከለኹም ዘጋጠመኩም ኩሉ ነገራት ምዝጉብ እዩ። እዚ ከኣ Custody Record (ካስቶዲ ረኮርድ) መዝገብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
  • ካብ ቤት ማሰርቲ ክትወጹ ከለኹም፡ ንስኹም፡ ወይ ጠበቓኹም ወይ ከኣ እቲ ፉሉይ ዓቢ ሰብ ቅዳሕ ናይ Custody Record (ካስቶዲ ረኮርድ) መዝገብ ታሪኽ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹም ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ፖሊስ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም እቲ Custody Record (ካስቶዲ ረኮርድ) መዝገብ ታሪኽ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹም ክህቡኹም ይግባእ።
  • ቅዳሕ መዝገብኩም Custody Record (ካስቶዲ ረኮርድ) ንዝምልከት ካብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበርኩሙሉ ጊዜ ጀሚሩ ክሳብ 12 ወርሒ ዘሎ ጊዜ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስ ሰብ ምርኻብ

  • ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ ጠበቓ ምርኻብን፡ ንትፈልጥዎ ሰብ ኣብ መደበርፖሊስ ኣለኹ ኢልኩም ምሕባርን፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ሓንሳብ ተሌፎን ክትድውሉ ክፍቀደልኩም ይግባእ።
  • ንፖሊስ ቴሌፎን ክትድውሉ እንተደሊኹም ሕተትዎም።
  • ከምኡ እውን ወረቐት መጽሓፍን ብርዕን (ፒሮ) ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ሰብ መጺኡ ክበጽሓኩም ምናልባት ክፍቀደልኩም ይኽእል እዩ፡ ግን ምናልባት እቲ ናይ መደበር ፖሊስ ሓላፊ ከየፍቅደልኩም ይኽእል እዩ።

ክፍሊ ቤት ማእሰርቲ

  • እንተድኣ ተኻኢሉ በይንኹም ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ክትጸንሑ ይግባእ።
  • ጽሩይ፡ ማሙቕን፡ ብርሃን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።
  • እቲ ናይ መደቀሲኹም ምንጻፋት ከኣ ጽሩይን ዝተማዓራረየን ክኸውን ይግባእ።
  • ክትሕጸቡን ሽንቲ ቤት ክትጥቀሙን ክፍቀደልኩም ይግባእ።

ክዳውንቲ

እንተድኣ እቲ ተኸዲንክሞ ዝነበርኩም ክዳንኩም ፖሊስ ወሲዶሞ ቅያር ክዳውንቲ ክህብኹም ይግባእ።

መግብን ዝስተ ነገራትን

ንመዓልቲ ሰለስተ ግዜ መግብን ዝስተ ነገራትን ክወሃበኩም ይግባእ። ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጎ መግቢ መግብታት ዝወሃበኩ ተወሳኺ ዝስተ ነገራት ክወሃበኩም ይከኣል እዩ።

ምንቅስቓስ

እንተ ድኣ ተኻኢሉ ከኣ ኣየር ንኽተውስዱ ኣብ ደገ መዓልታዊ ክትወጹ ክፍቀደኩም ይግባእ።

ፖሊስ ሕቶታት ከቅርብልኩም ከለው

  • እቲ ክፍሊ ማሙቕ፡ ጽሩይን ብርሃን ዘለዎን ክኸውን ይግባእ።
  • ጠጠው ኢልኩም ሕቶታት ክትምልሱ ኣይግበኣኩምን።
  • እቶም ፖሊስ ስሞምን መዓርጎምን ክነግርኹም ይግባእ።
  • ዕረፍቲ ኣብቲዝግባእ ናይ መግቢ ሰዓታትን፡ ናይ ፈሳሲ መስተ ትወስድሉ ግዜን እንተ ወሓደ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ክወሃበኩም ይግባእ።
  • እንተ ወሓደ ናይ 8 ሰዓታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናይ ዕረፍቲ ወይ ከኣ ድቃስ ጊዜ ከወሃበኩም ይግባእ።

ብዛዕባ ሃይማኖት ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት

ሃይማኖትኩም ከተኽብሩ ወይ ክትጽልዩ ዘድልየኩም ነገራት እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ ንፖሊስ ሓብርዎም። ናይ ሃይማኖት መጻሕፍትን ካልኦት ዝተፈላለየ ነገራትን ክህቡኹም ይኽእሉ እዮም።

እቲ ልሙድ ሕጊ ፍልይ ዝብለሉ ጊዚያት

ጠበቓ ክሕግዘኩም ክትጽውዑ ከለኹም

ቅድሚ ምስ ጠበቓኹም ምርኻብኩም ኣብ ፍልይ ዝበለ ኣጋጣሚታት ፖሊስ ብቑልጡፍ ሕቶታት ክሓቱኹም ዘድልዮም ጊዚያት ኣሎ።ም። ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ከኣ ኣብቲ Code of Practice (ኮድ ኦፍ ፕንራክቲስ) ዝበሃል ጽሑፍ ተገሊጺ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ መግለጺ ከኣ እቶም ፖሊስ ክገብርዎ ዝፍቀዶምን ዘይፍቀዶም ተገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ዝርዝር ዝገልጽ ኣብ ዓንቀጽ 6.7 ኣብ ክፍሊ ሸ Code of Practice H (ኮድ ኦፍ ፕራክቲስ) ይርከብ።

እቶም ፖሊስ ነቲ ንስኹም ዝመረጽኩሞ ጠበቓ ከራኽብኹም ዘይፈቕድሉ ሰዓት ኣጋጣሚ ኣሎ።። ከምዚ እንተድኣ ኣጋጢሙኩም ምስ ካልእዝመረጽክሞ ጠበቓ ክትራኸቡ ክፍቀደልኩም ይግባእ።

ፖሊስ ምስ ጠበቓኹም ብሱቱር መንገዲ ክትራኸቡ ዘየፍቁድልኩም ኣጋጣሚ ኣሎ። እዚ ከኣ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ፖሊስ ንዩኒፎርም ዝገበረ ፖሊስ ኣብዚ ጊዜ እዚ ክርከብ ከምዘለዎ ዝእዝዘሉ ጊዜ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝገልጽ ጽሑፍ ከተንብብዎ እንተድኣ ደሊኩም ኣብ 6.5 ኣብ ክፍሊ ሸ ኮይኑ እዚ ስርከበሉ ቦታ ከኣ ኣብ Annex B Code of Practice H (ኮድ ኦፍ ፕራክቲስ) ይርከብ።

ንትፈልጥዎ ሰብ ኣነ ኣብ መደበር ፖሊስ እየ ዘለኹ ኢልኩም ምሕባር።

ኣብ ፍልይ ዝበለ ሰዓታት ወይ ከኣ ኩነታት ፖሊስ ንትፈልጥዎ ሰብ ደዊልኩም ኣብ መደበር ፖሊስ ከም ዘለኹ ክትሕቡሩ ዘይፍቀደልኩም ግዜ ኣሎ። ሓበሬታታት ብዛዕባ እዚ ፍልይ ዝበለ ኩነታት ኣብ መጽሓፍ Codes of Practice (ኮድ ኦፍ ፕራክቲስ) ዝበሃል ኣብ ክፍሊ Annex B of Code H ይርከብ።

ናጻ ዝኾኑ ናይ እሱራት በጻሕቲ

ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ኣባላት ቆጸራ ከይገበሩ ኣብ ዝደልይዎ ሰዓታት መጺኦም ነቲ መደበር ፖሊስ ናይ እሱራት ክፍሊታት ክምርምሩ ዝፍቀዶም ውልቀሰባት ኣለው። እዚኦም ከኣ ፍሉይ ናይ መደበር ፖሊስ ቤት ማእሰርቲ መርመርቲ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ መርመራ በቶም ገበርቲ ሰናይ ዘካይዱሉ ምኽንያት ከኣ እቶም እሱራት ግብኦም ይመላኣሎምን ዘይመላኣሎምን ከምዘሎ ንምርግጋጽ እዩ።

እቶም ናይ ግሊ ናይ መደበር ፖሊስ መርመርቲ ብፍላይ ንዓኹም ጥራይ መጺኦም ክሪኢኹም ክትሓቱ ፍቓድ የብልኩምን። ብፍላይ ንዓይ መጺኦም ይርኣዩኒ ኢልኩም ክትሓቱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኮይኑ ግን ምስኣቶም ክዘራረብ ኣይደልይን እየ እንተድኣ ትብሉ ኴንኩም ክትዛረብዎም ኣይትግደዱን ኢኹም።

ጥርዓን ከመይ ጌርኩም ከተቕርቡ ትኽእሉ

ብዛዕባ ኣብቲመደበር ፖሊስ ከለኹም ዝተገበረልኩም ክንክን እንተ ድኣ ጥርዓን ከተቕርቡ ደሊኹም ነቲ ናይ ፖሊስ ኣባል ዚያዳ ሓላፍነት ዘለው (ኢንስፐክቶር) ክትዘራረቡን ክትሓቱን ትኽእሉ ኢኹም። ካብቲ መደበር ፖሊስ ምስ ወጻእኩም ከኣ ኣብ ዝኾነ መደበር ፖሊስ ኬድኩም እቲ ትደልይዎ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ብመንገዲ ጠበቓ ወይ ከኣ ብ Police Complaints Commission (IPCC) (ናይ ፖሊስ ጥርዓን ኮሚሽን) (IPCC) ። ወይ ከኣ MP (ኤም ፒ) ኣባል ናይ ፓርላመንት ብስምኩም ጥርዓን ከቕርበልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።